ዜናዊ ጸብጻብ 2ይ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ

2020-11-26 08:32:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2353 times

ምእትስሳር ደቂ ኣንስትዩ  ሰዲህኤ፡ ብ14 ሕዳር 2020 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሃን ካለኣይ ጉባኤ ኣካይደን። ወ/ሮ ኣድያም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዩ ሰዲህኤ ንተሳተፍቲ ጉባአ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም”  ብምባል መኽፈቲ ቃል  ኣስሚዓ። ኣብቲ ዘስመዓቶ ቃል፡ ጉባኤ ኩሉ`ቲ ንሃገርና  ኣካቢብዎ ዝርከብ ፈታኒ ኩነታትን ምዕባሌታቱን ብምጥቃስ ኣብ መስርሕ ምድላዉ  ካላኣይ ጉባኤ ንዝተገብረ  ዕቱብ ጻዕርታት ዝምልከት ብዝርዝር ኣቕሪባ። ብተወሳኺ ኣብ መጻኢ ነቲ ምትእስሳር ክቢድ ናይ ስራሕ ሓልፍነት ይጽበዮ ከምዘሎ ኣብሪሃ። ከምኡ‘ውን ሓለፍቲ ዞባታት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ወ/ሮ  ኣልጋነሽ ያቆብን ወ/ሮ  ኣስገደት ምሕረትኣብን በብተራ ንጽንዓት ቃልሰን፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮን ኣግዳስነቱን ብምጥቃስ ኣቕሪበን። ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብወገኖም  ንጉዳይ ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዝምልከት  ሰፊሕ መብርህ ታት ህቦም።

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ደሞክራስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ንጥፈታቱን ኣብ ጉዕዞ ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታትን ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብኣደ መንበር  ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽ ድሕሪ ምቕራብ፣ ንዝቐረበ ጸብጻባት ተሳተፍቲ ጉባአ ብዕምቆት  ተመያይጠናሉ። ድሕሪኡ ጉባኤ አትመርሕ ስክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ።   ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረታብ፣ ወይዘሮ ኣልጋነሽ ያቆብን ወይዘሮ ፈቢን ግድወን ከኣ ኣባላት እታ ሰክረታሪያት ኮይነን።

ንድፊ ውሽጣዊ ሕግን ቅዋምን  ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ስዲህኤ፣ ድሕሪ ምንባብን አኹል ምምይይጥን ድሕሪ ምክያድን ጉባአ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ  ኣጽዲቕዎ። ኣብ መጠጨረሽታ፡ ጉባአ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ቅዋም  ምትእስሳር ንመጻኢ ክልት ዓመታት አትመርሕል  መሪሕነት  ብዲሞክራስያዊ መንግዲ መሪጹ። እተን ምትእስሳር  ደቂ-ኣንስትዮ ስዲህኤ ክመርሓ  ኣብዚ ጉባኤ ዝተመርጻ ሽውዓተ ኣባላት አዘን ዝስዕባ አየን።     ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፣ ወ/ሮ ጸጋሂወት ሓጎስ ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽ፣ ወ/ሮ ሳባ ቕለታ፡ ወ/ሮ ምሕረት መኮነን፣   ወ/ሮ ገነት ተስፋገርግሽን ወ/ሮ ግደይ መሓሪን  እየን።

ብድሕሪ እዚ ጉባኤ  ነዚ ዝስዕብ  ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን  ኣሕሊፉን።

  • ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ከኣ ብፍላይ ዘፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣስካሕካሒ ናይ ወጽዓ፡ ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምቅላሕን ምቅላዕን ብዕቱብ ክስረሓሉ ኣስሚሩሉ።
  • ጸረ-ምልኪ ንምቅላስ፥ ደቂኣንስትዮ ኣድማዒ ኣካል ናይ`ቲ ሓርነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሕን ኣግዕዞን ሰብእዊ መሰላትን ዝጣበቕ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ብምዃን ዕዙዝ ምሕዝነት ምፍጣር።
  • ዓቕምታትና ጠርኒፍና ኣድማዒ ቃልሲ ምእንቲ ክነካይድ ንሓባርዊ ስራሕ ዝዕድም ሃዋህው ምፍጣር።
  • ንሕና ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ዝተናወሐ መስርሕ ሃገራዊ ቃልሲ ሃብታም ተመክሮ ስለ ዘለና፣ ምልካዊ ስርዓት ካብ ሃገርና ኣብ ምልጋስን፡ ምህናጽ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒን ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋጽ፡ ሓርነታዊ ኣግዕዞ ደቂ ኣንስትዮ ንኽዕወት ንኹለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ  ኤርትራውያን ዝውክል ማሕበር ንምምስራት ጻዕርታት ምክያድ።
  • ንኹለን ኣባላት ሰልፊ ብኣካል ይኹን ብሞራል ንመስርሕ ምስንዳእን ምዕዋትን ጐባኤና ክውን ዝገበራ ኣሓት ብሓባር፡ ብፍላይ ንሓልፍቲ ምእትስሳር ቤት ጽሕፈት፡ ሓልፍቲ ዞባታትን ኣባላትን ደኺምና ከይበላ ንዘርኣየኦ ኣብነታዊ ተወፈይነተንን ኣድማዒ ኣስተዋጽኦአንን ዕዙዝ ምስጋና ይብጸሓየን።

ኣብ መደመደምታ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ስዲህኤ ምስ ኩለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮን ውልቀ-ስባትን ኣብ መኣዲ ሓቢርካ ምስራሕ ክጽመድ  ደልውነታ ደጊሙ የረጋግጽ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ  ነተን ኣብ ጐኒ ጨቋኒ ስርዓት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓርነታውን ማዕርነትውን ቃልሲ ክጽበራ መጽዋዕታና ነቕረብ።

ዓውት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዓወት ንኣግእዞ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ!

Last modified on Thursday, 26 November 2020 09:35