ፈስቲቫል 2016 ፍራንክፎርትን ምድላዋቱን

2016-07-25 21:07:33 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ Published in EPDP News Read 4300 times

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣብ ዕለት 22.07.2016  ኣብዝገበሮ ኣኼባ፣ "ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡ ብሓባራዊ ቃልስና"! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብ ምድላው ዘሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2016፡ መደባቱ  ኣብ ምውዳብን ምሕንጽጽን ኣሰላሲልዎ ዘሎ ዕማማት መዚኑ። ኣብቲ ኣኼባ ምስንዳእ መስርሕ ፈስቲቫልን ተሳትፎ ዕዱማት ኣጋይሽን መደብ መንእሰያትን ብሰፊሕ ዘትዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ካብቲ ዝሓለፈ ፈስቲቫላት ፍሉይ ዝገብሮ መለለይታት ድማ፡ ብቐዳምነት መቓልሕ ናይቲ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽዋዕ ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምሁራት ኤርትራውያንን ዘካይድዎ ሓባራዊ ልዝብ ዝስማዓሉ መድረክ ምዃኑ እዩ። ካልኣይ ድማ፡ ኣቦ-መንበር ኣድሆ ኮሚተ/ ሽማግለ ናይሮቢ፡ ንመስርሕ ኩሉ ሓቆፍ ካልኣይ ልዝብን በጺሕዎ ዘሎ ጉዕዞን ምስ ተሳታፊ ህዝቢ ተራኺቡ ዝዝትየሉን ርእይቶ ህዝቢ ዝሰምዓሉን መድረኽ ስለዝኸውን እዩ።

ቀጺሉ ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ዝተባህሉ ኣባል ማሕበራዊ ሰልፊ ሽወደንን ኣቦ-መንበር ማሕበር ሰላም ሽወደንን ውሕስነት ዲሞክራሲ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብን ልዝብን ዝረጋገጽ እምበር፡ ብኣህጉራዊ ወታሃደራዊ ምትእስሳርን ምትእትታውን ክመጽእ ዝኻኣል ዘላቂ ሰላምን ምርግጋእን ከምዘየለ ዘመልክት መጽናዕቲ ሰፊሕን ጠቓምን ኣስተምህሮ ዘቕርብሉ መጋባእያ ክኸውን እዩ። ብዘይካዚ ምትእስሳር መንእሰያት ሰዲህኤ፡ መንእሰያትን ዓበይትን ኣንጻር ህግዲፍ ኣብዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብሓደ ንኸይንስጉሙ ዘጸግም ዘሎ ፍልልያት ንኽነጻብብ፣ እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ፣ ዝብል መበገሲ ዝገበረ መደባት ሰሪዑ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ መጠረስታ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ዘሰላሰሎም ዕማማት ድሕሪ ምምዛን፣ ኣብዚ ዝስዕብ ግዝያት ከካትቶም ዘልዎ ዕማማት ተሊሙ፡  ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2016 ካብ ዝሓለፈ ፈስቲቫላት ንላዕሊ ብዝበለጸ ኣገባብ ክስራዕን፡ መጋባእያ ዝተፈላለየ ዝምባለታትን፡ ሓሳባትን፡ እምነታትን ናይ ዘለዎም ዜጋታት ክኸውን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ብምርግጋጽ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡

ብሓባራዊ ቃልስና!

   

                                                                                                                                                                      

Last modified on Monday, 25 July 2016 23:15