እቶም ቀዳሞት ሰብ ጉዳይ ከ: እንታይ ንግበር?

2021-09-23 09:42:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1535 times

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ብነዊሕ ውረድ ደይብ ክሓልፍ ዝጸንሐ ሕጂ እውን ካብዚ መስርሕ ወጺኡ “እፎይ” ዘይበለ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ መስርሕ፡ ብዘሕጉስን ዘሕዝንን፡ ተስፋ ዝህብን ተስፋ ዘቑርጽን፡ ዘቕስንን ዘሻቕልን ተረኽቦታት እዩ ክሓልፍ ጸኒሑ። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዘየኸተመ፡ ናይ ክብለጠቕ፡ መድረኻት ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ካብ ዝተሓጐሰሉ ኣጋጣሚ ወርሒ ጉንበት 1991 ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ነዊሕን መሪርን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ኣብ ውጽኢት በጺሑ ናጽነቱ ዘበሰረሉ እዋን ስለ ዝነበረ።  እንተኾነ እዚ እዋንዚ ናይ ሓጐስን ዳንኬራን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ተስፋን መጻኢ ምምዕዳውን እውን እዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብናጽነት ክሕበን እንከሎ፡ ሓበኑ ምሉእ ንክኸውን ዝጽበዮ ተወሳኺ ዕማም ከም ዝነበሮ ኣይዘንገዐን። ምዕዋት ናጽነትን ልኡላውነትን ተረጋጊጹ፡ መግዛእቲ ተወጊዱ፡ ኤርትራ ማዕረ ካለኦት ሃገራት ዝተሰርዓትሉን ንሓድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ኣፍደገ ዝኸፈተሉን መድረኽ ነይሩ እምበር፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ቁስሊ ሓውዩ፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት መፍትሒ ሒዙ ዝመጸ ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ። መግዛእቲ ስዒርካ እዞም ዘቤታዊ ጸገማት  ዝፍትሕሉ መደባት ምውዳድ እቲ ዝቕድም ስራሕ ክኸውን  ተስፋ ምሕዳር ከኣ ውሁብ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘቤታዊ ጸገማታ ምፍታሕ ክኸብዳ  እዩ ኢሉ ዝግመት ኣይነበረን። እንተኾነ፡ ጉዳይ ሃገር ካብ ኢዱ ወጻኢ ኮይኑ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ተዓዲሉ፡ “ናጽነትካ ኣምጺአልካ” ኢሉ ዝተነየተ መሪሕነት፡ ኣይኮነንዶ ካብ መግዛእቲ ዝኸፈአ ክኸውን፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ከይዕንቅፍ ኢልካ ክትጥርጥሮ ዝግመት ኣይነበረን።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት ጉጅለ ህግደፍ ንጸገም ህዝቢ ክንድቲ ክወሃቦ ዝግባእ ክብደት ዘይምሃቡ ዓቕሚ ስለ ዝጐደሎ ዝመስሎም ብዙሓት እዮም። እቲ ጉጅለ እውን ንኹሉ ናይ ህዝብና ቅንዕናን ተስፋን መዝሚዙ ንኩሉ ሓጥያት ናብቲ ዝተሳዕረ መግዛእትን ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ቀጥታዊ ኢድ ዘይነበሮም ምዕራባውያን ኣካላትን እዩ ዘላግቦ ነይሩ። ግዜ እናነወሐ ምስ ከደ ግና፡  እቲ ጉጅለ ህዝባዊ ሕቶ ዘይምልስ ሰኣን ዓቕሚ ዘይኮነስ ኣንጻር ባህጊ ህዝቢ ምዃኑ ዝርድኡን ነዚ ኩነታት ንምቕያር ዝቃለሱን ወገናት ተበራኺቶም። እቲ ጉጅለ ኣብቲ መስርሕ ግዜ ምስ ነወሐ እቲ ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ ቂመኛ ጸረ ህዝቢ ባህሪኡ ንሓዋሩ ክሓብኦ ስለ ዘይከኣለ፡ ብተግባር ከርእዮ ተገደደ። ንሕቶ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዝምለስ፡ ወይ ከኣ ስለምንታይ ከም ዘይመለሰ ኣብ ክንዲ ብጋህዲ ዘረድእ ናይ “ምሕባእን ኣፍኩም ሓዙን” ፖሊሲኡ ብሰፊሑ ኣተግበረ። እቲ ካልእ ዝተኸተሎ ሓደገኛ መንገዲ ድማ ምስ ህልውናን ዘይህልውናን ኤርትራ ዝተሓሓዝ ዝመስል መሻቐሊ ምስምሳት ፈጢሩ፡ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ብምኽፋት ህዝቢ ዘዳህልል ድራማዊ ኣንፈት መጠምዘዚ ፈተነታት ኣካይዱ። ኣብዚ ድራማዊ ውግኣት እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን  ህዝቢ ካብቲ  ሃገር ናይ ምዕራይን ምህናጽን ኣጀንዳኡ ምውጻኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ውግኣት ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ ዝኸፍል እውን ህዝቢ ምንባሩን ምዃኑን እዩ።

ጉጅለ ህግድፍ ነቲ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ክሓባብኦ ምስ ጸንሐ ደሓር ግና ኣብ ግሁድ ውግእ ኣንጻር ህዝቢ ኣትዩ። ናይታ ሓንቲ ከም ሓሙስ ዝነበረት ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ምዕጻው፡ ግዱድ ዕስክርና ምእዋጅ፡ ዜጋታት ዝኣመንሉ ሃይማኖት ከይክተሉ ምእጋድን ካለኦት ኣዕነውቲ ውሳነታቱን እቲ ጉጅለ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ከም ዝኣወጀ ካብ ዘርእዩ ምልክታት ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ እውን ግብራዊ ቀያሪ ዓቕሚኳ እንተዘይነበሮ እቲ ጉጅለ ኣንጻሩ ውግእ ከም ዝኣወጀ ክርዳእ ከኣል። “ምምሕዳር ናይዚ ጉጅለ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝኸፈአ እምበር ዝሓሸ ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ከኣ ኣብ ኣደባባያት ዘይኮነ፡ ኣብ ስቱር ኩርነዓት ብደረጃ ኣሽሙር ከይተረፈ ክጓዝም ከኣለ።

ምስዚ ኩሉ በቲ ሓደ ወገን እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል ናይ “ንሓደ ዓመት ጥራይ ግዜ ሃቡና           ንልምዓትን ሰላምን ዝምልከት ከነርእየኩም ኢና” ዝብል ቃል ካብ ምእታው ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ በቲ ኢሳያስ ንሓንሳብ ኣብ ዓመት ንሓንሳብ ድማ ካብኡ ኣብ ዝነውሕ ግዜ ኣብ ተለቪዥን እናቐረበ ምስ በዓል ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ  ነታባይን ሃለው ዝብሎ ዝረአ ዝነበረ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ገለን ኮነ ኢሉ እቲ ጉጅለ ህዝቢ ንምድንጋር መዳህለሊ ዕጥቂ ኣስኒቑ ዘዋፈሮም፡ ገለን ከኣ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ናይ ተስፋ ግዜ ነቲ ጉጅለ ሓንሳብ “ጀግናና” ምስ በልዎ፡ ቀጻሊ ፍጻመታት ምክትታል ብዝሰኣኑ ወገናት “ግዜ ጥራይ ንሃቦ። ሎሚ ደኣ ሃገር ኣብ ጸገም እንድያ ዘላ። ሽዑ ተኣምር ከርእየና እዩ” ዝብል ድምጺ ይስማዕ ነይሩ። እዚ ከምቲ “ብዘበን ውበ ዝጸመመ ውበ ክብል ነበረ” ዝበሃል እዩ። ብግብሪ ግና እቲ ጉጅለ ኣይኮነንዶ በብግዜኡ ይኣትዎ ዝነበረ ቃሉ ኣኽቢሩ ከተግብር ደጋጊሙ ናብ ዝገደደ ኣቕጣጫ ክኸይድ እዩ መሪጹ።

ከምዘይበቕዖኳ ግምት ብዙሓት እንተነበረ፡ ገለ ወገናት ግና፡ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን፡ ኣይኮነንዶ ምስኡ ክትነብር፡ ብዛዕባኡ ክትዛረብ’ውን ዘደንጹ ጸገማት ክፈትሕ ዝተጸበይዎ ነይሮም። እንተኾነ ከምቲ “ትውሕጦ ተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጉዳዩ ከየድመዐ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትግራይ ኢድ ምእታዉ ብዙሕ እናዛረበናን እናሰክፈናን፡ ጎንደርን ወሎን ከም ዝበጸሐ ይንገረና ኣሎ። እዚ ንድሕነትን ቀጻልነትን ዲክታተር ኢስያስ ዝኽፈል ዘሎ ኣብራሲ ዋጋ ብምዃኑ ዝይዳ ኣርሒቑ እንተኸደ እውን እንጽበዮ እዩ። ወዮ ህዝብን ሃገርን ከድሕን እምነት ከነንብረሉ ዝጸናሕና “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ” ሎሚ’ውን ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸሰሶ ራስያ ኣብ ጐንደር’ውን ከም ዝደገሞ ይስማዕ ኣሎ። ብመንጽርዚ እቲ ጉጅለ ጸረ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዞባዊ መንሽሮ ኮይኑ ምህላዉ ባዕሉ የርእየና ኣሎ።

ኣብዚ እቲ ዘተሓሳስብ ኣብ ከምዚ ደረጃ ናይ ጥፍኣት ጫፍ ምብጻሑ እቲ ሓደ ገጹ እዩ። ናይቶም ኤርትራ ንክርህዋ ንቃለስ ዘለና ፍልልያት ናይ ምስካም ዓቕምና ደኺሙ፡ ናይ ሓባር ድምጽና ጠፊኡ ኣብ ገዛእ ጉዳይና ተዓዘብቲ ምዃን ከኣ እቲ ካልእ ገጹ እዩ። ወያ ናይ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳነ ናይ ምምካት ኣብነት ኮይና ዝነበረት ኤርትራ፡ ሎሚ ዝኾነ ሕብሪ ለኻኺኻ ከተዕርዮ ኣብ ዘይከኣል  ዝርዝር ወረርቲ ምስፋራ የሕዝን። ሕብረተ-ሰብ ዓለም ከምኡ ምግባሩኳ ሓድሽ እንተዘይኮነ፡ ነቲ ጉጅለ ተደራራቢ እገዳታት ብምንባር ናይ ምዕጋሱ ስጉምቲ ጀሚራ ኣላ። ዓለም ካብ ሰብኣዊ ሕልና ነቒላ እዚ ካብ ገበረት ንሕና እቶም ቀዳሞት ሰብ ጉዳይከ፡ እንታይ ንግበር? እዚ ሕቶ’ዚ ጽባሕ ዘይኮነ፡ ሎሚ ክንምልሶ ዝግበኣና እዩ።

Last modified on Thursday, 23 September 2021 11:46