ዝተፈላለየ ምላሽ ንሕቶ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ
2025-12-23 11:12:43 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 419 timesኣብ መንጎ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍን ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበረ ኣንጻር ህወሓት ዘቕነዐ ናይ ጥፍኣት ልፍንቲ፡ ሰፍ ዘይብል ዕንወት ኣኸቲሉ እዩ። ደሓር እቲ ውግእ ብዘይድሌትን ተሳትፎን ህግደፍ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ’ዩ። ናይዚ ውግእ ምቁራጽ ዝወለዶ ምጥልላም ከኣ፡ ናብ ከቢድ ቅልውላው ኣእትዩ’ሎ።
ከም ሳዕቤን ናይቲ ምጥልላም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ኤርትራ ዘቕነዖ ዘሎ ልኡላውነት ግሂስካ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ክቱር ህርፋን ሓደ መርኣያ እዩ። እዚ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ብታሪኽን ፖለቲካዊ መምዘንን ቅቡል ዘይኮነን፡ ድፍረት፡ “ብኸመይ እዩኸ ዝትግበር?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድማ ኢትዮጵያውያን ሰብ መዚ ደጋጊሞም ክሳብ ብሓይሊ ምውራር ከም ዝምጣጠሩ ብዘይሕፈረት ክምክሑ ይስምዑ ኣለዉ።
ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ኣባላትን ናይቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሰበ-ሰልጣንን ነቲ ላዕለዎት ሓለፍቶም ዝብልዎ ደጋጊሞም ከኳማስዕዎ ምስማዕ ድማ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ተረኽቦ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ምውናን “ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ” እናበሉ የፈራርሕዎም ስለ ዘለዉ። ናይቲ መንግስቲ ዝያዳ እሙናት ዝበሃሉ ባእታታትን መዲያታትን እውን ብዘይሕፍረት፡ “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እምበር ሃገር ኣይኮነትን” ናብ ምባል ክመጣጠሩ ይስምዑ ኣለዉ።
ግብረ መልሲ ኤርትራውያን ነቲ “ምድጋሙ ዘሕፍር”፡ ሓሽውየ ኢትዮጵያውያን እንታይ ምዃኑ ከም ዘየዳዲ ውሁብ እዩ። ኣንጻር ልኡላውነት ሃገሮምን ክብሮምን ዝህቀን ዘሎ ድፍረት ስለ ዝኾነ፡ “ወጊድ ንዓመጸኛ ህርፋን ግጉይ መንገድን ብልጽግና ” ዝብል ምዃኑ ንጹር ስለ ዝኾነ፡ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን።
እዚ ጉዳይ ቀልቢ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ስሒቡ ዘሻቕል ዘሎ ስለ ዝኸነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ትካላትን መንግስታትን ግብረ-መልሲ ምድህሳስ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብ3 ታሕሳስ 2025 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝደወለ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ “ናይ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ናይ ሓባር እምነት፡ ኣብቲ ዞባ ምርግጋእን ናይ ሰላም መሰረት ምንባርን ጥራይ እዩ“ ዝበሎ ንዝተረድኦ እቲ ህውከት ዝዕድም ኣካይዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይስዕርር ዘጠንቅቕ እዩ። ኣሚሪካ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 ዘጽደቐቶ ሃገራዊ ጸጥታዊ እስትራተጂ’ውን መልእኽቱ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን።
ብዙሓት ወገናት፡ ነቲ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ዶ? ዝብል ሕቶ መልሶም “እወ የድልያ” ዝብል ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ኣድላይነት ኤርትራውያን እውን ዘይንክሕዶ ሓቂ እዩ። እዚ ተረዳኦ’ዚ ግና፡ ካብቲ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ረጊጻ ባሕርን ወደብ ኤርትራ ክትውንን ዝብል ሃንደፍደፍ ኣዝዩ ዝረሓቐን ብመሰረቱ ዝተፈልየን ምዃኑ፡ ኢትዮጵያውያን ክግንዘብዎ ዝነበሮም ዓብይ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ነቶም ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ “ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር” ወደብ ንክትረክብ ንኤርትራ ክትወራ ዓለም ትድግፋ’ላ ኢሎም ዝምድሩ ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ የደናግሩን ይሽፍጡን ከም ዘለዉ ቅድሚ ኩሉ እቲ በዓል ዋኒን ኢትዮጵያዊ ክግንዘቦ ዝግበኦ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣጀንዳ ክኾነሉ ንዘቕረቦ ሕቶ ዝተዋህቦ ግብረ-መልሲ፡ ብዝምልከት ቢቢሲ ከም ዘስፈረቶ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ብንጹር ሕቶ ኢትዮጵያ ኣብቲ ተሃዋሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ዘይምርግጋእ ከምጽእ ዝኽእል እዩ” ዝብል ይርከቦ። እዚ መልሲ ንዝደረኦ መሰረታዊ መልእኽቱ ንኢትዮጵያ እዩ። ጸለውቲ ካብ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሩሲያ እውን፡ ኣብዚ ዛዕባዚ ዝሃበቶ ምኽሪ፡ “ምስ ኤርትራ ዘለኩም ጉዳይ፡ ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ብልዝብን ብዘተን ጥራይ እዩ ክተሓዝ ዘለዎ” እያ ኢላ።
ኣብ ርእሲዚ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኢውሮጳን ኣብ ቡሩንዲ ድሕሪ ዘካየደኦ 7ይ ናይ ሓባር ርክብ፡ ኣብ ዘውጸአኦ መግለጺ”ንልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ሃገራት ሓዊስካ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕግታትን መትከላትን ንምዕቃብ ቅሩባት ኣለና። እዞም መትከላት እዚኣቶም ናብ ዘተ ወይ ዋጋ ዕዳጋ ዝቐርቡ ኣይኮኑን።” ዝበለኦ ከኣ ናብ ከም ኢትዮጵያ ናብ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ዝመርጻ ዘቕነዐ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ኣመልኪተን መግለጺ ዘውጸኣ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት’ውን ማእከለን “ምኽባር ናይ ሃገራት ላኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ዝብል እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ደገፍቲ ብልጽግና ካብ ዝበሃሉን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ብዛዕባ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ብቐጻሊ ካብ ምሕላም ዓዲ ዘይወዓለን፡ ትግራዋይ ፖለቲከኛ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ብውሕዱ ብመንጽር ኣሰራርዓ ቀዳምነታትት፡ “ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዋሳኢት ንምዃን፡ ቅድም ቀዳድም ውሽጣዊ ጸጥታዊ ብደሆታታ ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሕ ኣለዋ፡” ዝበሎ ከይጠቐስካዮ ዝሕለፍ ግብረ-መልሲ ኣይኮነን። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኢትዮጵያ ክሳብ ምጽኣተ-ዓለም ባሕሪ ዘይብላ ኮይና ክትነብርያ” ዝበሎ ድማ መንቀሊኡ ርዱእ ኮይኑ፡ ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
እቶም ንሕቶ ኢትዮጵያ “ናይ ተዓገሱ” ግብረ-መልሲ ዝህቡ ዘለዉ ኣካላት፡ መሰረታዊ መበገሲኦም እቲ ኣብ ኣጠቓቕማ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን፡ ናይተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ቻርተር
ኣብ ዓንቀጽ 125 ካብ ቁጽሪ 1-3 ንኡሳን ዓንቀጻት ሰፊርዎ ዘሎን፡ ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ መትከላት ዝብል ኣርእስቲ፡ ዓንቀጽ 4 ቁጽሪ 1ን 2ን ንምኽባር ልኡላውነትን ዶባትን ኣባል ሃገራት ዝምልከትን እዮም።
ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ዘቤታዊ ውግኣት፡ “እምበርከ ከም ሃገር ክትቅጽል ድያ?” ኣብ ዝበሃለሉን ብሰንኪ ቁጠባዊ ውድቀት ማሕበራዊ ህይወት ህዝባ ኣዝዩ ኣብ ቅልውላው ኣብ ዝወደቐሉን ግዜ ምዃኑ እውን ተወሳኺ ምኽንያት ናይቶም ተዓገሱ ዝብሉ እዩ።