መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዶም
2025-12-09 16:31:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 310 timesቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7 ታሕሳት 2025 ኣኼባ ከም ዘካየደ ካብቲ ቤት ዝሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ መኸፈቲ እቲ ኣኼባ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ሓላፊ መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳን ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ምስ መንእሰያት፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ተራኺቡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሉላውነት ሃገርን ሓለዋኡን ንምዝርራብ ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ከም ዘካየደን ኣብ መጻኢ እውን ክቕጽሎ ምዃኑን ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ ኣብ 2025 ዝጀመሮም መደባት ኣብ 2026 እውን ከም ዝቕጽሎምን ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ብምርኻብ ጻዕሩ ንክቕጽል ድልዊ ምህላዉ ኣብሪሁ።
ኣብቲ ኣብ ቀጻሊ ዝገበር ጻዕሪ ምዕቃብ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ከይተወደቡ ኣማዕድዮም ዝዕዘቡ ዘለዉ መንእሰያት ከም ዝውደቡ ምግባርን፡ ምኽባር ሃገራውን ህዝባውን በዓላትን ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃቦም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ 2026 መዓልቲ ናጽነት ናይ ምኽባር መደብ ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ኣብ መጻኢ ብዘለዎም ዓቕሚ፡ ብመንጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መትከላትን ሰልፎም ህዝብን ሃገርን ዝማእከሉ ቃልሲ ከካይዱ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቃልሲ ብሪገድ ንሓመዱ ዝረአ ዘሎ ምዕብልናታት፡ ሃገራውን ህዝባውን ቀይሕ መስመር ጥሒሱ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከየውድቕ፡ብትሪ ኣተሓሳሲቦም ክብል እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።