ዜናዊ ጸብጻብ፡ ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
2025-06-23 05:51:31 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1078 timesፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ21ሰነ 2025 ምዱብ ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ዝፍጠር ዘሎ ስግኣታትን ከምኡ እውን ብደረጃ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዑ።
ብምቕጻል ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ሰሪዑ፡ ኣብ “ምምይያጥ ጸብጻባት ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ” ኣትዩ፡ ግቡእ ሚዛናት ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእ’ዩ ሓያላትን ድኹማትን ጐድንታት ዳህሲሱ። ኣብ ሚዛኑ፡ ኣብ ዜናዊ ስረሓት ሰልፊ ኣብ ቋንቋ ዓረብ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ሕጽረት ንምምላእ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ወሲኽካ ይረአ ንዘሎ ንጥፈታት ንኢዱን ኣተባቢዑን፡ እቲ መደባት ብስፍሓት ናብ ህዝብና ዝበጽሓሉ ሜላታት’ውን ዳህሲሱ።
ብዘይካዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝረኣዩ ዘለዉ ኣውንታታት ክቕጽል ኣተባቢዑ፡ ዝረኣዩ ድኽመታት ዝእረምሉ ኣንፈታት ከኣ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ዘርእርይዎ ዘለዉ ትግሃት ኣመጒሱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ሃገርና፡ ጐረባብትናን ዞባናን ዝረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ ምዕባለታት ግዜ ሂቡ ብሰፊሑ ኣብ ዝዳህሰሰሉ ከኣ፡ እዞም ዝስዕቡ ሚዝናት ኣንቢሩ።
1) መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡“ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ብዝብል ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ የለዓዕል ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብዚ ተግባሩ ንክቑጠብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ልኡላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ከይገሃሱ’ውን ኣጥቢቑ ኣዘኻኺሩ።
2) እቲ ድሕሪ ምኽታሙ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ኣኸቲሉ፡ መተሃላለኽን መፈላለይን ኮይኑ ዘሎ ውዕል ፕሪቶርያ ምፍራሱ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ዘይተደልየ ህልቂትን ብርሰትን ክወስድ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩሎም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ውዕል ምእዙዛት ኮይኖም ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ ጸዊዑ።
3) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣገዳስነት ሰላማውን ልምዓታውን ዝምድና ህዝብታት ብምርዳእን፡ ነቲ “ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል ኣብ 4ይ ጉባአ ኣብ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከል ምርኩስ ብምግባር፡ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ምስቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥቡቕ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝ ዝምድና ክህሉ ከም ዘተባብዕ ደጊሙ መዚኑ።
እዚ ዝምድናኡ ኣድማዒ ንክኸውን ብተሳትፎኡን ኣፍልጦኡን ዝተደኮነ፡ ትካላዊ መልክዕ ዝሓዘን ብጸቢብ ድሌት ውሱናት ጉጅለታት ዘይጭወን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ።
4) ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለምናን ዞባናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፍጠር ኣብ ዘሎ ምትፍናን፡ ዝምልከቶም ናይ ቀረባ ይኹኑ ናይ ርሑቕ ሓይልታት፡ ኣብ ክንዲ ኢዶም ኣእትዮም ብዝኾነ መልክዕ ነቲ ወጥሪ ዘጋድዱ፡ ብውግእ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ዝፍተሓሉ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ ክሕግዙ ጸዊዑ።
5) ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ኩሉ ዝከኣለን ዘበለ ንክገብራ ሰብኣዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
6) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ዘሎ ንልዕሊ 2ተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ብምድህሳስ፡ ተነሓናሕቲ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም ሓይሊ ኣሕሊፎም ብዘይምሃብ ባዕላቶም ክፈትሕዎ ጸዊዑ።
7) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ይስጉም ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ነዚ ኣብ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብዝምጥን ንክስጉም ዘለዎ ትጽቢት ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲዚ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ዝስማዕ ድምጺ ንምፍጣር ዘኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምውናን ስጉምቱ ንከቀላጥፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ከካይድዎ ዝጸንሑ፡ ዘይሕለል ቃልሲ ደጊሙ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ መጸዋዕታኡ ብምቕራብ ተዛዚሙ።