ሱዳን ስደተኛታትን ወጽእተኛታትን ናብ መደበራት ምውሳድ ጀሚራ

2025-05-31 09:55:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 344 times

ካብቶም  ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ካብ ካርቱም  ናብ መደበራት ዝውሰዱ

ላዕለዎት ሰብ መዚ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ዘለዉ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ናብ ሰለስተ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ዝርከባ ምምሕዳራት ክወስዱ ከም ዝጀመሩ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እቶም ላዕልዎት ሓለፍቲ ነቲ ስጉምቲ ናይ ሱዳን ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበልዎ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ስጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ፍሉይ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ኮይኖም ኣንጻርቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ኮይኖም ዝተዋግኡ፡ ኢትዮጵያውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ንምፍላጥ ክካየድ ዝጸንሐ ምጽራይ እዩ። ኣማሓዳሪ ከተማ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ብወገኑ መንግስቱ ናይቲ መስርሕ ቀዳማይ ገጽ ምትግባር ከም ዝጀመረን ኣብ ምምሕዳራት “ዋይት ናይል፡ ገዳርፍን ከሰላን” ናብ ዝርከብ መደበራት ይውሰዱ ከም ዘሎን ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ ቀዳማይ ደረጃ ምግዓዝ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝርከቡ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ቅድሚ ኣብ ሱዳን እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምጅማሩ እቲ መንግስቲ ነቶም ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ሕግታት ብግቡእ የተግብር ከም ዘይነበረ ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ።  በመሰረትቲ ኣብ ዝሐልፈ ወርሒ ማዝያ ዝተሓደሰ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጠቕላላ 824 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዘለዉን ካብዚኣቶም እቶም 69% ኣብ መደበራት ከም ዝነብሩን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

እቲ ዜና ብተወሳኺ፡ እቲ ስጉምቲ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ወጻእተኛታት ዝውሰድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ መደበራት ምስ በጽሑ፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምትሕብባር መሰረታዊ ቀረባት ክማለኣሎም ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣባላት ጸጥታ ከተማ ካርቱም ወጻእተኛታት እናሃደንካ ናይ ምሓዝ ስረሖም ከም ዝቕጽልዎ’ውን ተገሊጹ።

ኣልሳዲቕ ሱለይማና ዝተባህለ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኮሚሽነር ሰደተኛታት ብወገኑ እቲ ሓድሽ መደብ ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ካርቱምን  ማሕበራዊ ጉዳይ ስድራቤታትን ህጽናትን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብቲ መደበራት ንመግቢ፡ መጽለልን ጥዕናን ናይቶም ዝውሰዱ ዝምልከት ምድላው ከም ዝተገብረ ኣፍሊጡ።

Last modified on Saturday, 31 May 2025 12:04