ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ህግደፍ?
2025-07-08 15:11:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 48 timesህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት እውን ግዳይ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዘይፍለ ህይወት ዘሕልፍ ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ምረትን ክብደትን ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ባዕሉ ዝሓልፎ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ካልእ ኣካል መብርህን ምስክረነትን ዝደልየሉ ኣይኮነን። ሕብርተሰብ ዓለም እውን ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ተኸታቲሉ ንተግባራት ህግደፍ ከውግዞ ዝጸንሐን ዘሎን ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ከም ሓድሽ ተርእዮ ክንገሮ ዝጽበ ኣይኮነን።
ኣብ ኤርትራ ብህዝብን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውዳቤታቱን ምንቅስቓሳቱን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ሓደ ካብ መልእኽታቱ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣደዳ ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ንምድሓኖም እዩ። ምኽንያቱ ፡ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ሓርነት ከይተረጋገጸ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ስለዘይድሕን። ናይቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ውዳበን ኣተሓሳስባን ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕምታት፡ “መጻኢት ኤርትራ ከመይ ትኹን?” ኣብ ዝብል፡ ነናቱ እማመታት ከም ዝህልዉዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ቅድሚ ኩሉ ግና ህዝብን ሃገርን ግዳይ ህግደፍ ካብ ምዃን ምድሓን ናይ ኩሎም ማእከላይ እምንቶን ተልእኮን እዩ ክኸውን ዝግባኦ። ስለዚ ድማ እዩ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆና ህግደፍ ናይ ምንጋፍፉ ዕማም ሓባራዊ እምበር፡ በበይንኻ ብዝካየድ ወፍሪ ዝዕመም ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮና ብግብሪ ዝተጋህደ። እቲ ናይ ለውጢ ኣካላት ዝፈላልዮን ዘሰማመዖን ኣለሊዩ፡ ብውሕዱ ብንኡስ መደባት (minimum program) ብሓባር ብሰንኪ ዘይምስጓሙ ኣብ ልዕሊ ህግድፍ ከድምዕ ዘይምኽኣሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ክማሃረሉን ከእርሞን ዝግበኦ ተመኩሮ እዩ።
ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ዝገብሮ ዘሎ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክንድቲ ዝደልዮ ከይስጉምን በቲ ዝኣምነሉ ከይሓስብን ዘሪዕዎ ዘሎ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ኣብ ወጻኢ እውን ነቲ ብሰንኩ ዝተሰደ ኤርትራዊ እናሰዓበ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝበደሎ፡ ግዳይ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነቲ ኣብ ስደት ብዝረኸቦ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነትን ዲሞክራሲያዊ መሰልን ተጠቒሙ “እምቢ ግዳይካ ኣይከውንን እየ” ዝበለ ኤርትራዊ መንእሰይ ክሳብ ክንደይ የጨንቖ ከምዘሎ፡ ነቲ ካልእ ነውራምን ዘሰክፍን ዝርዝር ገዲፍካ፡ ሬሳኡ ኣብ ሃገሩ ሓመድ ከይለብስ ክሳብ ምኽልካል ዝበጽሕ እኩይ ተግባር እዩ።
እቲ ኣብ ኤርትራ ከም ቁርዲድ ምስ ህዝቢ ተላሒጉ ደም ዜጋታት ዝመጥጥ ዘሎ ጉጅለ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሰንኪ ዘባርዖ ውግኣት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወርድ ዝጸንሐ ጉድኣት፡ በቶም ኣብቲ ውግኣት ግዳይ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ሻቕሎት ስድራቤቶምን ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ኣብተን ህግደፍ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ እውን ክሳብ ክንደይ ግዳይ ክኸውን ከም ዝጸንሐ ናይ ካልእ ምስክርነት ዘይንሓተሉ ኣብ ሕልና ነፍሲወከፍና ዘሎ ቁስሊ እዩ። ድሕሪቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ 2020-2022 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዝወረደ ሞት፡ ስቓይን ዳግማይ ስደትን ሓደ ካብ መርኣያታት ህዝብና ግዳይ ህግደፍ ናይ ምዃኑ እዩ።
ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንተተነጺሉ፡ “ካብ ማይ ከም ዝወጸ ዓሳ” ከምዝኸውን ኣጸቢቑ ስለ ዝርዳእ፡ ንኹሉቲ በይኑ ገዛ ዓጽዩ ዝኣልሞ ተንኮላትን ዝውጥኖ ውግኣትን “ምስ ህዝቢ ተማኺሩ ንረብሓን መሰልን ህዝቢ ዝኸፈሎ ዋጋ” ኣምሲሉ ከቕርቦ ከምዘይሓፍር ብተግባር ዘርኣዮ’ዩ። ብኸምዚ ከኣ ነቲ ኣብ ግዜ ራህዋ ክንዲ ፈረ ኣድሪ ዘይርእዮ ህዝቢ፡ ኣብቲ ንዓኡ ዝድልዮ ኣጋጣሚታት ይብለጸሉ። “ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም” ንዝብል ናይ ሸፈጥ መዝሙር ከኣ ኣብቲ ዘድልዮ እዋን እዩ ዘበርኾ። እቲ ሰንካም ጉጅለ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዋሰኦ ዘኹድድ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ድላዩ ዝጥምዘዞ እምበር፡ “ኣነ የለኹሉን እሞ ብስመይ ኣይትዋገ” ኢሉ ከምዘየቃልዖ ስለ ዝድንድኖ እዩ። እዚ እውን ካልእ መልክዕ ነቲ ህዝቢ ግዳይ ናይ ምግባሩ ብደዐ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ኩለን ህግደፍ በብግዜኡ ህውከት ዝፈጠረለን፡ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ብሰንክ’ቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤትራውያን ዜጋታት፡’ ዝወረደ ክሳብ ሎሚ ስንብራቱ ዘይሓወየ፡ ግዳይ ዝኾነሉ ሕሱም ተዘክሮ እዩ። እንተ ህግደፍ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ነገራውን ስነ-ኣእምሮኣውን በሰላ ከይዓጠጦ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝተፈጸመ በደል፡ ከም ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሓቱ መመላኽዒ እዩ ተጠቒምሉ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይዚ ተንኮላት ግዳያት ኮይኖም ክንሶም፡ ሎሚ’ውን ንህግደፍ “ክንሞተልካ ኢና” ዝብልዎ ውሑዳት ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ምህላዎም እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነዚ በብግዜኡ እሞ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ግዳይ ዝኾነሉ ሕማቕ ተመኩሮ ንድሕሪት ተመሊሱ’ኳ ክቕይሮ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ መጻኢ ንከይድገም ክመሃረሉ ግና ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ’ውን ብሰንኪ ብዝሓለፈ ዘይምምሃርን በቲ ብተደጋጋሚ ዘጋገየካ ህግድፍ ብምዕሻውን ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ግዳይ ይኾኑ ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ማእሰርቲ፡ ኣገዲድካ ናብቲ ጨካን ስርዓት ምምላስን ካልእ ስግኣትን ይፍጠር ምህላዉ ከኣ፡ መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሐ ግዳይ ህግደፍ ናይ ምዃን ሓደጋ እዩ። ኣብዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ’ውን ከይጠቐስካዮ ዘይሕለፍ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ብዛዕባቶም ነቲ ዘይእመን ጉጅለ ህግደፍ ኣሚኖም “ደገፍቲ” ኢና ክብሉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት ዝስማዕ ዘሎ ወረ ሎሚ’ውን ዘቕስን ኣይኮነን።
ስለዚ ህግደፍ ኣብ መጻኢ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ግዳዩ ዝኾነሉ ምህዞታት ካብ ምፍጣር ንድሕሪት ከምዘይምለስ ብምግንዛብ፡ “ክሳብ መዓስ ግዳይ ህግደፍ ምዃን?” ክብል ዝግበኦ ህዝቢ ባዕሉ እዩ እሞ፡ ግዜኡ ከኣ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ይኹን ንብል።