ሓድነታዊ ጉባአ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ኣብ መዕጸዊኡ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ ኣቕሪቡ

2019-08-03 04:30:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2336 times

ኣቦመንበራት ዝጸንሑ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን ኣብ መዕጸዎ ጉባአ ቃል እናስምዑ

ፖለቲካዊ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ብ1 ነሃሰ 2019 ኣብ መዕጸዊ ስነስርዓት ናብ ተሳተፍቲ ቀሪቡ። እዚ ፖለቲካዊ ውሳነታ እቲ 35 ዝኣባላቱ ሓድሽ መሪሕነት ምስ ኣሓት ውድባት ብዝከኣል መጠን ኣብ ሓጺር ግዜ ሓድነት ከረጋግጽ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ።

እቲ ብኣቦመንበር ሰክረታርያ ጉባአ ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ዝተነበ  ናይቲ ሓድነታዊ ጉባአ ፖለቲካዊ ውሳነታት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ዘሕዝን ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝረአ ዘሎ ስግኣት፡ ህጹጽነት ሓድነት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ቅልውላው ስደትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣትን ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ካብቶም ዝተደህሰሱ እዮም። ብዘይካዚ ጉባአ፡ ኣብ ዘካየዶ ምዉቕን ፍሉይን ምይይጥ ነቶም ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብጽኑዕ ዝኣምኑ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ወገናት ንኢዱ፡ እቶም ካለኦት እውን ነዚ ኣብነትዚ ክስዕቡን ህልውና ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ክቕበሉን ጸዊዑ።

ናይዚ ዝሰመረ ሰዲህኤ ኣቦመንበራት ዝጸንሑ ብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን ኣብ መዕጸዊ እቲ ጉባአ ቃል ኣስሚዖም።ንሳቶም ኣብቲ ቃሎም ኩለን ኣሓት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ንንኡስ ፍልልያትን ጸገማትን ገዲፈን፡ ነቲ ጭካን ምልካዊ ስርዓት ንምውጋድን ንምትካኡን ዘኽእል ዘተኣማምን ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፈጥራ ኣትሪሮም ጸዊዖም።

Call 2ብርሃነ ደበሱ፡ ኣቤል ሃይለን ክብረኣብ ምስግናን ኣብ ስነስርዓት መዕጸዊ ጉባአ

ኣቤል ሃይለን ክብረኣብ ምስግናን፡ ብቕደም ሰዓብ፡ ወከልቲ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)ን ናይቲ 4ተ ውድባት ዝኣባላቱ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ሃግኤ)ን እውን ካብቶም ኣብቲ መዕጸዊ ጉባአ ቃል ዘስምዑ ነይሮም። ንሳቶም ብዓወት እቲ ጉባአ “እንኳዕ ደስ በለኩም” ድሕሪ ምባል፡ ውድባቶም ምስ ሰዲህኤ ጀሚረነኦ ዘለዋ ምይይጥ ብምቕጻል ነቲ ደንጉዩ ዘሎ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ከም ዘተግብረኦ ዳግማይ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም።

Call 3ከፊላዊ ኣባላት ናይቲ ሓድሽ መሪሕነት ዘርኢ መዘከርታ ስእሊ

ጉባአ ካብ ረቡዕ ናብ ሓሙስ 1 ነሃሰ 2019 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ዝኣባላቱ መሪሕነት መሪጹ። እዚ ሓድሽ መሪሕነት መንእሰይ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ወሲኽካ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ኣለወኦ። ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ኣብ ጀርመን ክሳተፉ ዘይከኣሉ ኣባላት ጉባአ፡ ነዚ ብዝምልከት ብዝወጸ መደብ መሰረት ኣቐዲሞም ኣድሚጾም እዮም። ኣብዚ ስእሊ ዘይረኣዩ ካብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ እስራኤልን ሳዑዲ ዓረብያን ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት’ውን ኣለዉ።

Last modified on Saturday, 03 August 2019 06:39