ዘይሩ-ዘይሩ፡ ዕላማና ሓደ ካብ ኮነ!

2023-02-28 18:03:14 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 944 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ  ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብዙሓት ኢና። እምብዛ ብዝሒ ውዳበታትናን ምንቅስቓሳትናን ከኣ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣሰካፍን ኣዘራብን ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይቲ ስኽፍታት  ምኽንያት፡ “ናይ ለውጢ ዓቕምና ተበቲኑ ከይንደክም” ዝብል ሓልዮት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘይሩ-ዘይሩ እነረጋግጾ ናይ ሓባር ሸቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ቅዋማውን  ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካልን ክሳብ ዝኾነ ልብኻ ዝመልስ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣህላኺ መስርሕ ቃልሲ፡ ምብዛሕ ውዳበታት ብኣና ዝተጀመረ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ዕዉታት እውን ዝተራእየ እዩ። ምውዳብ መሰልን ሓይልን ስለ ዝኾነ፡ “ድሕሪ ክንድዚ ውድባትን ማሕበራትሲ ይኣክል” ኢልካ ዝሕጸር ኣይኮነን። ናይ በይንኻ ዝተፈልየ ውዳበ ክህልወካ ዘገድድ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘየብልካ ክነስኻ፡ ኣብ መስርሕ ክጻበብ ዝኽእል ዘይመሰረታዊ ፍልልይ መሰረት ጌርካ “ግድን ባይነይ እንተዘይተወድብኩ” ምባል ግና፡ ምርጫ ናይቲ ተግባሪኡ’ኳ እንተኾነ፡ ዝተባባዕ ግና ኣይኮነን።  ብድፍኑ ምብዛሕ ውዳበታት ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋት ጌርካ ምውሳዱ ድማ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕድ እቲ ውዳበታት ዘሎ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ተጸዋዊርካን፡ ኣብቲ ዘሰማመዓ ብጽንዓትን ቀጻልነትን ኣትኪልካ ብሓባር ዘይምቅላስ ግና ዕንቅፋት ዓወት  ምዃኑ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝተመኮረሉ የለን።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ካብቲ ንጉዳያት ኣብ ምምዛንን ምንባብን ዘለና ፍልልያት ዝነቅል እዩ። ሓደ ኣካል ጐሊሁ ዝረአ ግጉይ ኣናብባ ከንጸባርቕን ንዓኡ ተኸቲሉ ውዳበ ክፈጥርን እንከሎ፡ ናብ ወድዓዊ፡ ርትዓውን   ሓላፍነታውን ኣናብባ ክምለስን ቅኑዕ ኣቕጣጫ ንክሕዝን ክትሕግዞ ምጽዓር ንቡር እዩ። እንተኾነ “ነዓይ ዝረኣየኒ ንባብን ተረድኦን እዚ እዩ። ተረድአይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝቃለሰሉ ውዳበ ድማ ክምስርት እየ” እንተ ኢሉ ግና፡ ነዚ ዝምልከት ቅዋማዊ ሕጊ ሰልፍታት ኣብ ዘይብሉ ስለ እንርከብ፡ ደው ከተብሎ ኣይከኣልን።  እቲ ምርጫ እምበኣር፡ ኣብ ሰላማዊ መስርሕ ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተቓሊስካ ክትረትዖ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ተመዓዳዲኻ ትተሃላለኽ ግን፡ ነቲ ዘሰማምዓካ ዛዕባታት ዝያዳ ንምሕያልን ፍልልያት ንምጽባብን ዘኽእለካ፡ ናይ ሓባር መድረኽ ምፍጣር  ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ውዳበ፡ በይኑ ናይቲ መቃለሲ ሜዳ በሓትን ቀላስን ኮይኑ፡ ነቲ ካልእ ብጉልበት ደፊኡ ከውጸኦ ወይ ርኢቶኡ ንክቕበል ከገድዶ እንተፈቲኑ፡ ምስ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ምውዳብን ዝራጸም ስለ ዝኸውን ዝምረጽ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኤርትራውያን  ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ናይ ሓባር መድረኽ ክንፈጥር ንቃለሰሉ ዘለና ምኽንያት ተቐራሪብና ፍልልያትና ነጻብበሉን ነቲ ዘሰማመዓና ነስፈሓሉን ነስርጸሉን ዕድል ንምፍጣር እዩ። ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣር፡ ሓደ ካብ ጠለባት ህዝብና ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ዝተበተነ ዓቕምና ከድምዕን ህግደፍ ናብ ንስዕረሉ ደረጃ ንኽብርኽን ንከኽእለና ኢና። በቲ ካልእ መልክዑ “ብሓባር እንተዘይኮይኑ፡ በበይንና እነምጽኦ ናይ ዓወት ውሕስነትን መዋጸኦን የለን” ዝብል ዘይስገር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ናይ ውሱናት ውዳበታት ሓላፍነት ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግዱሳት ግደታ እዩ እንብሎ። ሕቶ ሓድነት ከከም ናይ ኣተሓሳስባ ቅርበትን ርሕቀትን ናይቶም ብሓባር ክጸምዱ ዝገበኦም ኣካላት ደረጃታት ኣለዎ። ንኡስ ፍልልያትካ ኣወጊድካ ብደረጃ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካን ኣመሓዲርካን ብምክብባር ቀዳምነትካ ሰሪዕካን፡ ብደረጃ፡ ግንባር፡ ልፍንቲ ወይ ምሕዝነት ብዝግለጽ ጽላል ይትግበር።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ( ሰዲህኤ)፡ ንሓድነት ብዝምልከት ኣብ ጉባአኡ ዝጸደቐ ውሳኔ ተመርኲሱ፡ ብ4 ሓምለ 2017፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር የቃልሳና እየን ኣብ ዝበለን፡ 1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ 3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፡ 4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል” ኣትኪሉ ናብ ምሉእ ሓድነት የብጸሕና ወይ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል የቃልሰና ዝበሎ፡ እማመ ኣቕሪቡ። እዚ እማመ ምስተዘርገሐ ዋላ ብሓደ ውድብ ተቓውሞ ኣይገጠሞን። እንተኾነ ክንድቲ ዝድለ ንዓኡ ዝምጥን ግብራዊ ውጽኢት ኣይተራእየን።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝንጸባረቑ፡ ኣብ ሰፊሕ ጽላል ብሓባር ንምቅላስ ከዕንቅፉና ዘይነበሮም መፈላለይ ዛዕባታት ብዙሓት እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ብዝጸድቕ ቅዋም እምበር ብውድባት ኮነ ምንቅስቓሳት ክውድኡ ዘይግበኦም እዮም። ካብቶም ፍልልያት ዝንጸባረቐሎም ሓደ፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ጐነጻዊ፡ ዘይጐነጻዊ ወይ ክልቲኡ ዝብሉ ኣገባባት፡ ኣብ መደብ ዕዮ  ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባተታት ሰፊሮም እንረኽቦም እዮም። ውዳበታት፡ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝኽተልዎ ኣገባብ ብስምዒት ዘይኮነ፡ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ፡ ድልውነት ተሳትፎ ህዝቢ፡ ናይ ዝሓለፈ ውግኣት ስንብራት፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዓቕሚ፡ ናይ ከባቢና ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ድሕሪ ለውጢ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን …….ወዘተ ዝብሉ ኣብ  ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ምስትውዓል ዘድልዮ፡ ኮሎም እዞም ኣገባባት፡ እቲ ስርዓት ንክውገድ  ናይ ምግዳድ ሸቶ ዘለዎም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ኣገባባት ለውጢ ብኻልእ ኣካል ክመጸሎም ወይ ህግደፍ ክተኹበሎም ዝጽበዩ  ኣይኮኑን።

ስለዚ ሎሚ እውን፡ እቲ ቀዳምነት ሂብና ከነጉለሖ ዝግበኣና፡ ነቲ ዝፈላልየና ዘይኮነ፡ ዘይሩ-ዘይሩ ሸቶና ሓደ ምዃኑ ተገንዚብና ነቲ ዘሰማምዓና ክኸውን ይግባእ።

Last modified on Tuesday, 28 February 2023 19:26