ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ መስርሕ መንግስታዊ ውሳነ ክሳተፋ ሓቲተን
2025-05-09 18:30:51 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 336 timesብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበላ ደቡብ ሱዳናውያን
ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ፡ ናብ ዝኸፈአ ከይሰጋገር ዘስግእ ግርጭታት ዝምልከት ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ግደ ንክህልወን፡ ኣብ መስርሕ መንግስትዊ ውሳነ ተሳተፎ ንክህልወን ከም ዝሓተታ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ናይታ ሃገር ኣባል ሓጋጊ ኣካል ዝኾነት ቪኪ ኒያኑት ማዊየን ከም ዝገለጸቶ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተመጣጠነ ተሳትፎ ኣደዳ ዝተፈላለዩ ግዳያት ንክኾና የድደን ኣሎ ኢላ። እቲ ተንጽሎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መስርሕ ውሳነ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ውግእ በይኖም መደባት ክሕንጽጹ ከም ዘኽእሎም’ውን ጠቒሳ። ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን ውግኣት ብሰንኪ ዘይተገዳስነት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝለዓሉ ስለ ዝኣምና፡ ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ይቃለሳ ከም ዘለዋ’ውን እታ ኣባል ሓጋጊ ኣካል ገሊጻ። ኣተሓሒዛ ድማ ደቂ ኣንስትዮ መዳያት ሕግን ፖሊሲን ኣፈጻጽማኦም ከምቲ ዝደልየኦ ንክኾነለን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ውሳነ ንክሳተፋ ጸዊዓ።
እዚ መጸዋዕታ ዝቐረበ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ሰራዊት ህዝባዊ ምክልኻል ዝበሃል ሓይልን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ዝተባህለ ዑጡቕ ኣካልን ወጥሪ ይዛይድ ኣብ ዘለሉ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ነጠፍቲ ፖለቲካ ናይታ ሃገር ብወገኖም ኣብ ከምዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ህጻናት ሒዘን ውሑስ መዕቆቢ ንምርካብ ከም ዝንገላተዓ ሓቢሮም። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሰምን መከራን ንምውጻእ ከኣ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ ኣህጉር ከይተረፈ ምእንቲ ኩለመዳያዊ ተሳትፎአን መሰልን ክንቀሳቐኣቅ ከም ዝግደዳ ተሓቢሮም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሕክምናዊ ዳይረክተር ናይታ ሃገር ዶር ፓል ቾይ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ኒልን ካልኦት ከባብታትን ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኮኒኑ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ዘይፈልጥዎ ኣደዳ በደል ይኾኑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ። ቀጺሉ ከኣ ስለምንታይ እዮም እቶም ወተሃደራት ኣብ ክንዲ ዝተዓጥቀ ጸላኢኦም ንሲቪል ዒላማ ዝገብሩ? ክብል ከም ዝሓተተ እቲ ዜና ጠቒሱ።