ሰራዊት ኤርትራኸ “ኣበይ እየ ጸኒሐ?”  ዘይብል!

2023-01-30 19:48:09 Written by  EPDO Information Office Published in EPDP Editorial Read 1644 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ፡ ህግደፍ ክሓብኦ ምስምስ ይፈጥር ስለ ዝነበረ፡ ንዝተወሰኑ ወገናት የጋጊ ነይሩ እዩ። እንዳፈለጡ ከምዘይፈልጡ ኮይኖም ጓይላ ህግደፍ ዘዳምቑ መዳኸርቲ’ውን ነይሮም’ዮም። እቲ ኩነታት ልዕሊ ናይ ህግደፍ ናይ ምሕባእን ምትላልን ዓቕሚ ምስ ኮነ ግና፡ እቲ ሓቂ ተጋሂዱ። እቶም “ሰራዊትና ካብ ዶብ ኣይሓለፈን” ክብሉ ዝጸንሑ’ውን ዘይስገር ዓቐበት ምስ ኮኖም፡ ምእታዉ ተኣሚኖምስ፡ ነቲ ተረኽቦ ምኽኑይ ከምስልዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። እንተኾነ ምኽንያታቶም ሓቅነት  ስለዘይነበሮ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ህግደፍ ግና ብዘይካቲ ኣቐዲሙ “ወያነ ጸወታኣ ተወዲኡ” ዝበሎ፡ ካብ ጥውይውይን ጉቦጎቦ ምኻድን ሓሊፉ ኣግሂዱ “ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትየ” ኣይበለን። እዚ ድማ መእተዊኡ ምኽንያት ካብ ቅርሕንትን ሕዱር ጽልእን ሓሊፉ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን  ተቐባልነት ከምዘይነበሮ እዩ።

ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ምጽናሕ ምስ ኣስገኦ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዝተፈላለዩ ምዕራባዊ መንግስታት፡ ማዕከናት ዜናን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ንክወጽእ ዝቐረቦ ተጽዕኖታትን መጠንቀቕታን  ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ “ክወጽእ እየ” ክብል ተገዲዱ። እንተኾነ ብግብሪኸ “መሊኡ ወጺኡ ድዩ ኣይፋሉን?”  ንዝብል፡ ጌና ኣብ ኣተገባብራ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ-ትግራይ  ኣዛራብን ዓንቃፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዘገርም ወዮ “ኣትየ” ክብል ዘይደፈረን ዘይሓበረን ሸፋጢ ጉጅለ “ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ኣዳምቑለይ” ዝብል፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይሰማማዕ ጭረሖታት እናቃለሐ መደንዘዚ ድራማ ክሰርሕ ምፍታኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ “ምእታውካ ብግሉጽ ዘይነገርካናስ ከመይ ጌርካ ደኣ ይወጽእ ኣለኹ’ሞ ዓልሉለይ ትብለና” ክብሎ ምተገብአ። እንተ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ መስቀላዊ ሕቶ ከም ዘይሓትት ገይሩ ከም ዘደንዘዞ ስለ ዝርዳእ እዩ ንከዕሽዎ ዝደፍር። ህዝቢ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ ዘይምሕታቱኳ ዘተሓሳስብ እንተኾነ፡ ብልቡ ግና ነቲ ናይ ህግደፍ ሸንኮለል ከምዘይቅበሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዘገርም ናይ ህዝብስ ደሓን እቲ ካብቲ ህዝቢ ብዝሓሸ ዝተወደበን ናይ ምግዳድ ዕጥቂ ዝውንን ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን፡ “ኣበይ እየ ጸኒሐ፡ ስለምንታከ?”  እንተዘይኢሉ  መስደመም ዝኸውን እዩ።

ናይ ህግደፍ ምስ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሊሻ ክልል ኣምሓራን ተሻሪኽካ ናብ ውግእ ትግራይ ናይ ምእታው ዕላማ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ክፍክረሉ ዝጸንሐ እዩ። እሞ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎኸ ነቲ ዕላማይ ዝበሎ ከምቲ ዘጉባዕበዖ ዘሎ፡ “ኣረጋጊጽዎ ድዩ ኣየረጋገጾን? ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ  ብዘይውልውል “ከርጋግጾ ኣይካኣለን” እዩ።  ምኽንያቱ ህወሓት ብዘርኣዮ ጽንዓት ህያው ኮይኑ ናብ መድረኽ ሰላም ተሰጋጊሩስ፡ ናይ ድሕሪ ውግእ ዋኒኑ ከሰላስል ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ኣትዩ ስለ ዘሎ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፡ “ተዓዊትና ወጺእና” ኢልካ ከበሮ ሓምሓም ምውቃዕ ስዕረትካን ፍሽለትካን ክትሓብእ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 254 ሺሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይታ ሃገር ሰራዊት ሓላቓ ስታፍ ከም ዝሓበረ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ምጽራይኳ ዘድልዮ እንተኾነ ብሰንኪቲ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተጋሩ ከም ዝሞቱ ዝሕብሩ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ክወጹ ጸኒሖም። ኣብዚ ከቢድ ህልቂት ዘኸተለ ውግእ ተዋሳኢ ካብ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ክንደይ ከም ዝሞተ፡ ዛጊት ብህግደፍ ዝተገልጸ የለን። ንመጻኢ’ውን ሓቀኛ ኣሃዝ ከቕርብ እዩ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ሓሓሊፎም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣሃዛት ግና ኣዝዮም  ዘሰንብዱ እዮም። ምናልባት ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ኣብ ጐደናታት ናይ መካይን ጥሩንባታት ብምቅላሕኳ ክኸዋውሎ እንተፈተነ፡ እንዳ ኩሉ ስድራቤታት ኤርትራ ክኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ ኣይክሕባን እዩ።

ህግደፍ ብዋጋ ጉልበትን ህይወትን ኤርትራዊ መንእሰይ ረብሓ ምኽዕባት መለለይኡ እዩ። ኣብ ውግእ ትግራይ ህይወት መንእሰያት ብምኽፋል፡ ንክከሓስ ላዕልን ታሕትን ይብል ከም ዘሎ በብኹርናዑ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ድሮ ዕርቡን ተቐቢሉ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዕንይንይ የብልዎ ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ እቲ ዝሓተቶ ካሕሳ መሊኡ ክሳብ ዝኽፈሎ እዩ ዝብል ግምት ዘለዎም ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ህግደፍ ዝጽበዮ ዘሎ ዋጋ ደም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ናብታ ብሰንክቲ ውግእ በዓል ቤታ፡ በዓልቲ ቤቱ፡ ወዳ፡ ጓላ፡ ሓዋን ካልእ ኣባል ቤተሰባን ዝሰኣነት ኤርትራዊት ስድራቤትከ ክበጽሕ ደኾን ይኸውን?” ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት እዮም። ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣሰራርሓን ተመኩሮን ህግደፍ መልሱ “ኣይፋሉን”  ከምዝኸውን ተገማቲ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ደማዊ ውግእ ትግራይ ከይደንጐየ፡ “ …… ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መንገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ። “ ኢሉ ነይሩ።

 ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ  ካብ መጀመርያ፡ “ኣብ ዘይምልከትና ውግእ ኣይንኣቱን” እንተዝብሉ ክንደይኳ መመልከዓሎምን ካብ ክሳራን ጣዕሳን መደሓኑን። ሎሚ ህግደፍ ዘጥፈአ ምስ ኣጥፈአ ከይፈተወ ምውጽኡ፡ ካብ ተወሳኺ ህልቂት ዘድሕን እኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝፈጸሞ  ካብ ናይ ውግእ ገበን ተሓታትነትን ጥልመትን ዘድሕኖ ግና ኣይኮነን። ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብናይ ህግድፍ ዝሓለፈ ግጉይ ስብከት ተመኲሩ፡ “ደጊም ንኤርትራን ህዝባን ናብ ዘየርብሕ ውግእ ኣይኣቱን እየ”  ዝብል፡ ተዀብኲቡ ናብቲ ውግእ ኣትዩ ግዳይ ምዃኑ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎ እዩ። ሕጂ’ውን ካብዚ እንተዘይተማሩ፡ ህግደፍ ካልእ ውግእ ክቕይስ ምዃኑ ዘርእዩ ምልክታት ከምዘለዉ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

Last modified on Monday, 30 January 2023 20:56