ሓድሽ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ነቶም ጽቡቕ ዝተመነይሉ ኣመስጊኑ፡  ናይ “ኣንጻር ዲክታቶር ሓቢርና ንቃለስ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

2019-08-10 09:17:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2577 times

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ንምርግጋጽ ብሓር ክንሰርሕ እንዳተማሕጸነ

ናይ ዝሰመረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓድሽ ኣቦመንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ነቶም ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ነቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዓብይ ብጽሒት ዘለዎ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመርሕ ኣቦመንበር ብምዃኑ ብቴለፎን ኢመይልን ካልእ መራኸቢ ኣገባባትን ሰናይ ትምኒቶም ዝገለጽሉ ኣመስጊኑ።

ኣብ ርእሲ እቲ በቶም ኣብ ወይስባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአን ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርትን ዝተሳተፉ ወከልቲ ኣሓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ዝቐረበ፡ ናይ ምሕዝነትን ሰናይ መጻኢ ትምኒትን መልእኽታት፡ ብዙሓት ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘይነበሩ ኣዕሩኽን መሓዙትን ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ሰዲዶም።

New EPDP2 1ሓድሽ ኣቦመንበር ዝሰመረ ሰዲህኤ ምስቶም ናይ ቅድም ኣቦመንበራት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገ/መድህንን

 ካብቶም ተስፋይ ወልደሞካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኮይኑ ብምምራጹ ብዓብይኡ ከኣ በቲ ዝተረጋገጸ ሓድነት ሰዲህኤ ሓጐሶም ዝገለጹ ፍሉጣት ኤርትራውያን ባእታታት፡ ኣቶ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ነባር ኣባል ሰዲህኤ(ፖርቱሱዳን)፡ ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድ ናይ ነዊሕ ግዜ ዓርኪ (ኣወስትራልያ)፡ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ (ህላንድ)፡ ዶ/ር ኣንገሶም ኣጽበሃ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣሰይድ ኣቡሃሽም፡ ( ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ (ሆላንድ)፡ ኣቶ እስማዒል ዓሊ (ሆላንድ)፡ ወ/ሮ ገነት ተወልደ (ስዊዘርላንድ)፡ ኣቶ ነጋሽ ዑስማን (ስወደን)፡ ኣቶ ሰመረ ሃብተማርያም (ሕመኣ)፡ ኣቶ ስዩም ተስፋይ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ብርሃነ ውልደገብርኤል (ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ኣቶ ሰለሞን ኣሰፋው፡ ሓንቲ ሃገር፡ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ (ሕመኣ)ን ካለኦት ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣቦመንበር ተስፋይ ደጊጋን ይርከብዎም።

ነባርን ሓርበኛን መራሒ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ናብቲ ሓድሽ ኣቦመንበር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ነቲ ሰንደቕ ቃልስና ምእንቲ ዲሞክራሲ ክብ ኣቢልካ ኣንበልብሎ፡ ከም እትዕወት ከኣ ርግጸኛ እየ” ኢሉ።

ካብቲ ካልእ መልእኽታት ንኣብነት ዝኣክል ከኣ እዚ ዝስዕብ ክንጠቅስ1!

እስማዒል ዓሊ ኣሕመድ፡ ነቲ ዝግበኦ  ኣቦመንበርነት ሰዲህኤ ዝተረከበ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ልባዊ ናይ ሓጐስ ቃላተይ እልግሰሉ። እዚ ሰብዚ ነዚ ኣብ ከም ኤርትራ ሃገርና ዘላትሉ ኩነታት ተሰኪምዎ ዘሎ ውድብ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከተግብር ዘኽእል፡ ስብእና፡ ተመኩሮን ባህርን ዝውንን እዩ።

New EPDP3 1ኣብዚ ስእሊ፡ ኣድያም ተፈራ፡ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣማኑኤል በራኺ፡ ወልደየሱስ ዓማርን ፍሰሃየ ሓጐስን ይረኣዩ፡                                                                    

ዓብዱራሕማን ኣሰይድ (ኣቡሃሽም)፡ ተስፋይ ደጊጋ ሓደ ካብቶም ናይ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ሓርበኛታትን መራሕቲ ናይዚ ኣብ ወጻኢ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን እዩ። ንሱ ኣብ 5 ዓሰርተታት ዓመት ዝተዋህለለ ሃብታም ተመኩሮን፡ ኣብዚ ን3 ዓሰርተታት ዓመታት ውረድ ደይብ ቃልሲ ዝተመስከረሉ ናይ ምጽውዋር ጥበብን ዘለዎ እዩ። ኣነ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ረኺበዮ። ኣብቲ ርክባትና ከምቲ ምስ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ዝርእዮ ምቕሉልን ምስታ ከምኡ ዓይነት ባህሪ ዘለዋ በዓልቲ ቤቱ ንናይ ሃገር ምድሓን ቃልሲ ውፉያት ኮይኖም ረኺበዮም። ስለዚ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኮይኑ ስለ ዝተመርጸ ዝለዓለ ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰካ መልእኽተይ የመሓላልፈሉ። ንዕኡን ንብጾቱን ከኣ ኣብቲ ኣብዛ ፍትውቲ ሃገርና ስቪላዊ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዓወት እምነየሎም።

ስዩም ተስፋይ፡ ነቲ ሓድሽ መዝነትካ እንኳዕ ደስ በለካ። ጽቡቕ መጻኢ ክኾነልካ ንክምነ ከኣ ፍቐደለይ። ናትካ ውህሉል ተመኩሮን ንህልዊ ኰነታት ሃገርና ዘለካ ተረደኦን ኣብዚ ንህዝብና ካብ ዲክታቶርያዊ ወጽዓ ንምንጋፉን ሓድሽ መድረኽ ንምምጻእን ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ክሕግዘና እዩ። እንኳዕ ደስ በለካ።.

ሚርያም ሰፕተምበር፡ ንሰዲህኤን ኣቶ ተስፋይ ደጊጋን ስለቲ ዘይዕጸፍ መርገጽኩም ኣብ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስን ለውጢ ካብ ምሽጢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ ዝብል ራኢኦምን ክብሪ ኣለኒ። ተስፋይ ደጊጋ ናይቲ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ሃብታም ዓቕምን ሓይልን ከም ዝፈልጥ ኣብ ሓደ መድረኽ ንዓኡ ብዝምልከት ኣስተምህሮ ከቕርብ እንከሎ ተረዲኣ ኣለኹ። ሰዲህኤ እዚ መርገጹ ካለኦት ኣካላት ንክርድእሉ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ብኣጸጋሚ ኩነታት እዩ ሓሊፉ። እንተኾነ ኣብኡ ጸኒዑ ሳላ ዝተቓለሰ፡ ሎሚ  በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ለውጥን፡ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰውራን እዚ ፖለቲካዊ ስትራተጅኡ ቀንዲ መንገዲ ክኸውን በቒዑ

ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ዘሕጉስ ምዕባለ ዘግሃደ መልኽቲ! ደሞክራሲያዊ ጠባያት (ብሰላም፡በቢእዋኑ ምርጫታት መሪሕነት) ብዘትኣማምን ኣገባብ ክቕጽል ከም ዘለዎ ብተግባር ንካልኦት ኣርኣያ ስለ ዝኾንኩም፡ዮሃና! ሓውና ተስፋይወ ሚካኤል እንኳዕ ኣመጎሰካ።  ንዕማም  'ሓቢርካ ምስራሕ' ፍሉይ ቆላሕታ ሂብኩም፤ ከተዔውትዎ ምሉእተስፋ ኣለኒ።

ሰለሞን ገ/እየሱስ ኣስፋው፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰድህኤ) ኣብዘንዝሓለፋ መዓልታት ክልተ ዋሃዘብሉ ፍጻሜታት ሰኒዱ ይርከብ። እዞም ቀንዲ ፍጻሜታት ሰድህኤ ምስ ሃድኤ-ሕድሪ ስምረት ክገብር እንከሎ፤ንተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ድማ ንብጻዩ ተጋዳላይ መንግስተአብ ስመሮም ተኪኡ ከም ኣቦመንበር ሰልፊ ኮይኑ ክመርሕ መሪጽዎ ኣሎ።

ኩሎም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ብህዝቢ ምንም ዝግብኦም ክብረት ከይረኸቡ በንጻሩ ክንደይ ዘለፋን ውርደትን ተጻዊሮም ነዚ ቃልሲ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ምሕላፎም ክምስገኑ ይግባእ።ሓደ ኣብነት ናይዚ ተጋዳላይ ተስፋይ ደጊጋ እዩ ተስፋይ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ካብ ሕቑፎ ስድርኡ ናጽነት ከምጽእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወፈረ ስጋብ እዛ እዋን ዳግማይ ሓመድ ዓዱን ኽስዕም ደምበ ዓዱ ክርእይ ዝተሓረሞ ሓርበኛ እዩ።ኤርትራ ብህዝባዊ ሰራዊት ማለት ህዝባዊ ግንባር ሓራ ምስ ወጸት ደጊጋን ብጾቱን ንዕርቅን ሰላምን ዳግመ-ህንጻ ሃገርን እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት እኳ እንተነብሩ ዓማጺ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግና ማዕጾ ሰላም ረጊጡ ናብታ ንእስነቶም ዝመጠውላ ሃገሮም ከይምለሱ እዩ ዝገበረ።እንሆ ድማ ድሕሪ ናጽነትን 28 ዓመታት ደጊጋን ብጾቱን ንስለፍትሕን ደሞክራስን ይቃለሱ።

ደጊጋ ኣብ እዋን መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ናስር ዝነበሮም ውድባዊ ፍልልይ ብዘየገድስ ነቲ ታሪኻዊ ኣወንታዊ ብጻይነት ጸቒጡ ዝገበሮ ታሪኻዊ መደረን እንታይነት ተስፋይ ደጊጋ ዝገልጽ እዩ።ተስፋይ ካብ ቂምታ ንዕርቂ ካብ ንኽመርሕ ንኽምራሕ ዘቐድም ገዲምን ምኩርን ተቓላሳይ እዩ።ተስፋይ ደጊጋ ካብቶም ብግድምና ዘይኮነስ ብንቕሓትን ርድኢትን ንነገራት ዘመዛዝኑ ተቓላሳይ ኢለ ክገልጾ ይኽእል።ተስፋይ ካብቶም ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ቅርሕንቲ ኣኽቲሙ ከም ኣሕዋት ደቂ ሃገር ክሰርሑ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ ገስገስቲ መራሕቲ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን።ተስፋይ ንብጾቱን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘርአይዎ ብልጫን ድኻምን ኣብ ግምት ኣእትዮም ናይ ስምረት ስጉምቲ ምውሳዶም ክምስገኑ ይግባእ።

ከምቲ ተስፋይ ኣብ ቦኽሪ ናይ ኣቦመንበር መደርኡ ዝአተዎ መብጽዓ ምስቶም ካልአይ ክፋል ሰድህኤ ክላዘቡን ሽግራቶም ክፈትሑን ልቦም ክኸፍቱ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።ነቲ ኣብ እዋን ንእስነተይ ናብ ቃልሲ ንዲሞክራስን ፍትሕን ምስተጸምበርኩ ካብ ዝጋጠሙኒ ኣዝዮም ውሑዳት ሸንኮለል ዘይፈትው ናይ ቃልሲ መምህራን ኣያና ተስፋይ ደጊጋ፤ነዚ ጉዳይ ስምረት ልዝብ ንምፍታሕ ግርጭትን ምስተመሳሰልቲ ራእይ ዝውንኑ ሃገራውያን ሰልፍታት ብትብዓትን ብርእሰ ተአማንነት ንክቕጽሎ ለበዋይ ከሕልፍ ይፈትው።ርግጸኛ እየ ሰድህኤ ንዝግብኦን ብቑዕን መራሒ እዩ መሪጹ ዘሎ እሞ ዓወትን ኣሳልጦን።ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ንመጻኢ እውን ሓቢርና ምስ ደጊጋን ብጾቱክን ሰርሕ ወትሩ ሕጉሳትን ድሉዋትን ምዃንና ብስመይን ብስም ናይ ቃልሲ ብጾተይን ናብ ኣቦመንበር ሰድህኤ መልእኽተይ ይሰድድ።

Last modified on Saturday, 10 August 2019 11:37