ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታዊ’ዩ: ክትብሎ’ውን ኣጸጋሚ እዩ።
2026-02-08 10:14:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 52 timesኢሳያስን ኣብይን ከም ሎሚ ከይኮነ!
ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ንመራሒ ሃገር ክብደት ምሃብ ንቡር እዩ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ብህዝባዊ ምርጫ ናብ ስልጣን ዝመጹ። ብመንጽርዚ “መራሒ ሃገር ቃል ከስምዕ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ ሓድሽ ነገር ደኾን የምጽእ ኢልካ ትጽቢት ምግባር ልሙድ እዩ። ኣብ ኤርትራውያን ከኣ ኢሳያስ ቃለ መጠይቕ ክገብር እዩ ክበሃል እንከሎ፡ ጸገማት ካብ ምጽብጻብ ሓሊፉ ሓድሽ ከምዘየምጽእኳ ብተመኩሮ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ዝጽበይዎ ወገናት ዘይሳኣኑ ብመንጽር’ዚ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ሕቶታት ክምልስ’ዩ ምስ ተባህለ፡ ካብቲ ናይ ኢሳያስ ብዘይፍለ ሓድሽ ከምዘየምጽእ ተገማቲ ክነሱ፡ ዝተጸበይዎ ግና ብዙሓት ነይሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ብዙሕ ዛዕባታት ፈላሊኻ ዘይርአ ተጸላላዊ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ካብ ቃለ መጣይቕ ኢሳያስ ትጽቢት ዝገበሩ ኢትዮጵያውያን’ውን ነይሮም። ኤርትራውያን’ውን ውዕሎ ፓርላማ ኣብይ ኣሕመድ ክሰምዑ ዝተጸበዩ ነይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ፓርላማ ውዕሎኡ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዘቤታውን ከባብያውን ዛዕባታት እዩ ኣልዒሉ። ናብቲ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘልዓሎ ጉዳያት ክንመጽእ እንከለና ከኣ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዝያዳ 2ተ ዓመታት ዘይእዱባት መደረታቱ፡ “ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ። ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብን ኤርትራን ዘይስገር ቀይሕ መስመርዩ” ክብሎ ዝጸንሐ፡ “ኢትዮጵያን ቀይሕ ባሕርን ዝተጣበቑ እዮም” ዝብል ክውስኸሉ ተሰሚዑ።
ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ካብ እትግለጸሉ ሓደ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ኮይኑ፡ ብባሕሪ ይኹን ብውቅያኖስ “ምስ ማያዊ ኣካል ርክብ ዘየብላ” ምዃና እዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ እናሃለወ ኣብይ ኣሕመድ፡ ዘይጣበቕ ንምጥባቕ ምፍታኑ፡ ዘይሩዘይሩ ካልእ መልክዕ ኤርትራ ናይ ምውራር ህርፋኑ ዘርኢ ካብ ምዃን ወጺኢ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሓሊፉ ከምቲ ብተመኩሮ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይንን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤምን ዘፈራርሖ ዝነበረ፡ ተመኩሮ እስራኤል ኣብ ምጉባጥ ጎቦታት ጐላን ክጠቅስ ተሰሚዑ።
ኣብይ ኣሕመድ “ባእስና ምስ ህግደፍ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ምስ ኣልዓልና ዝጀመረ ዝመስሎም ወገናት ኣለዉ” እውን ኢሉ። “እሞ እንታይ ዳእዩ እቲ ሓቀኛ ክብሪ ኤርትራ ክትግህሱ ናይ ምድላይኩም ምኽንያት?” ዝብል ሕቶ ንምምልሳ ከኣ ዝበሎ’ሎ። ንሱ ድማ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናጻ የውጸአን ኣብ ዝነበረ ከተማታት እንዳኣተወ፡ ኣባይትን ትካላትን የፍርስን ሰባት ይቐትልን ስለ ዝነበረን፡ “ህዝብና ንምድሓን ካብ ተግባሩ ከቋርጽ ሓቲትናዮ ኣይሰመዓናን” ይብል። ኢሳያስ ካብ ተግብሩ ንክእደብ ሸምገልቲ ሰዲድናሉ ኣየቋረጸን ዝብል ከኣ ወሲኽሉ። ኣብ ርእሲዚ ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ ጉዳይ ህውሓት ከይተወደአ ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ትኽትሙ ዝብል ሕርቃን ከም ዝነበሮ እውን ኣግሂዱ።
እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ከምዚ ዝብል ዘሎ፡ ሓደ እዋን ኣብ ተመሳሳሊ መድረኽ “ካብ ሑመራ ጀሚርካ ክሳብ መቐለ ብሰራዊት ዝተቐትለ ሲቪል የለን” ዝበለሉ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረ ዝዘከረ ኣይመስልን። መቐለ በሻሻ ጌርናያ ኢና ዝበለሉ ኣጋጣሚ’ውን ንነይሩ’ዩ። እምበኣር ኣብዚ ክለዓል ዝግበኦ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ እቲ ዝዘርዘሮ ተግባራት ህግደፍ ከ፥ “ከመይ ኢሉ እዩ ኤርትራ ናይ ምውራር መመሳመሲ ዝኸውን?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል ዘሎ እዩ።
ኣብይ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዋቓዕን ዘይድገምን መግለጺ ምቕራቡ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ፓርላማ ዘይመስተውዓሊ (short memory) እናበለ ምውርዛይ ስለ ዝለመደ። ግደ ሓቂ ግና እቲ ዘየስተውዕልን ዓለም ከ እንታይ ትብለኒ ኢሉ ዘይስከፍን ደረቐኛ ንሱ ኣብይ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መልዓሊ ክቱር ጽልኢ ህግደፍን ብጽግናን፡ ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝኸተምዎ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ክንብሎ ዝጸናሕና’ሞ ደሓር ዝተጠላለምዎ ሕቡእ ስምምዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ሎሚ ኣዛራቢ ኮይኑ ይወጽእ’ሎ። ብህይወት ዘየለ፡ ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተራኺቡ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ፡ ኣሜሪካዊ ጀፈረይ ኢፕስተይን፡ ድሕሪ ሞቱ ካብ ኢመይሉ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ንክልቲአን ሃገራት ጸንቢሮም ሓንቲ ሃገር ክሳብ ናይ ምግባረን ተኽእሎ ነይርዎም’ዩ ይበሃል ኣሎ። እቲ ቅድሚ ምብኣሶም ኣብ ፈቐዶ ኣዳራሻት፡ ኢሳያስ ኣፈወርቅ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ በበይኖም እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ’ዮም”፡ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና እንካፈሎ ወደብ ዓሰብ ይኸውን” ዝበሃሃልዎ ዝነበሩ ነጸብራቕ ናይቲ ዝተጠላለምዎ ሕቡእ ስምምዕ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
እዚ ምስ ውግእን ሳዕቤናቱን ዝተሓሓዝ ኣበሃህላ ኣብይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ሚዛናት ዘንብርሉ ኮይኑ፡ ንሕና ግና ውግእ ብመሰረቱ መፍትሒ ስለ ዘይኮነ፡ ከሎ ጌና ዝኾነናዮ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምዝርዛር ሳዕቤናቱ ኣይንኣትውን ኢና። በቲ ካልእ መልክዕ ከኣ ኣብይ ኣምሓራን ትግራይን ንምርሕሓቕ ዝበሎ፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ጐረባብትና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ወገኑ ንምብዛሕ ዝምህዞ ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኩሉ ግዜ ከተዓሻሽወሉ ዝፍትን፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና መድረኽ ፓርላማ’ውን ብዝተወሰነ ከንጸባርቖ ዝፈተነ፡ ምስ ህግደፍ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጽልእን ጸገምን ዘየብሉ ምዃኑ ንምሽሓጥ ዝገብሮ ሸፈጥ እዩ። ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሕደነትን ኤርትራ ደጋጊሙ ይእውጅ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። እሞ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ናይቲ ልእላውነቱን ክብሩን ክግህሶ ዝመጣጠር ዘሎ ህዝቢ ፈታዊ ወይ ገባር ጽቡቕ ኮይኑ ክቐርብ ምፍታኑ ካሳብ ክንደይ ኣካይድኡ ሕንቅልሕንቅሊተይ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። በዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ከኣ ኣይኮነንዶ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታዊ’ዩ ክትብሎ’ውን ኣጸጋሚ እዩ።