ካልኣይ ማዓልቲ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ

2019-07-31 04:53:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2893 times

ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን  ኣብ ካልኣይ ማዓልቲ ውዕልኡ፡ በቲ ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ተዳልዩ ኣብ መላእ ኣባላት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተዘርጊሑ ኣገዳሲ ልዝብን ዝርርብን ዝተኻየደሉን ጠቐምቲ ሓሳባት ዘታኣተወን ንዲፍ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝሰመረ ሰልፊ፡ እዋናዊ መሳርሕን ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግዲፍ እውን፡ ብኩሉ መዳያት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክኮንዎ ኣለዎም ዝብሎ ናይ መጻእ መሪሕ መደባት ሰልፍን ዝጠመተ ብምዃኑ፡ ዝተርፍ ነገራት ንኸይርከብ ብድቀት ኣብ ምጽራይን ሓሳባት ኣብ ምጽራይን እዩ ውዒሉ።condelonce

ጉባኤ ኣብ ክሊ ዕማማቱ፣ ነቲ ኣብ ዕለት 29 ሓምለ 2019 ኣብ ፍራንክፎርት ቀንዲ መዓርፎ ባቡራት ብሰንኪ’ቲ ሓደ ኤርትራዊ  ተቐማጢ ሃገረ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኡ ህጻን ዝፈጸሞ ኣሕዛኒ ቅትለት፡ ብደረጃ ከተማ ፍራንክፎርት ዝተዳለወ ናይ ሓዘን ሰዓት መጸዋዕታ  ምህላዉ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ጉባኤኛ በቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ ናይ ሕልና ዝኽረ ጸሎት ፈጺሙ፡ ናብ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ፍራንክፎርት ዘቅነዐ መግለጺ ሓዘን እውን ብስም ጉባኤኛታት ኣማሓላሊፉ።

Voting 1

ጉባኤ ዕማማቱ ብምቅጻል፣ ንዝቐረበ ንድፊ መደብ ዕዮ ዝውሰኽ ወሲኹ ብምጽፋፍ ናይ መጻኢ ኣርባዕተ ዓመትታት ዝምራሓሉን ኣብ መጻኢ ሰልፊ ዝጽዕተሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

Vote 2

ሰክረታርያ ጉባኤ ኣብ ድምጺ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ

Last modified on Wednesday, 31 July 2019 07:01