ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡  መጻኢ ዕማማት ሰልፊ ኣብሪሁ

2019-09-02 08:24:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2505 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ1 መስከረም 2019 ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣገደስቲ መጻኢ ዕማማት ሰዲህኤ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዕማማት ቤት ጽሕፈቱ  ንኣባላት ሰልፊ፡ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ” እንኳዕ ደሓን መጻእኩም”  መልእክቲ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ  ከኣ ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ጠቒሱ “እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ኣብጸሓና” ኣሉ። ብጻይ ተስፋይ ብሓፈሻ ኣብ መጻኢ 4ተ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዕማማት ሰልፊ ቀዳምነታት ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ።  ኣተሓሒዙ ከኣ መስርሕ  3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡  ክሳብ መወዳእታ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።

 እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ መስርሕ ምርኽካብ ሓለፍነት  ኣብ መንጎቲ ክመርሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተመርጸን  መሪሕነታት ዕዉት ምንባሩ ኣብሪሁ።   ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛም ምሕዳራተን ዳርጋ  ወዲአን ኣብ ተግባር ይኣትዋ ከም ዘለዋን ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ሓድሽ መሪሕነት ወግዓዊ ስሩሑ ከም ዝጀመረን  ኣበሲሩ። ኣብዚ መብርሂኡ እቲ ዝተጠቕሰ ዓወታት ንክብጻሕ ግደ መሰረታት ኣዝዩ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ብምጥቃሲ እዚ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ብዝሓየለ ከም ዝቕጽል እምንተኡ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እውን፡  ምምሕዳራቶም  ከም ዝመስረቱ ብምጥቃስን እቲ መስርሕ ቀጻሉ ምዃኑ ብምሕባርን፡ ካብቲ ኣብ መጻኢ ሓደ ዓመት ክሰርሕዎ መዲበምዎ ዘለዉ ትልምታት ኣገዳሲ ዝብልዎም ዛዕባታት ተቒሶም መብርህታት ሂቦም። በቲ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዝሃብዎ መብርሂ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዓመታዊ ትልምታት ንድፊ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝጸድቕን ሓቢሮም።

ተሳተፍቲ ናይዚ ኣኼባ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስረሓት በቲ ዝተገልጸሎም ኣገባብ  ተሰላሲሉ  ንኣባላት መብርሂ ምቕራቡ ግሉጽነት ናይ  ኣሰራርሓ ከም ዘመልክት  ገሊጾም።   ብዘካዚ ዘይበርሁሎም ጉዳያት ሓቲቶም መብርሂ ተዋሂብዎም። ድሕሪ እዚ ከኣ መጻኢ መደባት ሰልፊ ንምዕዋት ኣበርክተኦም ዝያዳ ከም ዘበርኹ ቃል ኣትዮም።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣብላት ሰልፊ ንኢዱ ኣብ መጻኢ እውን ኣባላት ሰልፊ ይኹኑ ደገፍቲ መደባት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ኣበርክተኦም ከኻዕብቱ ብምጽዋዕ ኣኼባ ተፈጺሙ።

Last modified on Monday, 02 September 2019 10:27