ኤርትራ፡ 32 ዓመታት ድሕሪ ናጻ ካብ መግዛእቲ፡

2023-05-23 17:11:51 Written by  ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 672 times

 24 ጉንበት ቅድሚ 32 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእትነት  ናጻ ዝወጸትላ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡  ናይ ዮሃና መልእኽትና ነቐድም።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ምርግጋጽ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ ከም ዝዕወት ትስፉው ነይሩ። ኣብ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991ን ብ30 ዓመታት ዝረሓሓቓ ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ብምብሳር ሰውራ፡ እታ ካለኣይቲ ከኣ ናጽነት ኤርትራ ብምርካብ። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ዕለታት፡ ዝሓለፈ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድን  ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትበጽሕ ልዑል ተስፋ ነይሩ።

እተኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ጌና ብግብሪ ኣይተጋህደን። እቲ ጥልመት   ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታትና መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዘኸተሎ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓቦ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብዝሓዝናዮ መንገዲ ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ የብልናን።     

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ  መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን ኣብ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና እዩ ነይሩ።  ካብቲ ተስፋ ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ እዮም ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ  ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ “ኤርትራ ነዓይ ጥራይ  ዝብል ግጉይ ኣሰላልፋ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ንናጽነት ዝተቓለሱ ደቁ፡ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ዝኾኖን ዝኾኖ ዘሎን ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ።  ምስዚ ግን፡ ካብ ቅድሙ እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝተቓለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ “ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ብኣንጻሩ ኮይኑ። እምበርከ እቲ 2ይ ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ  እነሆ 32 ዓመቱ መሊኡ። ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ እውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጉደ፡ ግና ከምኡ ክኸውን ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ጉዕዞ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝኸበረን ተኸፊሉ።   

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ብዛዕባ እዚ ዝሓለፈ ናይ 62 ዓመታት በሊሕ ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ በየን መጺእና? ኣብ ከመይ ኩነታትከ ኣለና? እንታይከ ይጽበየና ኣሎ? ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ግቡእ እዩ። ቀንዲ ጠመተና ከኣ እተን፡ ኣበይ ኣለና? እንታይከ ይጽበየናሎ? ዝብላ ሕቶታት ክኾና ይግበአን። ምስ ቃልሲና ምንውሑን ሃገርናን ህዝብናን ንቑልቁል ይንቆቱ ምህላዎምን ሻቕሎት ኩልና፡ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ “ቃልስና ካብዚ ዘለናዮ ናብ ዝሓሸ ነሰጋግሮ  ክንብልን መዋጸኦ ክምእምም ሓድሽኳ እንተዘይኮነ እዋኑ እዩ። እንተ ህግደፍን ደገፍቱን ግና በዚ ሒዘምዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ጐደና ክዕዘሩ እምበር ክልወጡ ኣይንጸበዮም።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። ምስዚ ግና ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ለውጢ ድሌት ህዝብና ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊምና ነረጋግጽ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓዝካዮ መስርሕ ስንኻ ነኺስካ፡ ፍልልያትካ ኣጻቢብካን ኩሉ ዓቅምኻ ጸንቂቕካን ዝረኸብካዮ ዕድላት ተጠቒምካ ኣብ ዝብጻሕ ምብጽሑ፡ ናይ በይነይ ክኸይድ’የ ኣገባብ ምኽታል እዩ።  ካብ ከምዚ ዓይነት  ምትፍናን ንምውጻእ፡ ተደኲኑ ዝጸንሐ ባይታ ብምኽሓድ ዘይኮነ፡ ንጉዳያት ቅደም ተኸተል ኣትሒዝካ፡ ኣብቲ ዝተጀመረ ብምድራዕ ነቲ ዝመጽእ ምዕባለ ነቲ ቅድም ዘመዝገብካዮ ብዘይሃሲ ሓቢርካ ብምግጣሙ ክኸውን ይግበኦ።  ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ብዘይክሕድ ኣገባብ  ከመሓድሮ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ካልእ ንመበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ እውን ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ሓደ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያ-ትግራይ ሰላማዊ መንገዲ ሒዙ ኣብ እንብለሉ፡ ኩነታት ሱዳን ዝኸፈአ መልክዕ ምሓዙ ኣብ ርእሲቲ ናትና ጸገም፡ ካብ ዞባዊ ስግኣት ዘይምውጻእና ዘመልክት እዩ። እዚ ተርእዮታት ንኤርትራ ብቐንዱ ጉዳይ ጐረቤት እዩ። ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይና ግና እቲ ንሃገርና ዝሕምስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዘርእዮ ዘሎ ጸፋዕፋዕ ተወሲኽዎ፡ ዝዓዘዘ ግምት ክንህቦ ግቡእ እዩ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣተሓሕዛና ኣብ ጉዳይ ትግራይ መፍቶ ህግደፍ ኮይናዮ ዝጸናሕና ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከይንደግሞ ነስተውዕል። 

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ትንበር!

24 ጉንበት 2023

Last modified on Tuesday, 23 May 2023 19:19