ንሕናን ሃለዋት  ከባቢናን

2021-11-02 14:16:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1234 times

ንዓና ኤርትራውያን ቀደም ኮነ ኣብዚ እዋንዚ ቀዳማይ ዋኒንና እንታይ ምንባሩን ምዃኑን ንጹር እዩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንከለና፡   ቀዳምነትና ናጻነት ሃገርና ምውሓስ ነይሩ ኣረጋጊጽናዮ ከኣ። ንናጽነት ክንቃለስ እንከለና ቀዳማይ ደረጃ ደኣ ኣይነትሕዞ እምበር፣ ብዛዕባ ድሕሪ ናጽነት ኣይንሓስብን ኔርና ማለት ኣይኮነን። ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልስና ከኣ ኣብ ዙርያ “ወያ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ብኸመይ እንተተመሓደረት እያ ረብሓ ህዝባ ዝሕሎ” ብዝብል ዝግለጽ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ማለት ከኣ ንምርግጋጽ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ዝካየድ ቃልሲ እዩ ነይሩ። እነሆ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ መስመር ቃልሲዚ ጸኒዕና ንቕጽል ኣለና።

እዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከምቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ዝካየድ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብናይ ርሑቕን ከባብን ምዕባለታት ዝጽለው እምበር፡ ኣፍደገ ዓጺኻ ዝካየድ ማለት ኣይኮነን። እዚ ምጽልላው ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ምእንቲ ናጽነት ዘካየድናዮ ቃልሲ እውን በቲ ሹዑ ዝነበረ ናይ ዝሑል ውግእ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ይጽሎ ከም ዝነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምስዚ ኹሉ ግና ነቲ ከባብያዊ ጽልዋ እውን በኸመይ ንኤርትራን ህዝባን የርብሖም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝውሰድ ወይ ዝንጸግ እዩ። እቶም ከባብያዊ ሓይልታት እውን ንኤርትራዊ ጉዳይ ብኸምኡ፡ ረብሓኦም ብዘውሕስ ቀጥዒ ከም ዝሕዝዎ ርዱእ እዩ።

ከምቲ “እንተ ክትድቅ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ኣብ ከባቢኻ ዘጋጥም ምዕባለ ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ብጥበብን ውሕልነትን እተመሓድሮ እምበር፡ መንደቕ ነዲቕካ ከይጸልወካ እትዓግቶ ኣይኮነን። ከባቢና ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ ዘይቅሱን ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ዘይቅሳነቱ ካብ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት  ጠቕምታት፡ ስሰዐን ዓብላልነትን ዝነቅል እዩ። ኣብዚ ከባቢና ዘለዉ ከም  ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስርዓታት “ካብ ህውከትን ጣልቃ ኣታውነትን ዝድረሩ”  ምዃኖም ከኣ ነቲ ተሃዋስነት ዝያዳ የጋድዶ። ከባቢ ብሰንኪ ዘይምቕሳኑ፡ ብዝሰዓበ ድሕረት ብድኽነት ተሃስዩ፡ ኢድ ናይ ርሑቕ ሓያላትን ሃብታማትን ዝጽበ ምዃኑ እውን ነቲ ህውከት ዕግርግር ዝውስኽሉ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ጉዳይ ኤርትራ እውን ከም ጉዳይ ካለኦት ምስ ከባቢኡ ተመጋጋቢ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና እንኽተሎ ሜላን እንሕዞ እስትራተጅን፡ ንከባቢና ከም ዝጸልዎ፡ ኣብ ምዕባለ ከባቢና እንሕዞ መርገጽ ድማ ንዘቤታዊ ጉዳይና ይጸልዎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝሓዝናዮ መርገጻት ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ ኣጀንዳና ይጸልዎን ናብ ደውታ የእትዎን ከም ዘሎ ከኣ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ሕጂ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ውግእ ጐረቤትና ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣስጋኢ ደረጃ ከይበጸሓ፡ ድሕሪ ምጅማሩ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ካብ 21 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ክከታተሎን ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱ መፍትሒ ውሳነታ ከመሓላልፈሉን ጸኒሑ። ካብ መጀመርታኡ ጠንቁ ሕገመንግስታውን ፖለቲካውን ፍልልያት ዘንቀሎ ምዃኑ ተረዲኡ። ካብዚ ተረድእኡ ነቒሉ ድማ መፍትሒኡ፡ ሰብኣዊ መሰል ኩሎም ወገናት ብዝሕሉ፡ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተትሉ፡ መሰረታዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ዝበጽሓሉ ኩነታት ብዘውሕስ ዘተ ጥራይ ዝፍታሕ ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓዘ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብቲ ውግእን ዘኸትሎ ሳዕቤንን ሓደገኛ ከም ዝኸውን እውን ብዓንተቦ ኣመልኪቱ እዩ።

ሰዲህኤ ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ሒዙ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ መፍትሒ ሓሳብ ዘቕረበ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ንምጥቃም ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንድሕነት ኤርትራን ህዝባን እውን ንሱ እዩ እቲ መዋጽኦ” ካብ ዝብል ሚዛን ምንባሩ ምስትብሃል የድሊ። ነዚ ሚዛን ሰዲህኤ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኢትዮጵያ ምናልባት ናይ ቅርጽን ዕምቆትን ፍልልያት እንተዘይኮይኑ ኩሎም ይምልከተና ኢሎም መፍትሒ ሓሳብ  ዘቕርቡ ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣካላት ከቃልሕዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እዩ። እንተኾነ እቶም ብቐጥታ ዝምልከቶምን ዝዳመዩን ዘለዉ ሰብ ዋኒን ስለ ዘይተቐበልዎ እቲ ምትህልላቕ ይቕጽል ኣሎ። ሰዲህኤ ሕጂ እውን ብዘይካቲ ቅድም ዝሓዞ መርገጽ ካልእ መተካእታ የለን ኢሉ ስለ ዝኣምን ንዓኡ ተቐቢሎም ተኹሲ ኣቋሪጾም ናብ ዘተ ክኣትዉ ጸዋዒቱ የሕድስ። ናይዚ ምትህልላቕ ደረጃ መመሊሱ ክድይብ እንከሎ ከም ከባብያዊ ተርእዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ረብሓን ህዝብና ብሃላሊ ኣካይዳ ህግደፍ መንእሰያትና ግዳያትዚ ውግእ ጐረቤት ክኾኑ ዝተገደድሉ ስለ ዝኾነ፡ ሓደጋኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኩነታትና ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካዚ ናብ ደማዊ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ፡ ምስሕሓብ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይ፡ ወጥሪ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ሱዳን ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ መስርሕ ምስግጋር ንድሕሪት ምምላሱ፡ ኩነታት ሶማልያ፡ ስግር ኢልካ ከኣ ሃለዋት የመን ክውሰኾ እንከሎ፡ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ”  ከም ዝበሃል፡ ይገድድ እዩ ዘሎ። እቲ ዝያዳ ዘጋድዶ ከኣ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ናይዞም ኩሎም ተዋሳእቲ ዘራያት ገለን ብስዉር ገለን ከኣ ብግሁድ ናብ ከባቢና ይወፍሩ ምህላዎም እዩ። ነዚ ብመንጽር ኤርትራዊ ጉዳይና ክንርእዮ እንከለና፡ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ስርዓት ኢሰያስ ብዝገበሮ ምትእትታው  ካብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ንላዕሊ ብከባቢያዊ ምዕባለ ተጸልዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተፈላለዩ ጫፋት ሒዝና ንተሓማመ ኣለና። እዚ ምውጣጥና ጽባሕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከይድገም እውን ውሕስነት የለን።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ከባብያዊ ጽልዋ መንደቕ ሰሪሕና ከይኣትወና እንኽልክሎ ኣይኮነን። ክንገብሮ ዝግበና ብመዕቀኒ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን መዚንካ ምሓዙ ጥራይ እዩ። ንከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛን ኣገጣጥማን ከባብያዊ ጽልዋ ክንበቅዕ ከነማልኦም ካብ ዝግበኣና መሰረታዊ ቅድመ ኩነታት ከኣ፣ እንተኾነ ንፋስ ዘየእቱ ሓድነት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ምርግጋጽ፡ እንተዘይኮነ ከኣ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና፣ ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ክንጽመድ ንጽባሕ ዘይባሃል  እዩ። ኣብዚ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ክንብል እንከለና፡ ንሓይልታት ለውጢ ማለትና እምበር፡ ህግደፍስ ካብ ጽልዋ ሓሊፉ ናይቲ ብኤርትራዊ ረብሓ ዘይተመዝነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጓይላ  ተኻልን ተዋሳእን እዩ።

Last modified on Tuesday, 02 November 2021 15:20