ተመኩሮ መምህር ምዃኑ ዘመልክት

2020-07-16 08:41:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 42863 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ዝሐለፈ ወርሒ ሰነ 2020 “ሓባራዊ መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝብል ናይ ህዝብና ሃንቀውታ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ብስራት ኣዋጅ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ። ከምቲ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ሃገርና ኤርትራ መዳርግቲ ብዘይብሉ መስዋእ ናጽነታን ልዑላውነታን ዘውሓሰት ሃገር እነተዀነት፣ እቲ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይቅዋምን ሕግን ንህዝብና እናድመየን እናበታተነን ክገዝእ ዝጸንሐን ዘሎን ስርዓት፡ ሃገርና ናብ ጐደና ጥፍኣት ይመርሓ ምህላዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።” ኢሉ ዝጀመሮ፡ ኣብዚ ጭቆና ህግዲፍን ኮሮናቫይረስን ኣንጻሮም ሓድነት ዝፈጠርሉ እዋን፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኣጨናቒ ደረጃ ከም ዘለዉ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። እዚ መግለጺ ደንጉዩ ዝወጸኳ እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን “ክንብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን” እዩ እሞ፡  እምብዛ ግዜ ዝሓለፎ ናይ ተስፋ ደወል ኣይኮነን።

እዚ ስምምዕዚ ናብቶም ክመጸሎምን ከይመጾምን ብሓጐስን ስግኣትን ክጽበይዎ ዝጸንሑ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግዲፍን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ ክመጸሉ ክጽበዮ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ስምምዕ ተስፋኡ ከም ዝጥጥዕን ናይ ቃልሲ ንያቱ ክብ ከም ዝብልን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እቲ ሓድነትና ከይስስን ከም ቁርን ኣስሓይታን ክፈርሖ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግዲፍን መዳምቕቱን  ከም ዝስንብዱን እተተኻኢልዎም  ክኾልፍዎ፡ እንተዘይከኣሉ ከኣ ከደናጉይዎ ብምሉእ ዓቕሞም ካብ ምሕላን ንድሕሪት ከምዘይብሉ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና እንግምቶን እንጽበዮን እዩ። ኣብዚ ጥምጥምዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጸኦ  ዝርህርህ ልቢ ንዘየብሉ ጉጅለ ህግዲፍ  ልቢ ክሰኩዕ ምጽባዩ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ዓቕሚ ደሊብካ ምስዓሩ ጥራይ እዩ። ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ድልዱል ባይታ ክረግጽ ምብቅዑ ከኣ ካብቲ ቀንዲ ነቲ  ካብ ምፍልላይና ዝዕንገል ንሓድነትና ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ  ርጉም ሓይሊ እንስዕረሉ መሳርሒና እዩ።

እዚ ፖለቲካዊ ውድባትና በጺሐምዎ ዘለዉ  ናይ ሓቢርካ ኣንጻር ህግዲፍ ምቅላስ ስምምዕ፡ ነቲ ዝተርፈና ሓባራዊ ዓቕምኻ ናይ ምትርናዕ ዕማም መሰረት ዘንጽፍ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ኣብቲ እንደልዮ ንምብጻሕ ዝሓተና መጻኢ ተወፋይነትን ጻዕርን ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝኸፈልናዮ ዝበዝሐን ዝኸበደን እንተዘይኮይኑ ዝቐለለን ዝወሓደን ከምዘይኮነ ዘንጊዕና ከነራጥጥ ኣይግበኣናን። ናይቲ ቅድሚዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ዝነበረ ብሓባር ናይ ምስራሕ ተመኩሮታትና ናይ “ስርሕ-ፍንጥሕ” ኣካይዳ ምንባሩ ተኣሚንና ክንመሃረሉ እምበር ንዓኡ ናፊቕና ንድሕሪት ከነማዕዱ ኣይግበኣናን። ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ዝሓለፍናዮ መንገዲ ስንኩፍነት ኣብ ዘይድልዱል፥ ዘይሓላፍነታውን  ኩነታት ኤርትራ ብኹሉ መዳያቱ ብግቡእ ዘይዳህሰሰን ባይታ ይድኮን ስለ ዝነበረ እዩ። ሎሚ ክንሓስቦም እንከለና ዘጣዕሱናን ክንመሃረሎም ዝግበኣናን ተዘክሮታት ኣለዉና። ናይቲ ናብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ንምብጻሕ ዝተኸደ መስርሕ ንውሕ ዝበለ ግዜን ዓሚቕ ትዕግስትን ምሕታቱን ኣብ ቀጻልነት ናይዚ ስምምዕ እምነትን ተስፋን ከነሕድር ዘተባብዓና እዩ።

እቲ ናይ ቅድም ምፍልላይና ኮነ እዚ ሎሚ ኣብ ዘሰማምዕ ምብጻሕና ካብ ውልቃዊ ኮነ እኩብ ኣተሓሳስባና እዩ ዝነቅል። እዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ተተግቢሩ ናብ ክብ ዝበለ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ደረጃ ከደይበና ተስፋ እነንብረሉ፡ ኣብ ኣተሓሳስባና ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ካብቲ ዝጸንሐ ዝሓሸ ለውጢ ኣምጺእና ኣለና ካብ ዝብል እዩ ዝነቅል። ኣብ ኣተሓሳስባና ለውጢ እንተዘየጥሪና ግና እዚ ናይ ሎሚ ስምምዕና እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ምኹላፉ ዕድል ክፉት እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣጥሪና ኣለና ክንብል እንከላና፡ ናይ ሸቶታት ቀዳምነትና ኣነጺርና፡ ፍልልያትናን ስምምዓትናን ተገንዚብናን በብደረጀኦም ኣመሓዲርናን። ካብዚ ሓሊፍና ኪኖ ውልቃዊ፡ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ህልውና ኣማዕዲና፡ ህልውናን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ከም ዝቕድም ኣስተውዒልና ኣለና ማለት እምበር፡ ካልእ ተኣምር ሰሪሕና ማለት ኣይኮነን።

መስርሕ ሓድነት ብሓደ ኩበዖ ዝብጻሕ ዘይኮነ፡ ብመስርሕን ደረጃታትን ዝምዕብል እዩ። ብመንጽር’ዚ  በጺሕናዮ ዘለና ተወሃሂድካ ኣንጻር ህግዲፍ ናይ ምቅላስ ቅሩብነት፡ መበገሲና ኮይኑ፡ ናብ ቀጻሊ ዝሰጠመ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዘመዓዱ እዩ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ስምምዕ፡ ከምቲ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎ ኣብ ባይታ እንተ ኣድሚዕናሉ፡ ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ሓድነት ክንበጽሕ ውሕስነት ዝህብ እዩ። ኣብቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ከየድማዕና፡ ናብቲ ብመስርሕ ክንበጽሖ ዝግበኣና ምምጥጣር ግና ትምኒት ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

እቲ ስምምዕ ከምቲ ተኸቲምዎ ዘሎ ክትግበር ዕማምን ሓላፍነትን ናይተን ዝኸተማ ግንባራት፡ ሰልፍታትን ውድባትን ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ዘተኣማምን ምሉእነት ንክህልዎ ግና፡ ከምቲ ብብዙሓት ወገናት ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ፡ ኣበርክቶን ምትብባዕን ኤርትራዊ ማሕበራት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝተፈላለዩ ውዱባት ኣካላትን ኣገዳሲ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ብኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዘሕይል፡ ደገፍን መተባብዕን ብምቕራብ እምበር ንድሕሪት ብዝመልስ ቅኒት ከይርእይዎ ሓላፍነት ኣለዎም። እዘን ስምምዕ ከቲመን ዘለዋ ኣካላት እውን “ኩሉቲ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዳህሲስና ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምጥን ውዱእ ስምምዕ በጺሕና ኣለና” ኢለን፡ ኣፍደገ ኣብ ክንዲ ምዕጻው ሃናጺ ሓሳባት ናይ ምቕባል ድልዉነትን ትዕግስትን ክውንና ናይ ግድን እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከምቲ ኣብ ናይ 2017 ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መጸዋዕታ እማመኡ “1፡ ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2፡ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ 3፡ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፡ 4፡ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል።” ዝብሉ መሰማምዒ ይኹኑ እዮም ዝበሎም ሓሳባት ሒዙ ዝነቐሎ፡ ነዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣብ ምትግባሩን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ምድያቡን ብዘለዎ ዓቕሚ ክጽዕት ቅሩብ ኣሎ። ብሓባር ምስራሕ ብድሌትን ጻዕርን ናይ ዝተወሰነ ኣካል ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም’ቶም ሰብ ጉዳይ ኣበርክቶ ዝሓትት እዩ። ሰዲህኤ ነዚ ብምርዳእ ናብቲ እንደልዮ ንምብጻሕ ናይ ኩሎም ፈረምቲ ኣካላትን ኣብ ለውጢ ዝግደሱ ኤርትራውያንን ቅሩብነት ከም ዝህሉ እምነቱ ልዑል  እዩ።

Last modified on Thursday, 16 July 2020 10:46