ንሰነዳቱ’ውን ዘይምእዘዝ ጉጅለ

2024-12-26 19:42:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 336 times

ካብ ጠባያት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ፡ ኣብ ዝኣተዎ ቃል ዘይምምእዛዝ እዩ። እዚ በቲ መራሒኡ በብግዜኡ  ዝብሎን፡ ብግብሪ ዝኸዶ ዘይራኸብ  ምዃኑን ክምዘን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዘጽድቖ ሰነዳቱ ዝጸንሖን ዘለዎን ዘይርጡብ ኣተገባብራ መረጋገጺ እዩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ፡ ሳልሳይን ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝተሰጋገረሉን ጉባአ ዘጽደቖ ቻርተር እንተ ዳህሲስካ፡ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት መለለያኡ ብምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዝኣትዎ ስኑድ ቃል ኣርሒቑ ከም ዘሎ ምርዳእ ኣየጸግምን’ዩ።

ኣብቲ ቻርተር ንትካላዊ ኣሰራርሓ ብዝምልከት፡ “እቲ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባት፡ ተሓታትነት (acountablity)፡ ግሉጽነት (transparency)፡ ብዙሕነትን (pluralism)፡ ምጽውዋርን (tolorance) ዝተመስረተ፡ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። እዞም ኣብቲ 48 ገጻት፡ ብዙሓት ምዕራፋትን ክፍልታትን ዘለዎ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝጸደቐ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ተበሃግቲ ኣምራት፡ ሎሚ ኣብ ህግደፍዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ሃሰስ ኢልካ ኣሰሮም ኣይርከብን። ብመሰረቱ እውን ኩሉ ትካላት ፈሪሱ፡ ኣብቲ ትካላት ዝዋስኡ ዝነበሩ ባእታታት ከኣ፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ሞት ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት በዂሮም ኢሳያስን ውሑዳት ኣሰነይቱን ጥራይ  ኣብ ዝተረፈሉ፡  ትካል፡ ትካልውነትን ተሓታትነትን ከም ቃል’ውን  ዝለዓልሉ ኣይኮኑን።

እቲ ቻርተር ዘስፈሮ ካልእ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ፡ እቲ ቃልስን ጻዕርን ብቐንዱ ድሕሪ ናጽነት ዝጅምር፡ ንሕና እቶም ናጽነት ዘምጻእና ወለዶታት፡ ሰረታት ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ከነረክብ ሓላፍነት ተረኪብና ኣለና። ዘለናዮ መድረኽ ምስግጋር፡ ኣብ ግዜ ታሪኻዊ ዕድልን ብደሆን እዩ።” ይብል። ኣብዚ ዓበይቲ  ዘይተተግበሩ፡ እንተዝትግበሩ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ከለምልሙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሓረጋት ተጠቒሶም ኣለዉ። ብግብሪ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን። ዝሰፈሐ ዕቤትሲ  ይትረፍ፡ ግቡእ ዝርጋሐ መብራህትን ታራ ናይ ኢንተርነት መስመርን ናይ ምርካብ ዕድል’ኳ የለን። ደሓር ርሑቕ ከይከድካ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ሕብሪ ዘይተገላገሉ  ህንጻታት ከተማ ኣስመራ መስከርቲ እዮም።  እዚ ቻርተር ካብ ዝጸሓፍ ድሕሪ 30 ዓመታት እውን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርስ ይትረፍ፡ ንይምሰል’ውን ካብ ኢሳያስ ናብ ኢሳያስ ዘሰጋግር ምርጫ ኣይተፈተነን። ንመጻኢ’ውን ኣብ ህላወ ህግደፍ ከም ዝሰጋገር ምልክታት የለን።  በዚ ከኣ ኤርትራ “ንዝነወሐ ዓመታት  ብግዝያዊ መንግስቲ ዝተመርሐት ሃገር” ኣብ እትበሃለሉ ደረጃ እያ ዘላ።

ቻርተር 1994 ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዘሎ ዘይግበኦ፡“ንዲሞክራሲን ፍትሕን” ዝብል ስም ዝሓዘ ግንባር፣ ራኢታት ኢሉ ካብ ዘስፈሮም ኣብ ቁጽሪ 6፡ “ኤርትራ ምስ ጐረባብታ፡ ብስኒትን ብምትሕብባርን እናነበረት፡ ንዞባውን ዓለማውን ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን ብዓቕማ እተበርክትን እተኽብርን ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክትከውን እያ” ዝብል እውን ካብ ዘስፈሮም’ዩ። ኩሉ ከም ዝርደኦ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ምስ ነፍሲ ወከፍ ንኤርትራ ዘዋስና ሃገራት፡ ብውሕዱ ከክልተ ግዜ ኣብ ውግእ ኣትዩ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ምስ ንኤርትራ ምስ ዘይዳወባ ሃገራት እውን ኣይተሰሓሓበን ማለት ኣይኮነን። ህግደፍ ከምቲ ዝጭረሖ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶ፡ ሰላም፡ ምርድዳእን ምጽውዋርን ዘቐድም ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስ ኩለን ሃገራት ዘካየዶ ውግኣት ብዘተን ሽምግልናን እንተገደደ ከኣ ብፍርዲ ዘይፍታሕ ኣይነበረን።

“መበገስን መዕለብን ዕላማና፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ነገራውን መንፈሳውን ርውየት ኤርትራ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ዓለም እዩ” ከኣ ካልእ ኣብቲ ቻርተር እንረኽቦ ዘይተተግብረ፡ ኣብቲ ንህግደፍ ዘቖመ 3ይ ጉባአ ህግሓኤ ዝተወሰነ እዩ። ነዚ ሰነድ ኣጽዲቑ  “ከተግብሮ እየ” ኢሉ ቃል ዝኣተወ ህግዲፍ እዩ እምበኣር፡ ኣብ ጐኒ ሩሲያ ተጸጊዑ፡ ንወራር ዩክረይን ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ዝደገፈ። ህግደፍሲ ብደረጃ ዓለም ይጽነሓሉ’ሞ ብደረጃ ኤርትራ’ውን ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቀ፡ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ርውየት ህዝቢ ከረጋግጽ ዘይበቐዐ እዩ።

ኣብ ገጽ 42 ናይቲ ኣብ ጉባአ ናቕፋ ዝጸደቐን ተመላኺዑ ዝቐረበን መኻን“ሃገራዊ ቻርተር”“ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ናይ ሰላምን ዘይሻራውነትን እዩ” ዝብል ረዚን ሓሳብ ምስፋሩ፡ ካልእ ነቲ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ተዓዚብካ ዘገርም እዩ። ብዛዕባ ጸረ ሰላምነት ህግደፍ ዝለዓል ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህውከተኛን ጻሕታሪ ኲናትን” ዝብል ቅጽል፡ ንስም ጥራይ ዝተዋህቦ ዘይኮነ፡ ባዕሉ መሪጹ ብግብሪ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ህውከተኛ ባህሪኡ እዩ ከኣ ብእገዳታት ክቕጻዕ ዝጸንሐን ዘሎን። ብዙሕ ንድሕሪት ኬድካ መዛግብቲ ብዘይምግንጻል፡ ህልዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ  ሃገራት ኢድ ኣእቲኻ ምሕማስ መለለይኡ  እዩ። እቶም እናመልመለ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘስርጎም  ዘሎ ጉጅለታት ህያው ምስክር ናይ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ካለኦት እዮም።

“መሪሕነት እኩብ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብእኩብ ክግምግም፡ ክውስንን ክከታተልን ዘኽእሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ግድን እዩ” ዝብል ከኣ ኣብ ገጽ 46 ናይቲ ሰነድ ይንበብ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ሓቢርካ ምምዛንን ምውሳንን ይትረፍ እሞ፡ ንስሙ እውን ትርጉም ዘለዎ መሪሕነታዊ ኣሃዱ ዝበሃል የለን። በዚ እያ ድማ ኤርትራ ካብ ንቡር ወጻኢ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ ገባርን ሓዳግን  ናይ ዝወደቓ ሃገራት ኣብነት ኮይና እትጥቀስ ዘላ።

ጥልመት ህግደፍ ብዘይምትግባር ቻርተር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ነዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ቻርተር ኣብ ግምት ኣእትይዩ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ እውን፡ “ዝሞተ ሰነድ” ኢሉ ጉሒፍዎ’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ምናልባት ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ገለ መራሕቲ ሃገራት፡ ናይቲ ብህዝቢ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዓንቀጻት ኣመሓይሾም ንረብሓኦም ከውዕልዎ ዘይቅቡል’ኳ እንተኾነ ይፍትኑ እዮም። ናይ ኤርትራ ግና ፍሉይ እዩ፡ ምኽንያቱ ጸዲቑ ከብቅዕ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ከይተፈተነ እዩ ናይ ሞቱ መርድእ ንህዝቢ ዝተነግረ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ብኽንድዚ ደረጃ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሰነዳት ተኻሒዱ ከብቅዕ፡ ሎሚኸ ካብቲ ጉጅለ  ሓድሽ ነገር  ይጽበ ዶ ይኸውን?

Last modified on Thursday, 26 December 2024 20:49