ርክብ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ እማመ ሱዕድያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ተቐቢሉ
2025-12-05 13:08:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 594 timesናይቲ ርክብ ተሳተፍቲ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ
ኣብ ዋና ከተማ ባህረን ማናማ ብ3 ታሕሳስ 2025 ዝተጋበአ፡ መበል 46 ርክብ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ኣብ ሱዳን ተፈጥሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሰላም ብሳዑድ ዓረብያን ኣሚሪካንንዝቐረብ መፍትሒ እማመ ብልቢ ከም ዝቕበል ኣብ መፈጸምታ ርክቡ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝለዓለ ርክብ ወሽመጥ፡ ሳዑዳዊ ልኡል ብሱዳናውያን ዝምራሕ ናይታ ሃገር ሓድነትን ጸጥታን ዘውሕስ ንዝበሎ እማመ ብትሪ ክድገፍ ዝግበኦ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ መግለጺ ንሱዳን ኣብ ዝምልከት ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦም ነጥብታት፡ ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ድሕነት ሲቪል ዜጋታት ምርግጋጽን ብዘይገደብ ናብቶም ጽጉማት ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ምፍጣርን ምዃኖም ኣብቲ መግልጺ ተጠቒሱ። እቶም መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ልኡል ሳዑዲ ዓረብያ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ጉዳይ ሱዳን ኣጀንዳኡ ገይሩ ብምንቅስቓሱ ኣመስጊነምዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሳዑዲ፡ ኤመረትን ግብጽን ኮይኖም ክሰርሕ ቅሩብነት ብምርኣዩ ኣብቲ ርክብ ተመስጊኑ።
እቶም መራሕቲ ንሰላም ሱዳን ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ንዝተገብሩ ተበግሶታት ኣመጒሶም፡ ብኣባል ሃገራት ወሽጥ ናብ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ክካየድ ንዝጸንሐ ረዲአት ንኢዶም ንክቕጽል ጸዊዖም። እቲ ርክብ ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ሱዳን ዝግበር ዝኾነ ተበግሶ፡ ነጻን ሲቪላውን መንግስቲ ክምስረትን ሕሉፋትን ገበነኛታት ውግእን ዘየሳትፍ ዝኸውን ኣብ ምግባር ጻዕሪ ንክግበር ጸዊዑ።
ኣብቲ ርክብ እቶም ተሳተፍቲ መራሕቲ ብዘይካ ጉዳይ ሱዳን፡ ብዛዕባ ሕብረትን ሓባራዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኣብ ሕድሕዶምን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምስ ናይ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ዝተተሓሓዘ ዛዕባታት ከም ዝተዘራረቡ ተሓቢሩ።
ነቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብተዓዛብነት ዝተሳተፈትሉ ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ዝመርሖ ንጉስ ባህረን ሓምድ ቢን ዒሳ ኮይኑ መጻኢ መበል 47 ርክብ ድማ ኣብ ሱዕድ ዓረቢያ ከም ዝጋባእ ኣብቲ መግለጺ ተገሊጹ።