ሕጊ እንተዘይኣኽቢርካዮ፡ ኣይሕልወካን’ዩ

2025-08-20 08:30:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 26 times

ሕጊ ደቂ ሰባት ካብ ዝተሓተ  ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ተኸባቢሮምን ተኸኣኢሎምን  ንክነብሩ ዘኽእል ቀይዲ እዩ። ሕጊ ድልየትን ስምምዕን ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለዝቐውም ድማ ንኹሉ ማዕረ ኣገልግሎትን ይህብ። እዚ ኣብ ደቂ ሰባት ጥራሕ ዝረኤ ዘይኮነ፡ ኩሉ ፍጡር ዝምራሓሉ ነናቱ  ተፈጥራዊ ሕጊ ኣልዎ። ህልውና ሰባት፡ ኣብ “መን’ዩ ሓቀኛ?” ዘይኮነ፡ ኣብ “መን’ዩ ሓያለ?”  ዝምርኮስ ንከይከውን ሚዛን ዝሕሉ ሕጊ እዩ። ሰባት ይኹኑ ትካላት በብደረጀኦም “እንታይ ከም ዝገብሩን እንታይ ከምዘይገብሩን” ዝድርት’ውን ንሱ እዩ። ሕጊ ኣጽኒዑ ንዘኽብሮ ዘተባብዕን ዝሕሉን ክኸውን እንከሎ፡ ንዝጠሓሶ ከኣ ናይ ምቕጻዕን ምግዳብን ጉልበት ኣለዎ።

ኤርትራውያን ካብ እንልለየሉ ሓደ ኣብ ሕጊ ዘለና ምእዙዝነት እዩ። ኣብ ኤርትራ ሕጊ ካብታ ዝተሓተት ምምሕዳር ቁሸት ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ከም ዝሰርሕ ነዊሕ ድሕረ ባይታ ኣለዎ። ኣብ ብዙሕ ከባብታት ሃገርና ንሓደ ናብ ፍትሒ ዘተግብር ዳኛ ወይ ፍርዳዊ ኣካል ከተቕርቦ ምስ እትደሊ፡ “ዝባን ሕጊ ካብ እገረይ ከይትተርፍ”  ክበሃል እንከሎ፡ ደረጃኡን መዓርጉን  ብዘየገድስ፡ ሰጥ ኢሉ ናብ ሕጊ ካብ ምቕራብ ካልእ ምርጫ የብሉን። እዚ ድማ ኣብ ሕብረተሰብና፡ በቲ ሓደ ወገን  ንሕጊ ምምእዛዝ ዘንእድ፡ ዘይምኽባር ድማ ዘጸይፍን ተወሳኺ መቕጻዕቲ ዘኸትልን ምዃኑ ዘርኢ’ዩ። “ብሕጊ ዝተቖርጸት ኢድሲ ዳርጋ ዘላ” ኢልካ’ውን ይምሰል’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ብመሰል ወዲ ሰብ፡ ብድሕነት እንስሳን ኣግራብን ከይተረፈ ዝግደሱ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ሕግታት እንዳባ  ኣለዉ። ካብኣቶም ምስ ዕቤትን ምዕባለን ክመሓየሹ ዝግበኦም ከም ዘለዉ ከኣ ኣይከሓድን። እዞም ሕግታት እንድባ ኣብ ቅድሚ መግዛእታዊ ስርዓታት’ውን ተቐባልነት ዝነበሮም፡ ናይ ህዝብና ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ልቦና ዘመላኽቱ እዮም። ናይ ኣተገባብረኦም መስርሕ ፍትሓዊ ዳንነቱን’ውን፡ ካብቲ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ዘመናውነት ዝንእስ ኣይነበረን። ከም ኢጣልያ ዝኣመሰሉ ንሃገርና ዝገዝኡ ሓይልታት ከኣ፡  በቲ ኤርትራዊ ሕጊ እንዳባታት ተመሲጦም ኣብ ምስናዱ ግደ ከም ዝነበሮም  መግዛእታዊ  ታሪኽና ይምስክር። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ባህላዊ ኮነ ዘበናዊ ሕግታት ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ዘቖጥዕን ንናይ መሰል ቃልሲ ዘለዓዕልን ዘሕርንን ኮይኑ’ሎ።

ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና ሕጊ ብጽሒትን ሓያልነትን ምስ ዝገሃድ ለውጥን ምዕባለን እናማዕበለን እናዘመንን ክኸይድ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብደረጃ ኣህጉር ዝህሉ ሰላምን ህድኣትን ንምርግጋጽ’ውን ጽልዋኡ ኣዝዩ ዕዙዝን ወሳንን ኮይኑ ንረኽቦ። ናይዚ ዕዙዝ ግደ ምብኳር ክሳብ ክንደይ ሰላም ዘሪጉ ዘይዛሪ ስግኣት ከም ዘስዕብ ከኣ፡  ህልዊ ኩነታት ዓለምና ይምስክር። ኣህጉራዊ ሕግታት፡ ውዑላትን ቻርተራትን ብሓፈሻ ዓለምና  ብፍላይ ከኣ ልኡላውነት ሃገራት ዝሕልዉ ኣዕኑድ እዮም። እዞም ኣዕኑድ ኣብ ዘይክበርሉ ግና፡ ዓለምና ዓንዱ ከም ዝተሰብረ ገዛ ናይ ምፍራስ ዕድላ ሰፊሕ ምዃኑ ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።

እዞም ኣህጉራዊ ሕግታት ኣብ ውሱናት ዛዕባታት ጥራይ ዘተኰሩ ዘይኮኑ፡ ብኣኣቶም ዘይጽሎ መዳይ ናይ ህይወት የለን። ኣብ መዳያት፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣተገባብራ መስርሕ ፍትሕን ዲሞክራስያዊን፡ ካለኦትን ኣብ ሕገመንግስቲ ሃገራት ከም ቀወምቲ ዓንቀጻት ዝሰፍሩ ምእንቲ’ዚ እዮም። ኣብቲ ብውሳነ ህዝቢ ዝጸድቕ ሕገመንግስቲ ተመስሪቶም ዝወጹ ሕግታት ከኣ፡ ሃገራት ዝምረሓሎም  እዮም። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሕገመንግስቲ ዝተነፍገን ሃገራት ግና፡ በቶም ኣህጉራዊ ሕግታት’ውን መሰልካ ከተኽብር ከምዘይካኣል ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ እዩ።

ዓለምና ዝተፈላለየ ስፍሓት፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ቁጠባዊ ዓቕምን ወተሃደራዊ ዕቤትን ብዘለወን ኣስታት 195 ልኡላዊ ሃገራት ዝቖመት እያ። ምስዚ ኩሉ ፍልልያተን ከኣ ብሕጊ ዝሕለው ነናተን መዕቀኒ ኣለወን።  ንኣብነት ኣስታት 99 ካብ ኤርትራ ብስፍሓት ዝዓበያ እየን። እተን ዝተረፋ  ከኣ ካብኣ ይንእሳ። ብብዝሒ ህዝቢ ዝምልከት ድማ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ብተኸታታሊ ኣብ መበል 132 ተሰሪዓ ትርከብ። ምስዚ ኩሉ ፍልልያተን ግና ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ  2 ንኡስ ዓንቀጽ 4፡  ኩለን ልኡላዊ ሃገራት እየን። ኣብቲ ካልእ መዕቀንታት ዘሎ ሓላፍ-ዘላፍ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ሳላ ኣህጉራዊ ሕግታት ግና፡ “እታ ዝዓበየት ነታ ዝነኣሰት፡ እታ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ነታ ውሑድ ዝህዝባ፡ ወይ እታ ዝሃብተመትን ዝሓየለትን ነታ ዝደኸየትን ዝደኸምትን ክዕምጥረአን እቲ ሕጊ ኣየፍቅደለንን’ዩ።   በመጽር’ዚ እዩ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ 130 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝባ ምስ’ቲ ውሑድ ህዝቢ ኤርትራ ኣወዳዲራ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘየኽብር ወስታታት ክትስንዝር  እንከላ እዩ፡ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘይህልዋ።

ከምቲ “ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል፡ ሕጊ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ፡ ካድልየካ እንከሎ እትሕልዎ፡ ኣብ ዘይጠዓመካ ከኣ እትጥሕሶ ዘይኮነ፡ ከምቲ “ክሕልወካ እትደልዮ ከተኽብሮ’ውን” ዘለካ እዩ። ህግደፍ ብመንጽርዚ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ልኡላዊ ሃገራት እናኣተወ ዝሓማዝቖን ኣብ ተመኩሮ ኡኩረይን ምስ ወረርቲ ዝተሰለፎን ወሲኽካ፡ ክሳብ ክንደይ ሕገመንግስታዊ ተጠቃምነት ህዝቢ ኤርትራ ነፊጉ፡ ይዕንድር ከምዘሎ ርኡይ እዩ። ከምዚ ምግባሩ ንህዝብና ምብዳሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ከም  ድላዩ ክጥሕሶ ዝጸንሐን ዘሎን  ኣህጉራዊ ሕግታት ክሕለው  ዘለዎ ዕድል ከም ዝጸብብ ምግንዛብ የድሊ። እስኪ ንሕሰብ “ሓደ ጥርጡር ኣብ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርብ” ዝብል ሕጊ ኣናሃለወ እዮም፡ ኤርትራውያን ግዳያት ንዓሰርተታት ዓመታት “ኣበይ ከምዝተኣሰሩ’ኳ ዘይፍለጥሉ” ኩነታት ክፍጠር እንከሎ፡ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ኩነታት ክጸብብ እንከሎ ግና፡ ህግደፍ’ውን በቲ ዘየኽበሮ ሕጊ ንክሐሎ እዩ ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዕ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓለምና የስግእዋ ካብ ዘለዉ፡ ናይ ሃገራት ልኡላውነት ዝዕቅቡ ኣህጉራዊ ሕግታት ምጥሓስ እዩ። ውግእ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉን ውግኣት ናይዚ ኣብነት’ዮም። ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኣላውነት ኤርትራ ተስመዖ ዘላ ቀጻሊ ወስታታት ዘስገኣና’ውን ናብ ዝኸፈአ ደርጃ ከይምዕብል እዩ። ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ናይ “ልኡላዊ ዶበይ ተጣሒሱ” ጥርዓን ብቐጻሊ ከተቕርብ እትስማዕ’ያ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክልተ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ተመኩሮታት ብምንቃል ኢና ከኣ፡ “ሕጊ እንተዘይሓሊኻዮ ኣይሕልወካን’ዩ”  እንብል።

Last modified on Wednesday, 20 August 2025 10:45