መግለጺ ሓዘን

2019-08-13 14:24:20 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 2903 times

ስዉእ ተጋዳላይ ሲራክ ዘመንፈስ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሎሚ ንግሆ ዕለት 13 ነሓሰ 2019 ዓ.ም ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስዉእ ሲራክ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ንሃገራዊ ናጽነት ተቓሊሱ። ተሓኤ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ከም መምህር ኰይኑ ኣብ ፖርት ሱዳንን ኣብ ካርቱምን ዝርከብ ናይ ኤርትራውያን ቤት ትምህርቲ ኣገልጊሉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ(ሰዲህኤ)፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ክህቦም እናተመነየ፤ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

13 ነሓሰ 2019

Last modified on Tuesday, 13 August 2019 16:26