ትጽቢት ህዝብናን፡ ኣካይዳ ህግዲፍን፡ በበይኑ’ዩ።

2020-07-27 18:44:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2269 times

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ክጅመር እንከሎ፡ ሸቶኡ ምውሓስ ናጻ፡ ልኡላዊትን ራህዋ ዝዓሰላን ሃገር እዩ ነይሩ። ኣብዚ ውጥንን ትጽቢትን ኣብ ኤርትራውያን ፍልልይ ኣይነበረን። እቲ ሸቶ ሓደ ኮይኑ ኣብ ኣተገባብራኡ ግና መሰረታዊ ዘይኮነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ነይሩ። እዚ ፍልልያት ከኣ ኣብቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዝነበረ ኣካላት ተንጸባሪቑ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ መስርሕ ዝተንጸባረቐ ፍልልያት፡ ነዚ ሎሚ’ውን ኣብ ቃልሲ ዘሎ ወለዶ ትምህርቲ ክኸውን ዝኽል ተመኩሮ ተራእዩ። እሞ ነቲ ተመኩሮ ክንመሃረሉዶ በቒዕና  ኣይበቓዕናን ብውልቂ ይኹን ብውዱብ ደረጃ ክንሓስበሉ ዝግበኣና እዩ።

እቲ ናይዚ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ቃልሲ ናብ ናጻ  ኤርትራ ወሳኒ ተዋሳኢ ዝነበረን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ቃልሲ እውን ቦታኡ ዘይለቐቐ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ “ክዕወት ድዩ ኣይዕወትን?” ኣዘራራብን ናይ ብዙሓት ሰብ ረብሓ ኣጀንዳን ዝነበረ ቃልስና ክኣቱ እንከሎ፡ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ብሩህ ትጽቢት ነይርዎ እዩ። ካብቲ ትጽቢታቱ፡ እታ ብቃልሱ ዳግማይ እትውለድ ኤርትራ፡ ልዕልና ህዝቢ ብዘንጸባርቕ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት እትመሓደር፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ኩለ-መዳያዊ ቁስሊ ህዝቢ ኤርትራ እተሕውን፡ ንብዓት ኣደታት ስዉእ እትሕብስን እትድብስን ክትከዉን ባህጉ ነይሩ። መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ኤርትራውያን እተኽብር፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝሰፈናን ደቂ ሓርበኛታት ተማሂሮም ሕድሪ ኣቦታቶም ዘተግብሩላ ብሓርበኝነት ወለዶም ዝሕበኑላን ክትከውን እውን ኣብ ዝርዝር ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ነይሩን ኣሎን። ኤርትራውያን ብሰንኪ’ቲ ውግእ ምእንቲ ናጽነት ዝተኾልፈ ቁጠባ ሃገሮም ንምሕዋይ ዓቕሞምን ንብረቶምን ኣውፊሮም ብጸጋታት ሃገሮም ማዕረ ተጠቀምቲ ዝኾኑላ፡ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ጐረባብታ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ኢድ ዘይምትእትታውን እተሰረተ ሰላምን ልምዓትን ብዝማእከሉ ዲፕሎማስያዊ ቅዲ እትምራሕ ኤርትራ ምርኣይ ትጽቢት ህዝብና ነይሩ።

እቲ ድሕሪ ኤርትራ ብሳላ ደቃ ምብጃዎም ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ምድፍኣ ብግብሪ ዝተራእየ፡ ሕጂ ከኣ መመሊሱ ዝብእስ ዘሎ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ ግና ምስቲ ብኸፊል ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ዝጻረር እዩ። ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዝሳዕረረሉ፡ ውልቀ ዲክታቶር ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ ከም ንቡር ዝተወሰደሉ፡ ሕድሪ  ስዉኣት ትርጉም ዝስኣነሉን ብመስዋእቲ ደቀን ዘይተደበሳ ኣደታት ንደቂ ስዉኣት ደቀን ኣብ መንገዲ ናብ ስደትን ኣብ ዓዲ ስደትን ብዘጋጥሞም ሓደጋታት ዳግማይ  ዝሓዝናሉ ኩነታት ካብ ዝህሉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ወዮ ኤርትራዊ ንክቃለሰ ቀንዲ ደፋኢ ዝነበረ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምግሃስ ሓሊፉ ኣብ ዝተረሰዓሉ፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ጐዲሉ ዘይኮነ ፈጺሙ ኣብ ዘየለወሉን መንእሰያት ኩሉ መዳያት ህይወት ጸልሚትዎም ሃጽ ኢሎም ሃገር ኣብ ዝለቅሉ ደረጃ ካብ ዝበጽሑ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት ትንፋስ ክሰኩዕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቁጠባ ኤርትራ ብሰንኪ ስስዐ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝደኸመሉ ዘይኮነ ትንፋሱ ኣብ ዝሓለፈሉ፡ ሰማእታቶም ብልምዓትን ቁጠባዊ ቀጻልነት ክኽሕሱ ተዓጢቖም ዝነበሩ ኣውፈርቲ ደቂ ሃገር ኣብ ሃገሮም ተስፋ ቆሪጾም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም እንዳማቶም ሃገራት ክሃንጹ ኣብ ዝተገደድሉን ኤርትራ ኣብ ዞባና ከም ጻሕታሪ ህውከት ኣብ እትጥቀሰሉን ኣንጻር ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኣካይዳ ህግዲፍ ኣብ ዝተሸኽለትሉ ኢና ንርከብ ዘለና።

ከምቲ “እተጽግበኒ ቅጫስ፡ ካብ መቑለኣ እፈልጣ” ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ህግዲፍ ናቱ ከምዘይኮነ ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህግዲፍ’ውን ከምኡ ኣካይዳኡ ንባህጊ ህዝብና ከምዘየንጸባርቕ ስለ ዝፈልጥ ንህዝብና ካብ ልቡ ካብ ዘውጸኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ በብግዚኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክወርድ ዝጸንሐ ማእሰርትን ግህሰታትን ከኣ ናይዚ ኣብነትዩ።  ህዝቢ ኤርትራ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ነቲ ኣንጻር ትጽቢቱ ዝኸይድ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ምውጋዱ ምዃኑ ተገንዚቡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። እቲ ቃልሲ ሎሚ እውን እኳደኣ ብዝሓየለ መልክዑ ቀጻሊ ኣሎ። ንመጻኢ እውን ክሳብ ዓወት ህያው እዩ። ህልውና ኤርትራዊ ፖለቲካዊ፡ ሰልፋዊ ውድባዊ፡ ሲቭላውን ህዝባውን ተቓውሞታት ኣካል ናይዚ ለውጢ ንምምጻእ ኣንጻር ህግዲፍ ተሰሊፉ ዘሎ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይዚ በብኹርናዑ ዝቃላሕ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ድምጺ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ምዕዋት ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዘይተርፍ እዩ።

ህግዲፍ ነዚ ዘይተርፍ ህዝባዊ ዓወት ኣሜን ኢሉ ክቕበል ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ፡ ክሳብ መወዳእታ ዕርበቱ ነቲ ምዕልባጥ ክቕጽሎ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ተረቲዑ ክነሱ  ኣይተረታዕኩን ንምባል እነሆ ሎሚ’ውን፡ ንኤርትራዊ ዛዕባ ረጥሪጡ ቀዳምነቱ ኣብ ዘይኮነ፡ ህዝብና ኣብ ዘይርበሓሉን ዋናታቱ ኣብ ዘለዉዎን  ኣጀንዳታት የላኽዕ ኣሎ። ህግዲፍ ኣብ ኤርትራዊ ሜዳ ክጨንቆ እንከሎ መዕገሲ ገይሩ ዝወስዶ፡ ጽልኢ ጻሕቲርካ ኣብ ጐንጺ ምእታው’ዩ። ኤርትራ ኣብ ግዜ ህግዲፍ፡ ኣንጻር፡ ሱዳን በተደጋጋሚ፡ ኣንጻር የመን፡ ኣንጻር ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ውግኣትን ዘኸተልዎ ጉድኣትን ብመንጽርዚ ዝረኣዩ እዮም። ህግዲፍ ሕጂ እውን በዚ መንገዲዚ እንተቐጸለ ንዓኡ ንቡር እዩ። “ ሕጅስ ኣብዚሕካዮ ደጊም ይኣኽለካ” ኣብ ክንዲ ምባል ንዘዝበሎ እንዳደገሙ ሎሚ’ውን “ንኺድ ጥራይ” ዝብልዎ ኤርትራውያን እንተልዮም እቲ ጸገም ናይቲ ዲክታቶር ጥራይ ኣይክኸውንን’ዩ።

እስኪ ኩሉ ገዲፍና ሓደ ጉዳይ ንውሰድ። ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታት ዝነብር ዝብላዕ፡ ዝስተን ካልእ መሰረታዊ ቀረብን ኣብ ዘየብሉ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ፍርቂ ጐኑ ኣብ ሃገሩ ስለ ዘሎ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸበባ ክሳብ ክንደይ ዘሻቕል ምዃኑ ምርግጋጹ ዘጸግሞ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣካይዳ ህግዲፍ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምንጽብራቕ ዕላማ እንተዝህልዎ፡ ምስ ሱዳን ከምቲ ብማዕከናት ዜና ዝንገር ዘሎ፡ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነትን ምኽፋት ዕላምኡ ዘይተነጸረ ወተሃደራዊ መደበራትን ኣይመኾነን። ብኣንጻሩ ብዛዕባ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ናብ ኤርትራ ቀረብ ዝኣትወሉ ኩነታት ምፍጣርን ክኸውን መተገብኦ። ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እምበኣር ምስቲ ናይ “ህዝብና ህይወት ናይ ምድሓን ትጽቢት” ዘሳኒ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ናይ ህዝብና ህልቂት ዝዕድምን ኤርትራዊ ክብርና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን መንገዲ እዩ። እሞ ኣየንኡ እዩ ክዕወት? ናይ ህዝብና ናይ ራህዋ ትጽቢትዶ ወይ ናይ ህግዲፍ ኣዕናዊ ኣካይዳ? እዚ ብቃልሲ ህዝብና ዝውሰን ኮይኑ፡ እቶም ውዱባት ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣካላት ከኣ እጃምና ንውሰድ።

Last modified on Monday, 27 July 2020 20:47