ፈጻሚ  ሽማግለ ሰዲህኤ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2021-11-29 09:58:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1219 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ): ብ28 ሕዳር 2021 ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ፍሉይ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ብዛዕባ ኣገደስትን እዋናውን ዛዕባታት ዘትዩ። ኣብ መእተዊ እዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) “እንኳ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ፍሉይ ኣኼባ ዝተጸወዓሉ ምኽንያት ኣብሪሁ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ቀዳምነት ሂቡ ዝረኣዮ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ንምሕያልን ምድልዳልን ዓቕሚ ሰልፊ ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ዛዕባ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ክሳብ ሕጂ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዳህሲሱ ኣብ ቀጻሊ እውን ሰልፎም ኣብ ኩሉ መዳያት ንምሕያል ከም ዝጽዕቱ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎ ፈጻሚ ሽማግለ መዝጊቡ።

ኣብ ርእሲዚ ኣኼባ ብሓፈሻ ኩነታት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ናይ ሓባር ጽላል ንምምስራት ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምግንዛብን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታትን ሓበሬታታትን ዘትዩን መዚኑን። ኣኼባ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ናይ ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምሕዝነታት ይፍጠሩ ከም ዘለዉ ክርዳእ ክኢሉ። ካብዚ ብምንቃል ምሕዝነታት ምፍጣሩ ዝድገፍ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ቀዳምነት ሰሪዕካ ክስረሓሉ ዝግበኦ ግና ንኹሉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሳትፍ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናውን ምዃኑ ተረዲኡ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ንኹሉ ምድንጓያትን ዕንቅፋታትን በዲህካ፡ መስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ንምዕዋት ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳብ ዝዕወት ብዘለዎ ዓቕሚ ክቃለሰሉ ድልዊ ምዃኑ ርእዩ።

እዚ ኣኼባ ዝተማኸረሉ ካልእ ጉዳይ፡ እዚ ንመላእ ዞባና ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ዘስግእ ዘሎን ኣብ ኤርትራ ሓያል ጽልዋ ዘለዎን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝተመያየጠሉ እቲ ህልዊ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ እንታይ ከም ዝመስል ርእዩ። ካብ ጉጅለ ህግደፍ ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ትግራይ ዘርእይዎ ዘለዉ ኢድ ኣእታውነት ሓጋዚ ከም ዘይኮነ ኣቐዲሙ ዝተገንዘቦ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ “እቲ ውግእ ብዘተ ክፍታሕ ዝነበረ ተስፋ” ንድሕሪት ምምላሱ ከም ዘተሓሳስብ እውን ርእዩ። ፈጻሚ ሽማግለ ናይቲ ውግእ ሓደጋ ኣብዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ ደረጃ ከይበጽሐ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ  ዝወርድ ዝነበረን ዘሎን ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ተቓዊሙን ፖለቲካዊ ሚዛን ሂቡን፡ ደጋጊሙ “ኣብ ክንዲ ብውግእ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ” ኣቕሪብዎ ዝነበረ መዋጽኦ ሕጂ’ውን ህያው ስለ ዝኾነ ዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ቆላሕታ ክህብዎ ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።

ብዛዕባ መጻኢ ዝምድና ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ ከም ናይ ቀረባ ጐረቤት ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ኣካላት ነናቶም ሓሳብ የንጸባርቑ ከም ዘለዉ ኣኼባ ፈጻሚ መዚኑ። ሰዲህኤ ብወገኑ ኣብቲ ካብ ቅድም ብመሰረት ብጉባአ ዝጸደቐ ናይ ዝምድና ፖሊሲኡ ነቒሉ፡ ኣብ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሓባር ረብሓን ሰላማዊ ጉርብትናን ምትሕግጋዝን ኢድ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ንክኸውን ከም ዝኣምንን ንክዕወት ከም ዝቃለሰሉን  ኣነጺኡ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ዳግማይ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ኩሉ መዳያት ንምዕባለታት ብመንጽር መትከል ሰልፎምን ኣርሒቕካ ምርኣይን እንዳመዘኑ ሰልፎም  ናይ ምሕያል ቃልሶም ብዝለዕለ ናህሪ ክቕጽሉ ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ።

Last modified on Monday, 29 November 2021 11:01