ገለ ሱዳናዊ ወግናት ኣብ ናይሮቢ፡ ጸረ-ውግእ ስምምዕ ከቲሞም
2025-12-17 11:50:35 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 336 timesሱዳናዊ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብዓብደላ ዋሂድ ኣልኑር ዝምራሕ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን፡ ብ16 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ውግእ ኣብ ምቁራጽን ሱዳን ዳግማይ ኣብ ምህናጽን ይሕግዝዩ ኣብ ዝበልዎ መትከላት ዘተኮረ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ነቲ ርክብ ዝወደቡ ኣካላት ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።
እቲ “ መትከላት ንምህናጽ ሓዳስ ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝፈረምሉ ሰነድ፡ ምስቲ ብፍላይ ብሰልፊ ሃገራዊ ጉባአን ዘቕረበን ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ዝጻረርን ውሳነ ሓሳብ ዝሰማማዕ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። ነቲ ስምምዕ ዝኸተሙ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ፈደራላዊ ምትእኽካብ፡ ዓረባዊ ማሕበራዊ ሰልፊ በዕስ፡ ሰልፊ ሃገራዊ ኡማ፡ ሱዳን ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ፡ እዋናዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ፡ ምሕዝነት ሱዳንን ሪፐብሊካዊ ሰልፍን ምዃኖም ከኣ ሱዳን ትሪቡን ብተወሳኺ ኣስፊራ።
ብዘይካዚ ኣተሓባባሪ ዝተመዛበሉ ወገናትን ስደተኛታትን፡ ማሕበር ባር ዳርፎር፡ ምሕዝነት ሲቪላውያን ምብራቕ ሱዳንን ምትሕብባር ክኢላታትን ነጋዶን እውን ኣካል ናይቲ ምፍራም ምዃኖም ተጠቒሱ። ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶር ዓብደላ ሓምዶክን ጋዜጠኛ ኣልሓጅን ከኣ ነቲ ሰነድ ካብ ዘጽደቑ ፍሉጣት ባእታታት እዮም።
ካብ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ፡ ምድጋፍ ልኡላውነትን ሓድነትን ሱዳን፡ ውግእ ከም መፍትሒ ምንጻግ፡ ብውሕዱ ከም ናይ መጀመርያ ደረጃ ስጉምቲ ምስ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝተተሓሓዘ ውግእ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምቁራጽ፡ ምህናጽ መንግስታዊ ትካላትን ዝኣመሰሉን ነጥብታት ይርከብዎ።
ኣብዚ ሱዳናውያን ኣብ ሃገሮም ሰላም ንምምጻእ ዝጽዕርሉ ዘለዉ ግዜ፡ ብሓፈሻ ብዙሓት ወገናት ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝርከብዎ ኣካል ፍታሕ ንምምጻእ ይጽዕቱ ከም ዘለዉ ዝዝከር እዩ።