ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ መኸተ

2020-08-30 08:40:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2538 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ ናብ መበል 59 ዓመት (1961-2020) ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ መኸተ በጺሕና። ኣይኮነንዶ ንከም ባሕቲ መስከረም ዝኣመሰለ ቀያሪ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ;፡ ንካልእ ኣውንታዊ ተመኩሮ ዝተመዝገበሉ ኣጋጣምታት እውን ምምጓስን ሰናይ ምምናይን ልሙድ እዩ እሞ “ዮሃና እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ኣብጸሓና” እናበልና ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ባሕቲ መስከረም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ምሉእ ናጽነት ዝተጀመረላ ዕለት ጥራይ ዘይኮነት፡ እቲ ተኸታታሊ ቃልሲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝተሰጋገረላን እቲ ዝበለሐ ብረታዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝተበሰረላን ሽግ ዓወት ዝወለዐትን እያ። ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ብዓቕሙን ሓያል ዘራዩን ኣዝዩ ዝበልጸካ ኣካል፡ ኣይኮነንዶ ደፊርካ ክትጅምሮ ክትሓስቦ እውን ዘጸግመሉ ዝነበረ ኩነታት “ንናይ ጽባሕ ብርሃን፡ ናይ ሎሚ ጸልማት ተቓሊስካ ምስዓር።” ብዝብል ኒሕ ንዘበሰርዎ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ጀጋኑና ዘለና ዘይሃስስ ክብሪ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ እሞ “ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንዓኣቶም ይኹን።”

ከምቲ ዘይተጀመረ ኣይውዳእን እዩ ዝበሃልን፡ ሀንሪ ዎድስን ዎርዝ ሎንግ ፌለው ዝተባህለ ፈላጥ፡ “ምጅማር ዓብይ ብቕዓት እዩ፡ ዝጀመርካዮ ምፍጻም ከኣ ኣዝዩ ዝዓበየ ብቕዓት እዩ።” ዝበሎን እቶም ኣሰር ናይቶም ጀመርቲ ስዒቦም ሓደ እንዳወደቐ እቲ ካልእ እንዳተተከአ ብኣዝዩ ኩርኳሕ ዝመልኦ መንገዲ ተጓዒዞም፡ ክሳብ ብርሃን ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘቐጸሉ፡ ህሉዋት ሓርበኛታትን ሰማእታትን ኤርትራ እውን ኣብዚ መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ መኸተ ንዝክረሉ ዘለና ክምጐሱ ንቡር እዩ። በቲ ብሰንኪ ጥልመት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕድሪ ጀጋኑና ብኸምቲ ዝተጸበይዎ ዘይምትግባሩ ከኣ ንሓዝን። ሓዘን መፍትሒ ስለ ዘይኮነ ከኣ፡ ዝተጠልመ ሕድሮም ናብ ቦታኡ ክንመልስ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ክንቅጽሎ ምዃና ባሕቲ መስከረም ቃልና እነሕድሰላ ኣጋጣሚ እያ።

ዓመት መጸት ንባሕቲ መስከረም ክንዝክር እንከለና፡ ነቲ ዝሓለፈ፡ መሪርን ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ዘኽኣለን ጉዕዞ ቃልሲ ከነቕልበሉኳ ንቡር እንተኾነ፡ ቀንዲ ጠመተናስ ናብዚ ዘለናሉ ሃለዋትን ዝጽበየና ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን እዩ ዝኸውን።  እዚ ማለት ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንዘለናሉ ኩነታት ብግቡእ ምምዛን፡ ካብዚ ሚዛን ነቒልና ከኣ መጻኢ ዕማማትና ምንጻርን ንምትግባሩ ዘይጥለም ቃል ምእታውን ዓቕሚ ምጥራይን እዩ። ምኽንያቱ ምትላም ብዘይተመጣጣኒ ተግባር ትርጉም ስለ ዘየብሉ።

ሃለዋትና ብመንጽርቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ብጉጅለ ህግዲፍ ብፍላይ ከኣ ብውልቀ-መራሒኡ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ በቲ ሓደ ወገን፡ ብመንጽር ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓን በደልን ስዒርካ ናብ ሰናይ ዘበን ንምስጋር ዝግበር ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ ወገን ክድህሰስ ይግበኦ። ህልዊ ኩነታትና  ሓጺናዊ ኣርዑት ወጽዓ መግዛእቲ ህግዲፍ መሊሱ ዝተረረሉ፡ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ካብቲ ዝጸንሖ ዝያዳ ኣብ ዝበረኸሉ፡ ግና ከኣ ኣብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ደረጃ ኣብ ዘይበጻሓሉ ምህላውና እዩ ዘርኢ። ስለዚ ቀንዲ ቆላሕታና ናብቲ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብናዮ ውጽኢት ዘይኮነ፡ ናብቲ ዝተርፈና ምምጥጣር ክኸውን ይግበኦ። ባሕቲ መስከረም ከኣ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ዕማማት ንምዕዋት  ቃልናን ቅርቡናትናን ደጊምና እነሕድሰላ ኣጋጣሚ እያ።

እዛ ናይ ሎም ዘበን ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ መኸተ፡ ካብተን ካልኦት ናይ ድሕሪ ናጽነት ባሕቲ መስከረማት ፍሉይ ዝገብራ ኩነታት የንጸላሉ ኣሎ። እቲ መኸተ ፋይል ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ተዓጽዩ፡ ናይ ክብሪ ቦታኡ ሒዙ ኣሎ ኢልናዮ ዝነበርና፡ ብሰንኪ ህግዲፍ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ዘርባዕባዕን ሓቢእዎ ዝጸንሐ ሸርሒ ንቕድሚት ምምጻእን ዳግማይ ከይክፈት ኣብ እንስከፈሉ ህሞት ምህላውና ፍሉይነት ኣለዋ። ከምቲ “ዘፋነኻዮ ጋሻስ ኣይመለስካ” ዝበሃል፡ ብሰንክቲ ኢሳያስ ሓቢእዎ ዝጸንሐ እኩይ ብልኡላውነት ኤርትራ ዝጣላዕ መዛግብ ውዲት ክግንጽል ምፍታኑ ብጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ እንስከፈሉ እዋን ኢና ንመበል 59 ዓመት ባሕቲ መስከረም እንዝክራ ዘለና።

እዚ ከኣ ነቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ ጸዓትና ከቢድን ተደራራብን ይገብሮ። እንተኾነ ዝያዳ ጽንዓትን ሓድነትን ደኣ ይሓተና እምበር፡ ሕዱር ተንኮል ኢሳያስን መዳኸርቱን ግብራዊ ኮይኑ፡ ዝተዓጽወ ፋይል ስዑራት ጸረ ናጽነት ኤርትራ ህይወት ክሰኩዕዩ ማለት ዘበት እዩ። ነዚ ተደራራቢ ብድሆታት ብተደራራቢ ትብዓትን ድልዱል ሓድነትን ከም እንብደሆ ዘመልክት ኣብ ቅድሜና ጋና ከነዕኩኾ ዝግበኣና ብሩህ ዕድላት ኣለና። ሓደ ካብቲ ዕድላት፡ ብሓፈሻ ብዝተፈላለዩ ደረጃ ውዳበታት ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ  ስምምዓት ኣብ ወረቐት ምኽታም ስምምዓት ሓሊፎም፡ ብግብሪ ዝዋስኡ ሓባራዊ ሓይልታት ዕማም ምምስራት ምብጸሖም ሓደ ካብ መግለጽታት መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ምህላዉ እዩ። ብዓቢኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብናይ ህግዲፍ ናይ ሓሶት ስብከት  ኣብ ዘይታለለሉ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ካልእ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ናይ ምዕዋትና ብሩህ ተስፋ እዩ።

 ከምቲ ኤርትራውያን፡ “ውሑዳትን ሰብ ውሱን ዓቕምን ክነስና፡ ንብዙሓትን ክሳብ ኣፍንጫኦም ዝተዓጥቁን ናይ ምስዓርና ምስጢር ሓድነትና እዩ” እንብሎ፡ ምስጢር መጻኢ ተዓዋትነትና’ውን ካብዚ ወጻኢ ኣይኮነን። ካብ ኢሳያስ ጀሚርካ ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ነዚ ምስጢር ዓወትና ስለ ዝፈልጥዎን  ዝፈርሕዎን ንዓና ከፋፊሎም ንምስጢር ዓወትና ትርጉም ከስእንዎ ካብ ምህቃን ዓዲ ከምዘይውዕሉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ከተንበርክኾ ንእትደሊ ሓይሊ ከም ቅድመ-ኩነት ሓድነቱ ናይ ምድኻም ተንኮል፡ ኣባና ጥራይ ዝፍተን ዘይኮነ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ “ነቲ ሕልሚ ባሕቲ መስከረም ኣብ ምግሃድ ወሳኒ ግደ ዝነበሮን ኣብ መጻኢ ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞና እውን ወሳኒ ቦታኡ ንዘይስገር ሓድነት፡ ልዕሊ ኩሉ ጠሚትና በትብዓትን ጽንዓትን ክንሰርሓሉ ናይ ግድን  እዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

30 ነሓሰ 2020

Last modified on Sunday, 30 August 2020 10:49