ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ከኣ: ጽባሕ ክምስክራ እየን:
2024-12-15 10:34:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 594 timesኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ከባቢና ኮነ ዓለም ዝተፈላለዩ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ለውጥታት ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ለውጥታት ናይ ክብን ለጠቕን ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግን ብቕልጣፈ ዝሕንበብ ዘሎ እዩ። እዚ ቅልጡፍ ለውጥታት ኣብቲ ዘዝተኸስተሉ ኩርነዓት ጥራሕ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጽ ናይ ቀረባን ርሑቕን ተጽዕኖታትን ጽልዋታትን ኣለዎ። እቲ ጽልዋ ብፍላይ ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ዕቤት መራኸቢ ናብ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ዝተለወጠትሉ ዘመን ቅልጡፍን ኣርሒቑ ዝጐዓዝን እዩ።
ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 3ተ ዓመታት ዝኾኖ ኣዕናውን ደማውን ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ዓመቱ ዘሕለፈ ውግእ እስራኤል ኣንጻር ሓማስን ሂዝቡላህን ብቐጥታ፡ ከምኡ ድማ ምስ ኢራን ተፈጢሩ ዘሎ ሓያል ወጥሪ፡ ምርጫ ሓያል ሃገር ኣሜሪካ፡ ደርሓር ድማ ህልዊ ምዕባለ ሲርያ ካብቶም እውናውያን ኣዘራረብትን ጽልወኦም ኣርሒቑ ዝጐዓዝ ኮይኖም ኣለዉ። እዞም ምዕባለታት ጠቕላላ ኣሰላልፋ ሓይልታት ክቕይሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ተረኽቦታት እዮም።
ኣብዚ ቀረባና ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝቕጽል ዘሎ ሕድሕድ ውግኣትን ዘኸትሎ ዘሎ ስደትን ምምዝባላትን ዘሻቕል’ዩ። ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝመስል ዝደኮነኦ “ኪዳን ኣስመራ”፡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ድሕሪ ቃለ መጠይቕ ኢሳያስን ብኢትዮጵያ ኣንጻሩ ዝተዋህበ ግብረ መልስን ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነብርቲ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ዘሎ ምክልባትን ዘቕስን ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ሕምስምስ ኣብ ትግራይን ምርጫ ሶማሊላንድን ናቶም ጸላዊ ብጽሒት ኣለዎም። መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብመንጐኝነት ቱርኪ ፍልልየን ብኢህንምሂን ክፈትሓ ምስምመዕን ናይ ኢሳያስ ጃላነት ዘርኢ ተርእዮ እዩ። እዚ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ፡ ንኢሳያስ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዳግማይ ናይ ውግእ ህርፋኑ ዝኾልፍ ተረኽቦ እዩ።
ናይ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማሊያን ዕጡቓት ሓይልታት ምስራግ፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከም ዘለዎ ከም ዘርኢ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክለዓል ዝጸንሐ እዩ። ከምኡ ድማ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ሓድሽ ኣንጻር’ቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ብልጽግና ዝምድና ክፍጠርዶ ይከኣል?” ዝብል መድረኻዊ መዛረቢ ሕቶ ክኸውን ምጅማሩ ናይቲ ምዕባለታት ምጽልላው፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ጉጅለኡን ሓሊፉ፡ ኣብቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ዘሕድሮ እወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተጽዕኖ’ውን ግቡእ ግምት ክወሃቦ ዝግበኦ እዩ።
ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ዝብድሉን መሰላቱ ግሂሶም ዝረግጹን ዲክታተራት፡ ነቲ ዝፍጽምዎ በደላት ከቢድ ዋጋ ካብ ምኽፋል ከምዘይድሕኑ ኣብ ርእሲ ዝሓለፉ ተመኩሮታት እነሆ ኣብዚ እዋን ኣብ ሲርያ ተጋሂዱ። እዚ ብመንጽር’ቲ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገራት ዓጽዩን መሰላት ህዝቢ ነፊጉን ክዕንድሮ ዝጸንሐን ዘሎን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባና ጽልዋኡ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እቲ ጽልዋኡ “ዲክታተር ኢሳያስን ጉጅለኡን ከም’ቲ ሶርያዊ ቤተሰባዊ ወጻዒ ስርዓት ዕድሚኡ ኣኺሉ፡ በሽር ኣል-ኣሳድን ምምሕዳሩን ክወድቕ ናይ ግድን እዩ” ብዝብል ታራ ኣገላልጻ ጥራይ ዝንገር ኣይኮነን። ናባና ናብቶም ምእንቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ዘለና’ውን ዘመሓላልፎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣለዎ። ወጽዓን ግፍዕን ህዝቢ ሶርያ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ኩሉ ገዲፍካ፡ ኣብ ሲድናያ ዝተባህለን ካለኦትን ኣብያተ ማእሰርቲ ናይታ ሃገር ዘርአ ዘሎ ናይ ግፍዒ ምስክርነት ኣስንባዲ እዩ። እዚ ምስክርነት’ዚ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዒራዒሮን ዓዲ ኣብየቶን ካለኦት ኣብያተ-ማእሰርትን ከም ዝደግመኦ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሎሚ ሱርያውን ኣስማት ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተረሸኑን ዝተሓንቁን ቤተሰቦም ክንገሮም ተሰሪዖም ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ሎሚ ተሓቢኡ ዘሎ ድምጺ ኤርትራውያን ግዳያት ከኣ ጽባሕ ክስማዕን ክረኣን እዩ።
ዲክታተራት “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብዝብል ፖሊሲ ዝምርሑ ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ዝፈጠርዎ በደል ብምውዳቖም ጥራይ ዝውገድ ዘይኮነ፡ ምስተወገዱ ዝገድፍዎ “ሕማም ደሓር” እውን ኣሎ። ኣብ ሱርያ ድሮ ናይዚ ሕማም ደሓር ምልክታት ይረአ’ሎ። ናይ ኢስራኤል ኣብ ገለ ከባብን ትካላትን ሱርያ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ናይቲ ሕማም ደሓር መርኣያ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ናይቲ ኣብ ዓለም ተበቲኑ ዝጸንሐ ኣስታት 14 ሚልዮን ሱርያዊ ስደተኛ ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስ ዕልቕልቕን ዘድልዮ ቀረብን መጽለልን ካልእ በዳሂ መርኣያ እዩ። “እቶም ለውጢ ዘምጽኡ ኣካላትከ ክሳብ ክንደይ ኣሳንዮም ሃገር ክመርሑ እዮም?” ዝብል ድማ፡ ምስ በሽር ኣል-ኣሳድ ሓቢረን ዝተሳዕራ ሃገራት ብዙሓት ምስ ምዃነን ዘሰክፍ እዩ።
ናይዚ ስኽፍታ መሰረታዊ መፍትሒ እምበኣር፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ዲክታተራት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ብዛዕባቲ ድሕሪኡ ዝኽሰት ምዕባለ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ “ ዲክታተር ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ድሕሪኡስ ሽዑ ነርክበሉ” ካብ ዝብል ኣንዊሑ ዘይጥምት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ምውጻእ እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ቀዳምነት ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ምዃኑ ዘየዳዲ ኮይኑ፡ ግን ድማ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ብኸመይን ናበይን?” ናይ ዝብሉ ሕቶታት ዕቱብ መልሲ ምርካብ ካብቲ ምውዳቕ እቲ ዲክታተርን ምምሕዳሩን ፈሊኻ ዝረአ ዋኒን ኣይኮነን። ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ እዩ ከኣ “ቀዳምነታትና ሰሪዕና፡ ፍልልያትና መልክዕ ኣትሒዝና፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና ብሓባር እንቃለሰሉ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት” ዘይስገር ዝኸውን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ኣካላት ለውጥን ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ዝጽዕትሉ ዘልዉ ተደላይን ዘይስገርን ዝኸውን እምበኣር ብመንጽር’ዚ ስለ ዝቃነ እዩ።
ስለዚ ቀዳምነት ቃልስና ነቲ ዘይተርፍ ምውጋድ ዲክታተር ምቅልጣፍ ምዃኑ ኣሚንና ንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ምስኡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱ ክትኮነልና ንብህጎ፡ ብምውጋዱ ጥራይ ስለ ዘይረጋገጽ፡ ንድሕሪ ውድቀት ዝምጥን ኩለ-መዳያዊ ምድላው ከም ዘድልየና ኣይንዘንግዕ። እዚ ድሉውነት ብሓደ ውሱን ኣካል ናይቲ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ንእመን። ናይ ኩልና እቶም ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ተሰኪምና ዘለና ምዃኑ ከኣ ንገንዘብ። ነዚ ተገንዚብና ድማ ብሓባር ክንስጉም ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ምህላውና ንረዳእ።