ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ብዝሓደሮ ናይ ልቢ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብ15 ሚያዝያ 2018 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ተሰዊኡ።
ስውእ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ብ1960 ዓ.ም ኢዩ ተወሊዱ። ብ1976 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ ድማ፡ ኣብ ጋሽ ከም ካድር ፖለቲካ ኰይኑ ኣብ ህዝባዊ መዳያት ዓቢ ሃገራዊ ተራ ዘበርከተ ተቓላሳይ ኢዩ።
ስውእ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ክሳብ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ዝፍልየና ንሃገራዊ ጕዳያት ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ተሓኤ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተቓሊሱ።
ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ እናድመጸ እንከሎ
ስዉእ መሓመድ ኣሰሎ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኰይኑ፡ ልዕሊ ሰለስተ ቋንቋታት ኤርትራ ዝጽሕፍን ዝዛረብን፡ ዕጉስ፡ ምቅሉል፡ ብህዝቢ ይኹን ብተጋደልቲ ፍትው ኢዩ ነይሩ። ነብስሄር፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ መንእሰያትን ኢዩ።
ስውእ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ (ጸጋም) ምስ ተጋዳላይ ተኽለ መለኪን (የማን)
መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ንቤተሰቡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንስዉእ መንግሰተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓትን ራሕስን የውርደሎም እናበለኩ ብስም መሪሕነትን መሰራታትን ሰዲህኤ ተኻፈልቲ ናይ’ዚ መሪር ሓዘን ምዃና ክገልጽ እፈቱ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
16 ሚያዝያ 2018