ንናይ ሓባር ዓወት፡ ሓቢርካ ምቅላስ

2022-12-14 17:38:09 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 850 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት፡ ካብቶም ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ከምዝበዝሑ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታቶም ዝምስክሮ እዩ። ናይ ሓባር ጸላኢኦም ህግደፍ ምዃኑ፡ ምዕቃብ ልኡላዊት ኤርትራ፡ ምውጋድ ምልካዊ ስርዓትን፡ ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገመንስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብሉ፡ ካብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት  እዮም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮንካ ናይ መወዳእታ ሕገ-መንግስታዊ መልክዕ ክሕዙ ዝግበኦም ፍልልያት ከም ዘለዉዎም ከኣ ርዱእ እዩ።

እዚ ፍልልያት፡ ናይ ሓሳብ መማረጽታት ዘምጽእ፡ ንህዝቢ ካብ “ከም መንገዲ ጻጸ” ሓንቲ ሓሳብ ሒዙ ዝኸይድ፡ ሓሳባት ከወዳድረሉ ዝኽእል ዕድል ዝፈጥረሉን ክመሓደር ዝኽእልን እምበር፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ከይትቃለስ ዝዕንቅጽ ኣይኮነን። ፍልልያት ሰኣን ልቦናዊ ኣተሓሕዛ፡  ንሓዋሩ ዘይድፈር መረሓሓቒ መሲሉ ክቐርብ እንከሎ፡ ናይቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሓይልታት ድኽመትን ኣርሒቕካ ዘይምጥማትን ዘመልክት እዩ። ነዚ ዘይስገር ዝመስል ምስጋር መተካእታ ከምዘየብሉ ንምምልካት ኢና ከኣ “ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርካ ምቅላስ” ክንብል ዝጸናሕናን ዘለናን። እዚ ክበሃል እንከሎ፡  ምስ  ፍልልያትካ ነቲ ዘሰማምዓካ ቀዳምነት ሂብካ ብሓባር ምቅላስ፡ ክንድቲ ብክለሰ-ሓሳብ ከተስፍሮ እንከለኻ ቀሊል ዝመስል ዘይኮነ፡ ኣብ ግብሪ ጽኑዕ ትብዓትን ቀጻሊ ተወፋይነትን ዝሓትት ምዃኑ ኣብ ጉዳይና ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ፍልልያትካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካን ቀዳምነት እትህቦን መሰረታዊ ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ከቢድ ዝገብሮ ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ኣቀራሪብካ፡ ንኹልኻ ዘማእክል ሓላፍነታዊ ተረድኦ ክትፈጥር ምኽኣል ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብዚ መስርሕ ካብቶም ዓንቀፍቲ ዝኾኑ፡ ብዛዕባቲ፡ ኣንጻሩ ትቃለስ ዘለኻ ሓይሊ ናይ ሓባር ሚዛን ምሓዝን ዘይምሓዝን፡ ቀዳምነታትካ ክትሰርዕ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን፡ ናይቲ ትቃለሰሉ ውዳበ ናጽነትን ግደኻ ኣብቲ ብሓባር ትዋሰኣሉ መድረኽን ምጥዕዓም፡ በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን በቲ ካልእ ድማ ጉዳይ ሰልፍን ውድብን ግቡእ ቦታ ኣብ ምትሓዝ ዘሎ ርትዓውነት ይርከብዎ። ኣብዞም ነጥብታት ብሓባር ከጓዕዘካ ዝኽእል ኣተሓሳስባ ምጥራይ ከቢድኳ እንተኾነ፡ ግን ከኣ ዝከኣል እዩ። ቀንዲ ጸገም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ክንበቅዕ ዘይምኽኣልና እዩ።

ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ሓደን ዓዳሚ እቲ ካልእ ተዓዳሚ ዝኾነሉ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩሉ ኣካላት ተበግሶን ኣስተዋጸኦን ክዕመም ዝግበኦ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ። ጉዳይ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ከም ጓል ነገር “እንተቐዶ ቀዶ፣ እንተዘይቀዶ  ሕንጣጦ” ኢልካ ዝተሓዝ ዘይኮነ፡ ዝለዓለ ቆላሕታ ዝወሃቦ እስትራተጂ  እዩ። ምኽንያቱ ናብቲ መሰረታዊ ለውጢ ዘውሕስ ሸቶ ንምብጻሕ መሰረታዊ መንገዲ ንሱ ስለ ዝኾነ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ጉባአታቱ ግቡእ ኣድህቦ ዝህቦን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ “እማመ ሓድነት” ኣውጺኡ ክንቀሳቐሰሉ ዝጸንሓን ካብዚ  ኣገዳስነት’ዚ ብምንቃል እዩ። እማመ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል፡ ኪኖ ዕማም ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ምዃኑ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተቛሰለ ኣተሓሳስባታት ኣቀራሪብካ፡ ናብ ማእከላይ ብሓባር ዘቃልስ ደረጃ ከተብጸሖ ኣብ ርእሲቲ ዝሓቶ ብቑዕን ሓላፍነታውን ዓቕሚ፡ ግዜ ዝበልዕ ምዃኑ’ውን ዝረኣናዮ እዩ። ከምዚ ኣብ ናይ ለውጢ ደንበና ዝረአ ዘሎ፡ በዚ ተኸዊልካ ዘይምኽኑይ ግዜ ምብኻንን ማዕረ መድረኻዊ ምዕባለታት ክትስጉም ዘይምብቃዕን ግና ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ትዕግስትኻ ዘወድእን ኣድካምን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ መተካእታ ስለ ዘየብሉ ተስፋ ከይቆረጽካ፤ ስንኻ ነኺስካ ክትቅጽሎ ዘገድድ ከኣ እዩ።

ናይቲ “ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርካ ንምቅላስ” ዝምስረት መድረኽ ናይ ለውጢ ዓቕሚ፡ እኩብ ድምር ዓቕሚ ናይተን ነቲ መድረኽ ዘቑማ ውዳበታት እዩ። ኣብተን ነቲ መድረኽ ዝፈጥራ ኣካላት ዓቕሚ እንተዘየልዩ እቲ ናይ ሓባር መድረኽ’ውን ዓቕሚ ዘየብሉ ስማዊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ስለዚ “ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ይሃልወና” ክበሃል እንከሎ፡ ህልውና ናይተን ናይቲ መድረኽ ዓቕሚ ዝድልባ ውዳበታት ይፈርስ ማለት ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብተን ሰልፍታት፡ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሓላፍነታዊ ናይ ቀዳምነታት ኣሰራርዓ ምንጻር ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሓደ መድረኽ ኣብ ሓደ ዛዕባ ጥራይ ትንጥልጠል ማለት ዘይኮነ፡ ተዛምድቲ ዛዕባታት ጐኒንጐኒ ምስጓም እውን ይከኣል እዩ። ንኣብነት ቀዳምነትና ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ለውጢ ከጋጥም ዝኽእል ምዕባለታትን ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦን፡ ቀወምቲ ኣጀንዳታት እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ንዕዘቦ ዘለና ዞባዊ ምዕባለ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዝቕርቅሮን ንሓይልታት ለውጢ ዘተባብዕን እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ሓይልታት ለውጢ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ፖለቲካዊ መንነቱ ንምቅላዕ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ፡ ህግደፍ ብሰንክቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ዞባ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ ወጥሪ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ኣብ ዘቃለዓሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ።

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉቲ ዝግበር ጻዕሪ፡ ክሳብ ሎሚ ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ከነዕውት ዘይምኽኣልና፡ ኣብዚ መዳይዚ ክንጋገ ከም ዝጸንሕና ዘመልክት እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ሕጽረታትና ዘተሓሳስብኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ጌጋታትና ተማሂርና ናብ ዝሓሸ ደረጃ ናይ ምብራኽ ዕድልና ግና ክፉት እዩ። ዝምረረን ዘጣዕስን ጌጋ ዝኸውን ከኣ ካብ ዝሓለፈ ድኽመት ተማሂርና መጻኢና እንተዘየዕሪና እዩ። ስለዚ ሎሚ’ውን “ንናይ ሓባር ዓወት፡ ሓቢርካ ምቅላስ” ዝብል ጭረሖና ህያው ምዃን ዘይስገር እዩ።

Last modified on Wednesday, 14 December 2022 18:42