ዕጥይጥይ ህግደፍ፡ ስዕረቱ ንዘይምቕባል

2022-12-02 09:50:42 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1355 times

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሓለፍቱ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣብ ዘይነበሮም፡ “ደጊም ጸወታ ወያነ ተወዲኡ፡  ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ጉዳይና እንሕዞ እምበር፡ ሱቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን፡  ሓድነት ኢትዮጵያ የገድሰና እዩ።”  ዝብሉ ጭረሖታት ኣምሪሑ እዩ ዘሊሉ ናብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ተኣሊኹ። እቲ ተረኽቦ ንህዝብናን ካለኦት ተዓዘብትን ድቦላን ሃንደበትን እዩ ነይሩ። ንህግደፍ ግና ኣቐዲሙ ክኣልሞ ዝጸንሐ ውዲት ስለ ዝነበረ፡ ሃንደበት ዘይኮነ ንቡር ስጉምቱ ነይሩ። ህግደፍ በዞም ጻሕተርቲ ህውከት ጭረሖታት እናተመርሐ ከዐውቶም ሒዝዎም ዝኣተወ መደባት “ፖለቲካዊ ህልውና ህወሓት ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእን ድሕሪኡ ንሱ እንተደለየ ብድሕሪት እንተደልዩ ድማ ብቕድሚት ኮይኑ ዝመርሓን ዝምዝምዛን ብጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ፖሊሲኡ ዝተቓነየት፡ ኢትዮጵያ ምፍጣርን ምንባሩ ደጋጊሙ ባዕሉ ይበሎ ስለ ዝነበረ ምምርማር ኣየድልዮን። ብግብሪ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ሰክተራት ምልክታት ኣገዛዝኣኡ ተራእዩ እዩ። ነዚ ተግባር፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምብታን ሕዱር ሕልሚ ኢሳያስ ዘዛምድዎ ወገናት’ውን ኣለዉ።  

መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዚ እኩይን ጨካንን ኣተሓሳስባኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ዝመረጾም መንገድታት ኣብ ውግእ ትግራይ ብምሉእ ዓቕምኻ ብምእታው፡ ደሓር መንገዲ ሰላም ከይሕዝ ድማ መመሊስካ ነዳዲ እናወሰኽካ ምስዋሩ ነይሩ። “ብጽሒት ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ እንታይ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ፡ ኣዘራራቢ እዩ ነይሩ። ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ ርሑቕ ከይከድካ “ቀንዲ ኣጓዲኡ”  ከም ዝነበረ ሎሚ ብወግዒ ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ። ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ብውሳነ ህግደፍ ናብ ትግራይ ኣቲኻ፡ ሰባት ምስዋር፡ ምዕናው ትካላትን ምግሃሰ መሰረታዊ መሰላት ህዝብን፡ ንመጻኢ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ብሓባር ዓገብ ንክብል፡ ከሎ ጌና ጸዊዕና ኢና። እንተኾነ ብመደናጋሪ ምልዕዓል  ህግደፍ ስለ ዝተደናገረ ኣይተላዕለን። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ደገፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ንምምሳል፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወርድ ግፍዒ ክቕጽል ዘተባብዑ ኣብ ናይ ጽልኢ ጫፍ ዝተንጠልጠሉን ሰብኣውነት ዝረሓቖምን ኤርትራውያን ባእታታትውን ተራእዮም እዮም። ሕጂ ብሰንክቲ ውግእ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተዓጽወ ገዛውቲ፡ ዝተራሰያ ጥሪት ዝሞቱን ዝሰንከሉን መንእሰያትን፡ ዝዘኽተሙ ህጻናትን ዝሕብር  ደቂቕ ጸብጻብ  ምስ ረኣየን ምስ ሰምዐን፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናይ ቅድም ስቕታኡ ከም ዝጣዓስ ርዱእ እዩ።

ንጉጅለ ህግደፍ ከጸባብቑ፡ ዕላማ ናይቲ ውግእ ጉዳይ ዶብ ምዃኑ፡ ናብቲ ውግእ ንምእታዉ ቀንዲ ምኽንያቱ  ከኣ ካብ ትግራይ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ምትኳሱ እዩ ዝብሉ፡ ተሓይኾም ዝተደርበዩ፡ ምስቲ ኩነታት ዘይዛመዱ ሓረጋትውን ይገማድሑ እዮም። ነቲ ኩነታት ብቕንዕናን ርትዕን ንዝመዘኖ ግና፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ርክብ ህግደፍን ብልጽግናን፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ “ጉዳይ ዶብ ንኡስ ዛዕባ ስለ ዝኾነ ኣየልዓልናዮን” ኢሎም ከም ዝሓለፍዎ ዘይምርሳዕ ጥራይ እኹል ነይሩ። ደሓር ካብ ትግራይ ናብ ኣስመራን ባህርዳርን ሚሳይል ዝተተኮሰሉን፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተናቢቦም ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሰሜን ትግራይ  ዝኣተውሉን መዓስ ምንባሩ ንጹር እዩ።  በቲ ናይት ዕለታት ሕሳብ፡ ሚሳይል ምትኳስ ንምእታው ሰራዊት ህግደፍ ናብ ትግራይ ርትዓዊ ምኽንያት ክኸውን ብፍጹም ኣይክእልን። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ንርኡይ ዝኽሕድ ምስምሳት ግን፡ መሳርሒ ዲክታተርን ነብስኻ ምትላልን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንኤርትራን ህዝባን ምሕላቕን ብጉዳይ ሃገር  ምሕላይን ዘርኢ ኣይኮነን።

ኢትዮጵያውያን ብናይ ህግደፍ ተንኮለኛ ምኽርን ካለኦት ዘይበሰሉ ረቛሕታትን ተደሪኾም ናብ ውግእ ትግራይ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበይዎ ከምዘይከውን ካብቲ መስርሕ ቀልጢፎም ተገንዚበምዎ ነይሮም። ንህግደፍ ከይሓበርዎ “ነብሰይ ኣውጽእኒ” ኢሎም፡ ጠቕሊሎም ካብ ትግራይ ክሳብ ምስሓብ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። መስሓቢኦም ምኽንያት ወተሃደራዊ ስዕረት ነይሩ ክነሱ፡ ኣፎም መሊኦም “ከምዚ እዩ” ምባል ተጸጊሞም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ብወገን ትግራይ ናብ ወሎን ሸዋን ሓድሽ ጸረ-መጥቃዕቲ ምስተኻየደ፡ ወዮ እቲ ውግእ ቀልጢፉ ከይውዳእ ኣብ ስግኣት ዝነበረ ህግደፍ፡ ብዓፋርን ምዕራብ ትግራይን ሰራዊት ኣእትዩ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣወዲኡ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ግፍዕታት ምፍጻሙ ድማ ኣብቲ እዋኑ  ኣብ ናይ ዓለም መድረኻት ተዘሪብሉ እዩ።

ኣብ ነሃሰ 2022 ዝጀመረ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ውግእ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ምስተኻየደ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክጸዓረሉ ዝጸንሐ መስርሕ ሰላማዊ ስምምዕ፡ ናይ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሰብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይ ቅሩብነት ተሓዊስዎ፡ ቅድም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደሓር ከኣ ኣብ ኬንያ ኣወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊቡ። እቲ ህግደፍ ክኾልፎ ብዙሕ ፈቲኑ ዘይተዓወተሉ ስምምዓት፡  ልኡኽ ናይቲ ኢሳያስ ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍእ ዝተጸበዮ ህወሓት ብዝኸተመሉ ሰነድ እዩ ተረጋጊጹ። ህግደፍ ነዚ መስርሕ ዕረ እናጠዓሞ ብስንባደ እዩ  ተኸታቲልዎ።

ኢትዮጵያውያን ሰለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ፡ ዝርዝራዊ ስምምዕ ሰላም በጺሖም ብዙሕ ኣዛሪቡ። ናይ ብዙሓት ግምት እቲ ናይ መጀመርያ ዙር ርክብ ኣብ ተጻብኦ ምቁራጽ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ናብ ንቡር ምምላስን ክድረት እዩ ዝብል ነይሩ። ብግብሪ ግና ኩነታት ናብቲ ቅድሚ ውግእ 2020 ዝነበሮ ምምላስ መሰረታዊ ሕመረቱ ኮይኑ፡ ክሳብ ንህግደፍ ካብ ትግራይ ንምጽራግ ዘኽእል ስምምዕ ተበጺሑ። እቲ ቀንዲ ደራኺ ውጽኢቱ ድማ “ዘይትግበር ጭረሖ ምሂዝካ ኣብ ውግእ ምንባር” ዝብል ፖሊሲ ህግደፍ ካብ ጸወታ ወጻኢ ምዃኑ ኣርእዩ።

ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ድሮ እቲ ስምምዕ ሰላም “ብውግእ ቀጻሊ መፍትሒ ከምጽእ እየ ኢልካ ምሕሳብ፡ ብመንፊት ማይ ከዕቁር እየ ከም ምባል እዩ” ዝበልዎን፡ ኣቶ ጌታቸው ረደ፡ ንውጽኢት ስምምዕ ከብርሁ እንከለዉ፡ “ካብ ታንክታት ዓጢቕና ህዝብና  ዝውዳእ ብረት ኣረኪብና ህዝብና እንተድሒኑ ከሰብቲ ኢና፡ ናብ ዘተ ክንኣቱ እንከለና፡ ዝነበረ ቀዳማይ ቀይሕ መስመርና ህዝብና ብውግእን ብጥሜትን ካብ ምማት ምድሓን እዩ።”  ዝበልዎ፡ ዝወሰድዎ ምርጫ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዝኸሰረ ሰይጠናዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ኣዝዩ ዝለበመን ሓላፍነታውን  ምዃኑ ርኡይ እዩ።

ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዝስመዖ ምምሕዳር ካብቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ይመሃርን ንድምጺ ህዝቡ ጺን ይብልን እምበር፡ ነቲ  ዘኽሰሮ ኣካይዳ ኣይደግሞን እዩ። ህግደፍ ግና ከምዚ ዓይነት ረዚን ሓላፍነትን ሓልዮትን ህዝቢ ስለ ዘየብሉ፡ ክሳብ ዕርበቱ በቲ ዝፈሸለሉ ናይ ዓመጽ መንገዲ እዩ ዝቕጽል። ምኽንያቱ እቲ ክሳራ ናይ ኤርትራን ህዝባን እምበር ናቱ ስለ ዘይኮነ ኣየሕምሞን እዩ።  ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይቅበል፡ ሓደገኛ ውደባ “ምምሕዳር ሓድነት ፋኖ ኣምሓራ”፡ ዝዓብድ ዘሎ ከኣ ንዘይሓላፍነታዊ ባህሪኡ ዘርኢ’ዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ዝሓለፈ ተደጋጋሚ ፍሽለቱ ዘይተማህረን ኣብ  መጻኢ’ውን  ካብ ፍሽለት ከም ዘይድሕንን ዘመልክት እዩ።

Last modified on Friday, 02 December 2022 10:53