መንእሰይ ዋሕስ ቀጻልነት እዩ

2021-05-12 19:11:35 Written by  ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2077 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ብናይ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ እዩ ዝመጽእ። ምኽንያቱ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ በቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ተሃሳዪ፡ በቲ ዝመጽእ ለውጢ ከኣ ተጠቃሚ ስለ ዝኾነ። እቶም ኣብዚ እዋንዚ መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ህዝቦም ዘበሳብሱ ዘለዉ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታን እውን ኣንጻር ጠቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት እምበር በቲ ጨቋኒ ስርዓት ተጠቀምቲ ኣይኮኑን። ነዚ ብምርዳእ ኢና ከኣ ነዞም ኣብ ግጉይ መንገዲ ዘለዉ ኣካላት ወትሩ ሕቖ ናይቲ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቦም ክኾኑ ንጽወዖም። ከምኡ እውን ኢደ-በይዛ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ንነብሶ ሓራ ክኾኑ እንምሕጸኖም። ካብኡ ናብኡ ከኣ ግደ መንእሰይ ኣብዚ ዘለናሉ ወሳኒ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝያዳ እዩ።

ኣብዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ብዛዕባ ተሳትፎ ክንሓስብ እንከለና፡ ቆላሕታና ኣብ ግደ መንእሰይን ጓለንስተይትን ዝያዳ ነዕዝዝ። ናይዚ ምኽኒያት ብሩህ እዩ። ጓለንስተይቲ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት፡ መንእሰይ ብሓፈሻ ከኣ ናይ ዝሓለፈ፡ ዘሎን መጻእን ናይ ምስግጋር ድንድልን መላግቦን ኮይኑ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ሰለ ዘለዎ። መንእሰይ ቅድሚኡ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ካብ ዝጸንሑ ተረኪቡ ከቕጽል እሞ፡ ሎሚ ቃልሲ ክዕወት፡  ጽባሕ ከኣ  ምህናጽ ሃገር ህያው ክኸውን ሓላፍነቱ ወሳኒ እዩ። ንመንእሰይ እዚ ታሪኻዊ ናይ ምስግጋር ሓላፍነት'ዚ ከም  ውዱእ ተሰሪሑ ዝወሃቦ ዘይኮነ፡ ብቓልሱ ዘረጋግጾ እዩ።  ቃልሱ ካብቲ ክርከቦ ዝግበኦ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ መጻኢ ካብ ህልዊ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምግባሩ ሓለፍነት እውን ዝውስኽ እዩ። መንእሰይ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዝህልዎ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ምዕባለ ንጽባሕ እውን ከምቲ ዘለዎ ሒዝካዮ ንምጉዓዝ ዘይኮነ ዝሓሸ ጽባሕ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ዘሰክሞ ስለ ዝኾነ። ኣብ ጽባሕ ኮይንካ “ዓሚ ይሓይሽ” ዝበሃለሉ እንተኮይኑ ግና እቲ ናይ መንእሰይ ናይ ምቕጻልን ምስግጋርን ሓላፍነት ምሉእ ኣይከውንን።

ኣብ መንጐ እቲ ሕድሪ  ዘረክብ ነባርን ሕድሪ ዝርከብ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይን ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ከጋጥም ንቡር እዩ። እቲ ሓደ ኣብ ናይቲ ካልእ ዘይምዕጋብ ምኽንያቱ ካብቲ ዝዋስእሉ መድረኻትን ዘስንዮ ምዕባለታትን ባህሪ ዝነቅል ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተፈልጠ እዩ። ንኣብነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደሉ ግዜን ሎሚ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ነካይደሉ ዘሎና መድረኽን በበይኑ ባህሪ ናይ ቃልሲ  ዘለዎም እዮም። ናይ ሽዑን ናይ ሎሚን መንእሰይ ከኣ በበቲ ናይ ንእስነቱ ግዜ ምዕባለታት ክጽለው ናይ ግድን እዩ። እዚ መድረኻት ዝፈጥሮ ፍልልይ፡ ልቦና፡ ሓላፍነትን ቅሩብነትን እንተልዩ ብቐሊሉ ክተዓረቕ ዝኽእል ንቡር ተረኽቦ እዩ። እቲ ዘይስገር ሓቂ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ መንጎ ኣረካብን ተረካብን፡ ምውጣጥን ዘይምትእምማንን ሓደሓደ እውን ምክሕሓድ እንተጋጢሙ ከኣ ቅቡልን ሓጋዝን ኣይኮነን። በቲ ኮነ በዚ፡ እቲ መስርሕ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ንናይ መንእሰይ ተረኪብካ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዝዕግቶ የለን። ምርኽኻብ መስርሕ እምበር ኣብ ውሱን ናይ ቆጸራ ግዜ ዝትግበር ከምዘይኮነ ምርዳእ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ኣብ ምርኽኻብ ዝፍጠር ምፍሕፋሕ ዘፋኹሶን ንመጻኢ ዝያዳ ብሩህ ዝገብሮን ኣብ መንጎ ኣረካብን ተረካቢ ሕድርን  ምትእምማን ክህሉ እንከሎ ጥራይ እዩ። እቲ ኣረካቢ፡ መንእሰይ ሕድረይን ውርሻይን ብግቡእ ከቐጽለለይ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ክሓድሮ ይግባእ። እቲ መንእሰይ ተረካቢ ከኣ ነቲ ዝርከቦ ሕድርን ውርሻን ከቐጽል እምበር፡ ንኹሉ ዝሕለፈ ክኹንን፡ ክነጽግን ከቆናጽብን ዝህንደድ ከይምዘይኮነ ከረጋግጽ ይገበኦ። እዚ ማለት ግና እቲ ሕድሪ ተረኪብካ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ፡ ካብቲ ዝርከቦ ውርሻ ነየናይ ከቐጽል ነየናይከ ይገድፍ  ምእንቲ ክውስን ናይ ምምዛንን ምምማይን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ንመንእሰይ “ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ” ዘብሎ፡ በቲ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ በዓል ንኡስ ዕድመ ኮይኑ ስለዝጎይን ኣካላዊ ብርታዔ ስለ ዘለዎን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ መንእሰይ ዘብሎስ፡ ብናይ ትማሊ ፍጻመታት ጥራይ  ዘይእሰር፡ ንሎሚ ብግቡእ ዝመዝን፡ ዝሓሸ መጻኢ ዝእምትን ክኸውን እንከሎ’ዩ። መንእሰይ ናይ ምቕጻል ወይ ምስግጋር ሓላፍነት ኣለዎ ማለት ንናይ ሎሚ ከም ዘለዎ ናብ ጽባሕ ምውሳድ ማለት ከምዘይኮነ ኣሚትና ኣለና። ነቲ ሎሚ ዘየለ ጽባሕ ክፍጠር ዝኽእል ምዕባለ ዝምጥን ኣተሓሳስባን ቅሩብነትን ከመንጭው ክበቅዕ ሓላፍነቱ እዩ። ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና ዓመታት ጸብጺብካ ብዕድመ  መንእሰያት ዘይኮኑ፡ ብኣተሓሳባ ግና ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ዘመዓዱ ግንዛበ ዘለዎም ናይ ዕድመን ተመኩሮን ሰብ ጸጋ ከም ዘለዉ፡ እቲ መንእሰይ ክርዳእ ይግበኦ። እቲ ካብቶም ዘረክብዎ ክወርሶ ዝግበኦ ጸጋ ከኣ እዚ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሎሚ ግና ዘየድሊ ጸገም ኣብ ምጽብጻብ ግዜኡን ዓቕሙን ዘባኽን፡ ንጌጋታት ከም ዘለዎ ዝደግም፡ ንመጻኢ ዘየሰጉም ጸቢብ ዝንባሌታት መሊሱ ዘዕኩኽ፡ በታ ተፈጥሮኣዊት ናይ ዕድመ ንእስነት ዕድሉ ጥራይ ዝንየት መንእሰይ ናይ ቀጻልነት ዋሕስ ኣይኮነን። ስለዚ ሓላፍነት መንእሰይ ንስሙ ምቕጻል ዘይኮነ፡ ናብ ዝሓሸ ምቕጻል እዩ።

መንእሰይ ንኣቐጻልነት፡ ተደለየ ዝቕበሎ ተዘይትደለየ ከኣ ዝገድፎ ኣይኮነን። እዚ ካልእ ዘይስከመሉን ክሃድመሉ ዘይክእልን ትውልዳዊ ሓላፍነቱ እዩ። እቲ ንመንእሰይ ሓላፍነት ዘሰክም በዓል ሃብታም ተመኩሮ እውን ከምኡ ናይ ምርካብ ግደታ ኣለዎ። እዚ ምርኽኻብ እንተዘየልዩ ቀጻልነትን ንቡር ምስግጋርን ወለዶታት ክህሰ ይኽእል። ኣብዚ እዋንዚ ናይቲ ካብ ህዝብና ከባቢ 70% ምዃኑ ዝንገረሉ መንእሰይና ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ  ፋሕጭንግራሕ ምባል ኣዝዩ ዘተሓሳስበና  ከኣ ካብዚ ስግኣትን ሓደጋን ዝነቅል እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ምስኩሉቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዘጋጠሞ ጸገምን ብሰንኩ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ምግዳዱን ሓላፍነቱ ከይፍጽም ከም ዘጸግሞ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ንኹሉ ክኢሉ ከካብቲ ዘለዎ ኩርናዕ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ፡ ዘመስግኖ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጌና ብዙሕ ከም ዝተርፎ ተገንዚቡ ዝያዳ ክጽዕር ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ዕማሙ’ዩ።

Last modified on Wednesday, 12 May 2021 21:16