ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ወጥሪ ተፈጢሩ

2025-11-25 08:58:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 28 times

ዶባዊት ከተማ ሞያለ

ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብምጥቃስ ዳውን ኣፍሪካ (DAWN AFRICA) ብዝተባህለት ማዕከን ዜና ዝተዘግሐ ዜና፡ ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ብወገን ሞያለ ናብ ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ከባብያዊ ኣመሓደርቲ ቀቲሎም ዜጋታት ከም ዝኣሰሩ ተሓቢሩ። ብመሰረት ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ሓበሬታ እቲ ጸገም ሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዓሚቕ ውልቃውን ፖለቲካውን ምትፍናን ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ’ዩ እውን ተባሂሉ።  ኣብቲ ህውከት ዝተሳተፉ ኬንያውያን ነበርቲ ቶኣ ጃንጊሊ ብዝተባህለ ከባቢ እናተሓገዙ ምዃኖም ከኣ ተጠቒሱ።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ22 ሕዳር 2025 ዶብ ጥሒሱ ናብ ኬንያ ኣስታት 2 ኪሎሜተር ብምእታው ንሓጺር ግዜ ምንቅስቓስ መደብር ፖሊስ ከተማ ሞያለ ኬንያ ጠጠው ኣቢሎም ከም ዝነበሩ ተገሊጹ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ተግባር ብወገን ኬንያ ግብረ መልሲ ንክወሃብ ከም ዘገደደ እውን ብኬንያውያን ተጠቒሱ።

ናይ ሓለዋ ዶብ ኣሃዱታት ኣብቲ ጉዳይ ከም ዝተሳተፋን ንክልተ ሰዓታት ዝኣክል ዝጸንሐ ሓያል ተኹሲ ከም ዝተኻየደን ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ኩነታት ስሩዕ ሰራዊት ኬንያ እውን ንክሳተፎ ከም ዘገደደን  ናይታ ሃገር  ሓይልታት ጸጥታ ብሓባር ነቲ ናብ ሃገሮም ኣትዩ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ደፊኦም ከውጽእዎ ከም ዝኸኣሉን እቲ ዜና ሓቢሩ።በቲ  ውግእ ጉዳኣት ኣጋጢሙ ዝብል ሓበሬታ ብክልቲኡ ወገን ኣይተዋህበን።

ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ስርሒት ዝከታተል ዝነበረ ኣብዱብ ዋሪዮ ዝተባህለ ኣዛዚ መሊሽእ ተቐቲሉ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ ዝበለ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ፡ እቲ ኩነታት ኣብዚ ደረጃ በጺሑ ክነከሱ ብክልቲኡ መንግስታት  ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያን ነበርቲ እቲ ከባብን ከኣ ኣብ ከተማ ሞያለ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰራዊት ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ይርከብ ስለ ዘሎ  ሓያል ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም። ከተማ ሞያለ ካብ ኣዲስ ኣበባ 762 ካብ ናይሮቢ ድማ 770.4 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዶባዊት ከተማ እያ።

Last modified on Tuesday, 25 November 2025 10:05