ዝተበደለ መንእስይ

2014-08-26 15:37:34 Written by  ተኽለ መለኪን Published in Youth Corner Read 80893 times

1ይ ክፋል (ካብ 2 ክፋላት)

 ናህርን ሓቀኛ ስምዒትን ዘይምንሓፍን ወዘተ ገለ ካብ ናይ መንእሰይ ባህርያት ኢዩ ይበሃል።  ከምኡውን፡  ኣብ ህዝባዊ ሓልዮት ዘተኮረ፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ዘሰልፎ ጭርሖን ቃልስን ምክያድ፡ እንተወሓደ ድማ ድጋፈ-ሕልና ምውካፍን፡ ብሓጺሩ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ከየተኮረ ኣብ ፍትሕን ናይ ህዝቢ ሓልዮትን ምግዳስ፤ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ መለልዪ ናይ መንእሰይ ኢዩ  ክበህል ይከኣል። እዚ ጠባይዚ ድማ ንመንእሰይ ናብቲ ናይ ኣመሓያሽን ደላይ ለውጥን ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ይጽንብሮ። ነዚ ከየማልአ ወይ በዚ ዘይሓለፈ መንእሰይ፤ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመኡን ታሪኹን ሓደ ዝዝንቶ መድረኽ ከምዝሓለፎ ከይተሰምዖ ኣይክተርፍን ኢዩ እንተበልኩ ጌጋ ኣይመስለንን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ’ውን፡ ኣብ ምምዕባል መንነትን ሰብነትን (personality) ናይ ሓደ መንእሰይ ግደ ዘለዎ ብምዃኑ ከእ፤ ኣብ ዕድመ መንእሰይ ክሕለፍ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣሰራቱ ክገድፍ ይኽእል ይኸውን። ግንከ ኩሉ መንእሰይ ነዚ የማልእዶ? ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝርከብ መንእሰይከ ነዚ ባህርያትዚ ከንጸባርቕ ማዕረ ዕድል ይረክብዶ? ኩሉ መንእሰይከ እወንታዊ ጎደና ጥራሕ ድዩ ዝኽተል? ንዝብሉ ሕቶታትን ካልኦት ምስ መንእሰይነት ዝተእሳሰሩን ብሓጺሩ ንክምልስ ኣብ ታሕቲ ተንኪፈዮ ኣለኹ።

መንእሰይ ክበሃል እንከሎ ኣብ ዕድመ ወዲ ሰብ ኣብ ሓደ ውሱን ደረጃ ንዘሎ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ዘመልክት ኢዩ። ዕድመ መንእሰይ ካብ ሕብረተሰብ ናብ ሕብረተሰብ ገለ ፍልልያት እኳ እንተለዎ፡ ብሓፈሽኡ፡ ነቶም ኣብ ከባቢ 18 ክሳብ ከባቢ 40 ዕድመ ዝርከቡ ኣካል ሓደ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ እኩብ መጸዋዕታ ኢዩ። ንመንእሰይ ብዝምልከት መጽናዕታት ዘካይዱ ገለ ምሁራት’ውን፡ ንመጽናዕቶም ካብ 16 ክሳብ 26 ንዘሎ ዕድመ ክመርጹ ንርኢ፡ ምናልባት እቲ ሓቀኛ መንእሰያዊ ባህርያት ዝረኣየሉ ዕድመ ኢሎም ብጥንቃቐ ዝመረጽዎ ድማ ይመስል። ነዚ ዕድመ’ዚ፡ ንኡሳን ካብ ኣብ ትሕቲ ስድራበታቶምን ተጸበይቲን ካብ ምኽዋን ሓሊፎም ኣብ ብነፍሶም ዝሓድሩሉ ደረጃ ዘብጽሕ መሰጋገሪ ጌሮም ዝገልጽዎ ኣለዉ።   ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣጸዋውዓኡ (መንእሰይ) ናይ ሓባር መግለጽታትን መለለያትን እኳ ይሃልዎ እምበር፡ መንእሰያት፤ ከም ውልቀሰባት፤ ዝተፈላልየ ባህርያት፡ ገሊኡ ውን ምስቲ  ሓፍሻዊ ናይ መንእሰይ መግለጺ ትሕተ-ባህልን ዘይሰማማዕ ክህልዎም ከምዝኽእል ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። መንእሰይ (ከም ውልቀሰብ) ብሰንኪ ኣተዓባብያኡን፡ ዝቐሰሞ ናይ ሕብረተሰብ ኣረዳድኣን ዝርከበሉ ኩነታትን፤ ዝተፈልየ ሰብነት (personality) ከማዕብልን፡ ኣብ ዝርከበሉ ሕብረተሰብ ናብ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ሸነኽ ከዘንብል ፤ ማለት፡ ሃናጽን ቀያሪን ወይ’ውን ብኣንጻሩ (ንገዛእ ርእሱ ይኹን ንሕ/ሰብ ብዝምልከት) ኣዕናዊ ዝኾነ ጎደና ክኽተል ከምዝኽእልን ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባት ዘጋጥም ሓቂ ኢዩ፡፡

ቅድሚ መንእሰይ ምኳን፡

መንእሰይ፤ መንእሰይ ቅድሚ ምኳኑ ዝሓልፎም ደረጃታት ኣለዉ።  ንሳቶም ድማ ንሕብረተሰባውነቱን (ሶሻላይዜሽን) ኣብ ምህናጽ መንነቱን ሰብነቱን (ፐርሶናሊቲ) ዓቢ ግደ ኣለዎም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ኣየናይ ባህልን ልማድን ፖለቲካዊ ስርዓትን ወዘተ ምህላዉ፡ ነቲ ናይ መንእሰይ ተግባራትን ባህርያቱን ክፈላልዮ ይኽእል። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘሎ ናይ ተመራመርቲ ፍልልያት ደቂቕን ብዙሕን እክዋ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ኣተዓባብያ ወዲ ሰብ፤ እንተወሓደ ክልተ ደረጃታት  (“መማህራን” ክብሎም) ይጠቕሱ፤ እዞም መማህራን ድማ ንቆልዓ፤ ተወሊዱ ክሳብ ዝዓቢ ኣብ ሕብረተሰብ ኣባል (ሕብረተሰብነታዊ/socialized) ንከኸውንን ንሱውን ንገዛእ ርእሱ ኣካል ናይቲ ሕብረተሰብ (ሕብረተሰብነታዊ) ከምዝኾነ ከምዝስምዖን ዝሕግዙ ኢዮም። ነቲ መስርሕ ድማ  ብኣብነታት ክገልጾ ክፍትን ኢየ። ኣብዚ ደረጃ ንክበጽሕ ዝገብሮ መስርሕ፡   ብናይ ስነ-ኣእምሮን ስነ-ሕብረተሰብን ተመራመርቲ (Sociologists and Psychologists) ፡ መስርሕ ”ሕብረተሰባውነት” (socialization) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብሓጺሩ ድማ፡ ንወድዓዊ ክዉንነታት ትርጉም ዘለዎም መግለጺታት ምኳኖም ክትርድኦን ክትትርጉሞን ምስ እትኽእልን፤ ነቲ ካልእ ኣካል ዝወሰዶ ተግባር ንገዛእ ርእስኻውን ትርጉም ከምዘለዎ ገርካ ክትቅበሎ እንከለኻ ኢዩ፤ ማለት፡ ነቲ ካልእ ሰብ ከማልኦ ዝደልዮን፡ ብሰንኪ/ሳላ እቲ ዘማልኦ/ተግባራቱ ኣብ መንፈሱ ዝፍጠር ስምዒቱን ከይተረፈ ብምርዳእ፡ ንስኻ’ውን ነቲ ዘስተብሃልካዮ ተቐቢልካ ኣብ ገዛኣ ርእስኻን/ውሽጥኻን ከተወሃህዶ እንከለኻን ኢዩ። ኣብ መጀመርያ እቲ  “ተመሃራይ” ነቲ ዝተዓዘቦ ዝህቦ ትርጉምን ናይ’ቲ ፈጻሚ ትርጉምን ሓደ/ማዕረ ክኸውን ኣይክእልን ይኸውን፤ ናይ ካልኦት ተግባራትን መግለጽታቱን ድማ፡ ምስ ግዜ (ውዒሉ ሓዲሩ)፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክኸውን ዝደልዮ ስለዝድምደም፤ ናይቲ ሓዲስ ባእታ ኣረዳድኣ’ውን ምስቲ ናይ ሕብረተሰብ እናሰመረ ይኸይድ። ንኹሉ ናይ ሕብረተሰብ ሕግታትን ንኡሳን ሕግታቱን ኣብ ውሽጡ መስ ኣስረጸን ናቱ ምስ ገበሮን፡ ምስ ገዝእ ርእሱ ምስ ኣወሃሃዶን  (internalization) እቲ ሓዲስ ኣባል ሕብረተሰብ ቀደማይ ደረጅኡ ደምዲሙ ማለት ኢዩ።

ኣብዚ ንክበጽሕ ግን፤ በዞም ዝስዕቡ “መማህራን” ሕብረተሰባውነት ክሕገዝን ክሕለፍ ግድነት ኢዩ።

ቀዳማይ፤

እቶም ቀዳሞት መማህራን ናይ ሕጻን/ቆልዓ ስድራበቱ ኢዮም። ቆልዓ ገና ደገ ከይወጸን ምስ ከባቢኡ ከይተራኸበን እንከሎ፡ ስድራበቱ “ታተ” ኢሎም ንክኸይድ ካብ ምሕጋዝ ኣትሒዞም፤ ዘረባ ይምህርዎን፡ ጽቡቅን ሕማቕን፡ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን፡ ዝሃስዮን ዘይሃስዮን ክፈላሊ፡ ወ.ዘ.ተ. ይምህርዎ ፡ ካብ ስድራበቱ ድማ ነቲ  መባእታዊ ናይ ሕብረተሰባውነት ትምህርቱ ይቐስም።

ካልኣይ፡

ቆልዓ ካብ ገዝኡ ወጺኡ፤ ድሒሩ’ው ምስ ዝሰፍሐ ኣካል ሕ/ሰብ  ክራኸብ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ምስ መሳቱኡ፤ ኣብ ደገን ኣብ ቤት ትምህርትን (ናይ ሃይማኖት በት ትምህርቲ እውን ክህልዎ ይኽእል) ዝተፈላለዩ ትካላትን (institutions) ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ንክወሃሃድ ዘድሊ ክብርታትን ባህልን ልማዳትን ርዱእ ሕግታትን (ኖርምስ) ይቐስም። ምስ ካልኦት ክራኸብ ኣብ ዝጅምረሉ፡ ካብቲ ናይ ገዛ/ስድራ ሕብሓበ ዝተፈልየ፡ ምስ ካልኦት ምስ እትራኸብ ጥራሕ ዘጓንፍ ተሞክሮታት የጋጥሞ፤ ማለት፡ ናይ ድልየታት ፍልልያት፡ ናተይ ናትካ፡ ሓያልን ድኹምን፡ ናይ ጸዋታ ዕድል ምርካብን ምስኣንን፡ ከምኡውን ነታ ትደልያ ከመይ ትበጽሓ ናይ ምሕሳብ ጥበባትን ወ.ዘ.ተ ካብቶም ዝመሃሮም ሓደስቲ ናይ ህይወት ተሞክሮታት ይኾኑ። ኩሉ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝርከብ ክብርታትን ባህልታትን ልማዳትን ወዘተ.. ንክመሃር ድማ እቲ ሕብረተሰብ ብዝኾነ ኩርናዕ ይጓስዮ። ኣብዚ ትምህርቲ/መስርሕ-ተሞክሮ ናይ’ዚ ባእታ’ዚ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ክኣቱን ኣባልነቱ ከጠናኽርን ክመሃር እንከሎ፡ ብካልእ ሸነኽ ድማ፡ እንተ ብሰንኪ/ሳላ ኩነታት ናይ’ቶም ቀዳሞት መማህራኑ/ስድራበቱ  ይኹን እንተ ብጽልዋ ከባቢኡ፡ ከም ውልቀሰብ፤ ሓደ ንገዝእ ርእሱ ፍሉይ ዝገብሮ ትምህርትን ኣስተብህሎን እውን ሒዙን ለቢሱን ኢዩ ዝወጽእ። እዚ ድማ ኩሉ መንእሰይ ከም ካብ ሓደ ፋብሪካ ዝወጽእ ሃላኺ ኣቕሓ ጌርካ ንከይውሰድ ንምእማት ኢዩ።

ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕ/ሰብ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፤ ኣብ ከባቢ 15-16 ዕድመ ኣቢሉ ኢዩ፡ ነቲ ናይ ትምህርቲ ምልቃም ጥራሕ ዝነበረ ዕድመ ሓሊፉ፡ “ኣነ እፈልጥ ኢየ” ኣብ ዝብል “ነፍሰ-ምትእምማን”  ከርእየሉ ዝጅምረሉ ደረጃ ዝበጽሕ። ኮይኑ ግን እቲ ርእስኻ ምኽኣል ንገዛእ ርእሱ ኣብ ጉዕዝኡ ጌና እናተማህረ ንክኸይድ ዝገብሮ ሓደስቲ ተሞክሮታትን ብድሆታትን  እውን ገና ዘቕርበሉ ስለዝኾነ፡ ካብ ምምሃር ኣቋሪጹ ዘስምዕ ክኸውን የብሉን።እዚዕድመግንንጉዳያትባዕሉመዚኑብናቱኣተረጋጉማክርዳእንመርገጽክወስደሎምንዝሕልነሉ ደረጃብምዃኑኢዩዝልለ። ምናልባት’ውን ከምቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዝምሰለሉ፡ እቲ ”ጽናሕ ኣቦ ኣነ ክዛረብ” ዝብለሉ ወይ’ውን ”ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ” ኢሎም ዓበይቲ ዝገልጹሉ ሰዓት’ዶ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ንምዝማዱ ምፍታን ጌጋ ኣይመስለንን። ኣብዚ ጥራሕ ደው ዝብል’ውን ኣይኮነን፤ ባህርያት ናይ መንእሰይ፡ ኣብዚ ዕድመ’ዚ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ነቲ ብቀዳሞት ይኹን ካልኦት መማህራኑ፡ ንሕብረተሰቡ ንክመስል ክወሃቦ ዝጸንሐ ኣስተምህሮታት፡ ንገሊኡ ክቃወም ዝህቅነሉን ዝረኣየሉን ብምዃኑ’ውን ይልለ ኢዩ። ኩሉ ብስድራበቱን ኣብያተ ትምህርትታቱን ብሕብረተሰብን ክወሃቦ ዝጸንሐ፡ ናብ’ቲ ዝጸንሐ ክብርታትን ባህልታትን ልማዳትን ከእትዎን ክጽንብሮን ሓርኮት ዝብል ብምዃኑ (ኩሉ ሕብረተሰባት ዘካይዶ ሓቂ)፡ ነዚ ከም ኣስገዳድ ወይ’ውን ንናቱ ፍሉይ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ብዝመሰሎ ከየዘውትር ዝዓግቶን፡ ከም ፈረስ ናብ ሓደ ሸነኽ ጥራሕ ከምዘተኩር ዝገብር ኮይኑ ይስምዖ ኢዩ። ካብኡ ንክርሕቕ ድማ ይእድም፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ (ሓሓንሳብ) ዘስደምም ትሕተ-ባህሊ ብመንእሰይ ክፍጠር ይረአ። ንኣብነት ከም “ሂፒ” ከምኡ’ውን ስረኻ ክሳብ ታሕቲ ምዕጣቕ ዝኣመሰለ ከም ትሕተ-ባህሊ ክጥቀሳ ይኽእላ። ሕ/ሰብ ነቲ ሓዲሽ ትሕተ-ባህሊ ብቐሊሉ ስለዝይቅበሎን በዚ ምኽንያት መንእሰይ ስለዝዋሰን፤ መንእሰይ ንውሕስነቱን ንነፍሱ ከይንጽልን ድማ ነንሕድሕዱ ሃሰውሰው ተበሃሂሉ ናቱ ጉጅለታት ይፈጥር፡ ሓሓንሳብ ገሊኡ ኣብ ጋንግ (ስዳዊ ጉጅለ) ዝምዕብለሉ እዋናት’ውን ይህሉ። ናታቶም ውሽጣዊ ሕግታትን ቋንቋታትን ከይተረፈ ይፈጥሩ፤ ንኣብነት ኣብ ሽወደን ብ“ናይ ሪንክ-ቢ ቋንቋ” ዝልለ ብፍላይ ብስደተኛታት መንእሰያት ዝማዕበለ “ስዊድንኛ” ንረክብ)። ናይ ጸጉርን ክዳንን ናይ መንእሰያት  ስታይላት ኩላትና ንዕዘቦ ኢዩ። ብሓጺሩ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ክሃንጹ ይፍትኑ። ገሊኡ ከም ኣዎንታ ብዝስዕብ ወለዶ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ዘምጽእ ክኸውን ይኽእል፡ ገሊኡ ድማ እቲ ዝፈጠሮ መንእሰይ ጥራሕ ተጠቒሙሉ ከብቅዕ ይሃስስን ይቕህምን። ንኣብነት እቲ ናይ 60ታት ናይ “ሂፒ” ትሕተ-ባህሊ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ክቕጽል ኣይተራእየን፡ ብዙሕ ንናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዕርክነትን ናይ ሓዳር ምግባር ልማዳትን ግን ምስ ጊዜ እናተቐየረ መጺኡ ኢዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ  ዝተጠቕሰ ድማ ኣብ ምዕባለ ናይ ዝተፈላለየ ሰብነት (personality) መንእሰያት ግደ ዘለዎ ኢዩ።

እምበርከስ  እዚ ባህርያት’ዚ ኢዩ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብቲ መንእሰይን ባዕሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ሕብረተሰብ’ውን ብከፊል ለውጥታት ንክመጽእ ዝደፍእ ክበሃል ይከኣል። እዚ ብመንእሰይ ዝግበሮ ጸረ-ግብሪ (ሪኣክሽን) ድማ ኢዩ ንመንእሰይ ከም ሓደ ናይ’ቲ ሽዑ ዝርከበሉ ፉሉይ እዋን ዝገብሮ። ንመድርኻዊ ውህደት መናሰያት ብዝምልከት፤ ማንሃይም (Manheim) ዝተባህለ ፍሉጥ ጀርመናዊ ካብ ዝጠቕሰን ነጥብታት ሓንቲ ከስፍር፤ ናይ ዕድመ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንመንእሰይነቶም ከም ሓደ ወለዶ ተረዲኦምን ነቒሖምሉን ከብቅዑ፡ ኣብታ እዋናዊት  “ጭብጥቲ ታሪኻዊት ሽግር” ብዘለዎም ናይ ተቓውሞ መርገጽ ኣብ ሓደ ምምጻኦም ኢዩ (a generation-conscius generation)።

ናይ መንእሰይን ሕብረተሰብን ምፍሕፋሕ ሎሚ ምስ ምዕባለ ወይ ርእሰማልነት ዝተቐልቀለ ከምዘይኮነ ኣብ ታሪኽ ዝተመዝገቡ ጽሑፋት ዝምስክርዎ ኢዩ ። ካብ’ቶም ናይ ጥንቲ ፈላስፋታት፤ ሶቅራጦስ፤ ንመንእሰያት ”እቲ ንሰበስልጣን ዝዳፈርን፡ ንዓበይቲዘየኽብርን…” ኢሉ ክጠቕሶም እንከሎ፤ እቲ ውሩይ እንግሊዛዊ ዊልያም ሼክስፒር እውን፤ “ንዝሓለፉ ወለዶታት ከም ጌገኛታት ዝርኢ..” ዝብል ኣብ ጽሑፉ ከም ዝጠቅስ ዝጸሓፉ ኣለዉ።

እንበኣርከስ መንእሰይ ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ከባቢ ወይ ው’ን (ከምቲ ሕብረተሰብ ዝውስነሉ) ገለ ካብ 16 ገለ ድማ ካብ 18 ዕድመ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ 30ታት ከምዝኾነ ኢዩ ዝረኤ። ካብ 16 ክሳብ 26 ኣብ ዘሎ ዕድመ ዘተኩሩ ከምዘለዉ እውን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዩ።  ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኢዩ ፍሉይ ባህርያት (መንእሰያዊ ባህርያት) ዝረኣየሉ። (እዚ ድማ ኢዩ ንናይ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ሰብኣዊ-መንነት (personality) ዝውስን/ዝሃንጽ )። እቲ ናይ ሕብረተሰብ ”ምምቕቓል ዕዮ” ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩን፤ ብሰንኪ ዝዓምዎ ርእሱ ዝኸኣለ ዕማማቶም/ስራሓቶም ወላ’ውን ደርባዊ ቦትኦም፤ ፍሉይ ተወሳኺ ባህልን ወላ’ውን ቋንቋን ዘማዕበሉ ሸነኻት ስለዝመቓቕሎ፡ ንመንእሰይ እውን እዚ ሓዲስን ተወሳኽን ክዉንነት የጋጥሞ’ዩ። ነዚ ግን ክቕበሎን ከይቅበሎን (ብሓፈሻዊ ኣበሃህላ) ኣብ’ቲ ቀዳማይ ደረጃ ዝዓበየሉን ናቱ መንነት ዝተሃንጸሉን ዝምርኮስ ይኸውን እኳ እንተተባህለ፤ ኣብቲ ምምቕል ዕዮ ዝህልዎ ስፍራ እውን ናቱ ግደ/ጽልዋ ከምዘለዎ ይፍለጥ። ንገለ ካብቲ ሓዲሽ ክነጽግን ክጻረርን ዝደፍእ መንእሰያዊ ባህርያት ይውንን ኢዩ። ንኣብነት ወዲ ሓላፍ/ወናኒ-በት-ዕዮ ዝኾነ መንእሰይ ነቲ ፋብሪካ ንምክያድ ዝወጽእ ሕግታት ብኣወንታ ክርእዮ እንከሎ፤ ሓደ ኣብታ ፋብሪካ ዝሰርሕ መንእሰይ ግን ከም ጸቓጥን መሰል ደቂ ሰብ ዝገፍፍን ገይሩ ክርእዮን ክቃወሞን ምርኣይ ዘገርም ኣይከውንን። ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ከይተረፈ ተዓዚብና ክንከውን ንኽእል።

ኣየናይ ኢዩ እቲ ”መንእሰያዊ ባህርያት” ዝበሃልከ? ብምንታይክ ካብ ባህሊ ሕብረተሰብ ወይውን ካብቶም ብዕድመ  ልዕሌኡ ዘለዉ ይፈልዮ?

ከምቲ ኣቐዲመ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ መንእሰይ ኣብ ናይ መንእሰያዊ ዕድመኡ’ውን እንተኾነ እናተማህረን ኣብቲ ናይ ሓቂ ህይወት እናነበረን ዝኸይድ ብምዃኑ፤ ኣብ’ዚ ዕድመ’ዚ ኣብ ህይወቱ ንዘጋጥምዎ ብድሆታት ብዝምልከት፤  ኣብ ናብርኡን ተሞክሮኡን ንዘጋጥምዎን፡ ንዝርእዮምን ንዝዕዘቦምን ሕብረተሰባዊ፡ ባህላዊ፡ ፖሊቲካዊ ሓቅታት  ስለምታይ ከምኡ ከምዝኾኑ ዝፈላሰፈሉን መልሲ ክረኽበሎም ኣብ ሓንጎሉ ዘሰላስሎምን፡ ንከዐውቶም ዝነጥፈሉን፡ ሰዓት ኢዩ። ነዞም ሕቶታትን ብድሆታትን፤ ባህሉን ልማዳቱን ተሞክሮታቱን ትዕዝብትታቱን ተጠቒሙ፡ ወይውን ብምንባብን ብክትዓትን እናተመራመረ መርገጽ ክሕዘሎም ወይ’ውን  መልስታት ከናድየሎም ዝፍትነሉ እዋን ወይ ዕድመ ኢዩ ክበሃል ይከእል።

ገለ ካብቶም ዝጸንሑ ልማዳትን ሕግታትን ባህልታትን፡ ንመንእሰይ ተጽዕኖ ዝገብሩሉን ዝቕይድዎን ኮይኑ ስለዝግምቶም ንክጻረሮምን ካብኣቶም ንክሃድምን ናቱ ትሕተ ባህሊ ዘጥርየሉ ናቱ መንእሰያዊ ናይ መሳቱ /ፒር ምትእኽኻባት ዘማዕብለሉን እዋናት ዝውቱር ኢዩ።

ኣብ  ተምክሮታት ከምዝተራእየ፡ መንእሰይ፡ ድልየት ናይ ለውጥን ምምሕያሽን ዘለዎ፤ ንሓሳባቱን/ንርእይቶታቱን ስምዒታቱን ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝደሊ (ግብራዊ) በዚ ድማ ኣብቲ  ዝነበረሉ ሕ/ሰብ ናቱ ኣሰር (መዘከርታ) ዝገድፍ፤ ምስ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘለዉ መንእሰያት ብምርኻብ ድጋፈ-ሕልንኡ ዘወፍን፤ ኢዩ ክበሃል ይከእል።ገለ ካብተን ንመንእሰይ ንክቃለሰለን ዝማርኻ ጭቡጣት ኣብነታት ንምጥቃስ፤

  • ኣብ ሓርንታዊ ቃልሲ ምስታፍ፡
  • ፖለቲካዊ ናጽነትን  ብናጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጻነት ንክህሉ ዝግበር ቃልሲ፡
  • ስብኣዊ ምሰል ሕሉው ንክኸውን ዝገብሮ ሞጎተን ቃልስን ወዘተ…ክለዓላ ይኽእላ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ መንእሰይ፡ ከም ሓፈሻዊ ኣረዳድኣ፤ ነታ ኣብታ ናቱ ዕድመ ዘላ ኩነታት ኢዩ ዝርኢ፡ ጸሓፍቲ ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ’ታ እዋን እቲኣ “ናይ ዓለም ስእሊ” ኣለዎ። እቲ ስእሊ’ቲ ኣብቶም ልዕሊኡ ዘለዉ (ወለዶ) ክህሉ ኣይክእልን ይኸውን። ስለዚ ምስ መንእሰይ ንምስራሕን ንምርድዳእን፡  ነታ ናቱ ኣረዳድኣ (ስእሊ-ዓለም) ናይ ዘሎ ኩነታት ንምርዳኣ ምፍታን  ሓጋዚ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

ኣብዚ ናይ መንእሰይነት/ንእስነት ዕድመ’ዚ፡ ከም መንእሰይ፡ መብዝሕትኡ ወይ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓለም ወይውን ኣብ ምጅማር ብሕታዊ ናብራ ዝኣተወሉ እዋናት ብምዃኑ፡ መንእሰይ ጌና ኣብ ናይ ዝጋነን ውነና (ሃብቲ) ዝኣትወሉ ወቕቲ ስለዘይኮነ (ሓፈሻዊ ኣበሃህላ)፡ እዚ ካብ ውነና ዝረሓቐ ህልውና’ዚ ድማ ንኣተሓሳስባኡ እውን ከምዝጸልዎ ርዱእ ኢዩ። ማለት፡ ነተን ኣብ ህይወቱ ዘጋጥምኦ፡ ብፍላይ ንፖለቲካ፡ ባህሊ: ፍትሒ፡ ሕብረተሰባዊ ናብራ ወዘተ. ዝእመሰሉ ሕቶታት ክምልሸሉ ሃሰውሰው እናበለ ኣብ ዝጽዕረሉ እዋን፤ ሚዛናቱን ኣረዳድኣኡን ካብ ናይ ገዛእ ርእሲ ጥቕሚ ዝረሓቐ ንክኸውን ይገብሮ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባዊ  ትካላትን ንመንግስትን ፖሊሲታቱን (ዝኽተሎ ፖለቲካን)፤ ነቲ ስልጣን ንምሕላው  ዝቖሙ ትካላትን፡ ከምኡ’ ውን ንዘይፍትሓዊ ውሳኔታትን ስጉምትታትን ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ንክቃወም  ሰጋእ  ከይበለ ብረስንን ብትብዓትን ዝጣበቕን ዝለዓልን ምኽዋኑ ታሪኽ ብዙሕ ኣብነታት ኣርእዩና ኢዩ።

እወንታን ኣሉታን፡

ብሓፈሻዊ ኣበሃህላ፡ መንእሰይ ኣብ ዝሳተፈሉ መዳያት ብሃንቀውታን ረስንን ትብዓትን ዘማልእ ብምኽዋኑ፡ ነዚ ባህርያቱ’ዚ ክጥቀመሉ ዝደሊ ሸነኻት ብዙሕ ኢዩ። ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፖሊቲካ ጥራሕ ነተኩር ብምህላውና፡ ንመንእሰይ ኣብ ነናቶም ፖሊቲካዊ ውድባት (ናይ ጽባሕ ሓቀኛ መንነቶም ሎሚ ክርአ ዘሽግር ውድባት’ውን ከይተረፉ) ክስሕብዎን ተካኢን መሓየልን ክገብርዎ ዝደልዩ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ዘገርም ክኸውን ኣይግብኦን።  ኣብ ዓለም፡ ኣብ 60ታትን ኣብ 70ታትን፡ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ብኣዝዩ ኣዎንታውን ክርሳዕ ዘይክእል ታሪኻዊ ምንቅስቓሳትን ኢዩ ዝፍለጥ። ተቓውሞ ኣንጻር ተግባራት ሓያላት መንግስትታትን ፖሊሲታቶምን ብንሁርን ቆራጽን መንፈስ ኢዩ ዝተኻየደ፤ ለውጢ እውን ኣርእዩ ኢዩ። ንኣብነት ኣንጻር ውግእ ቨትናም ምሉእ መንእሰይ ዓለም ኢዩ ተሳቲፍዎ ክበሃል ይከእል። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ (ስርዓት “ኣፓርታይድ”) ዝተገብረ ምርኡይ ኣህጉራዊ ቃልሲ መላእ መንእሰይ ዓለም በብደረጃኡ ተሳቲፉ፡ ፈላላዪ ስርዓት ከም ዝወድቕ ገይሩ እዩ። ኣብ ሓርነታዊ ቃልስታትን፡ ኣብ መሰል ደቂ ሰብን መሰል ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ወዘተ…ሱር ዝተኸለ ቃልሲ ተኻይዱ ኢዩ ክንብል ንኽእል። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንነጋውስን መስፍናውያን መራሕትን ኣንከባሊሎም ስልጣን ዝሓዙ መንእሰያት (ብፍላይ ኣብ ስሉስ ዓለም) ውሑዳት ኣይኮኑን።

እዚ ግን እቲ “ጽቡቕ” ሸንኻቱ ኢዩ፤ ስለምንታይ፡ ብመንእሰይ ዝግደሱ ከምዝጠቕስዎን፡ ከምኡውን ታሪኽ ዝከታተል ዘበለ ኩሉ ዝፈልጦን ሓቂ እንተሎ፡ ካልኦት ሸነኻት ነዚ ሓይሊ’ዚ ከም መሳርሒን ናይ ገበናት ተዋሳእን ተሳታፍን ክገብርዎ ሓርኮት ዝብሉ’ውን ስለዘለዉ ኢዩ። ንናይ ስልጣን ውድድራት ነንሕድሕዶም ዝዋግኡ ደቂ ሓንቲ ሃገር፡ ንመናእሰይ ቅድመ ግንባር ብምግባር ኢዩ። ኣብ ዓለም ከም መለኽቲ ዝልለዩ፡ ዘለዉን ዝሓለፉን እውን ንመንእሰይ መሳርሒ ተጠቒሞም ስልጣን ንምጭባጥ ዝተዓወቱ ምዃኖም ኣብ ዕድመና ከይተረፈ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ሓቂ ኢዩ። እቲ ብስነስርዓቱን፡ ምእዙዝነቱን መልክዐኛን ግሩምን ወተሃደራዊ ሰልፍታቱን ዝልለ  ዝነበረ፡ ብ ናይ “SS” ሓይሊ ምክልኻል (Hitlerjugend) (ደቂ ሂትለር ወይ ድማ መንእሰያት ሂትለር) ዝፍለጥ ናይ “ናዚ” ክፋል፤  ካብ መንእሰያት ዝቖመን እቲ ቀንዲ ተኸላኻላይ ናይ ሂትለርን ኢዩ ነይሩ።  ብካልእ ሸነኽ’ውን፡ ኣብ ናይ “ድራግ” (ሓሺሽን መሰላቱን) መሸጣታትን ናይ ዘይሕጋዊ ስራሓትን ቅትለታትን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዝሳተፉ መንእሰያት ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮነን። ንመንእሰይ ሸያጥን ተጠቃሚን ናይ ድራግ ብምግባር ቀጻሊ ዕዳጋ ምርግጋጽ ማለት ኢዩ። ገለ ሸነኽ መንእሰያት ኣብ ኣሉታዊ ሸነኻት ይሳተፉ ብምዃኖም፤ ከም ውጽኢቱ ንመንእሰያት ንገዛእ ርእሶም ግዳይ/“ቪክቲምስ” ጌርዎም ይርከብ። ሎሚ፤ ገለ ስነ-ሕብረተሰባውያን ከምዘጽንዕዎ፤ በዚ ዝተባህለ ሓደገኛ መንእሰይ ምኽንያት፤ ካብ ገዝኡ ክወጽእ እንከሎ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዘይሰግእ (ጓል ትኹን ወዲ) መንእሰይ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ ይብሉ።

እቲ ቀንዲ ንመንእሰይ ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ንጡፍ ተዋሳኢ ዘግብሮ ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ መንእሰይ ቀጻሊ ተመሃርነትን፡ ድልየት ሓዲሽን ለውጥን፡ ቅልጡፍ ወሳንነትን፡ ነቲ መጀምርያ ዝሰምዖን ዝኣመነሉን ዝመሰሎን ከም ሓቂ ኣሚኑ ንክወስዶ ዝዓግቶ ተሞክሮ ጌና ዘይወነነ ምዃኑን እናጠቐስኩ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ እቲ ካብ’ቲ ልሙድን ሩቲናውን ዝኾነ ተግባራት ሕብረተሰብ ንክወጽእ ዝገብሮ ፈተነታትን’ውን ኣብ ሓዲሽን፡ ሓሓንሳብ ሓደገኛ ዝኾነ መገድን፡ ክኣልዮ ከም ዝኽእል፡ ከም ምኽንያት ክጥቀስ ይከእል።

መንእሰይ ንስልጣን ክግብቱ ዝደልዩ ሸነኻት  ኣዝዩ ዘስግእ ዘገድስን ሓይሊ ብምዃኑ፤ ኣብ ቅድሚ’ዞም መራሕቲ ክልተ ምርጫታት ይህልዉ።  ቀዳማይ፤  ከሎ ገና ነዚ ሓይሊ’ዚ ኣቕሪቦም/ከሲቦም ክጥቀሙሉ (ከም’ቲ ዝተጠቕሰ ናይ ሂትለር ተሞክሮ )፡ ወይ ድማ ካብ መንእሰያዊ ሃዋህው ዘርሕቕ መደብ ጌርካ ምልማሱን ሕልንኡ ምቕታልን። ኣብ ዕድመና ዝተዓዝብናዮ ሳልሳይ ምገዲ ክብሎ ዝደፍር ድማ፡ ነቲ ክትጥቀመሉ እትኽእል መንእሰይ እናተጠቐምካ ነቲ ዝተረፈ ድማ ካብ ናይ ፖለቲካን ሕብረተሰባውን ክውንነታት ብምርሓቕ ንመንእሰያዊ መንፈስን ኣኽእሎን ምህሳስ ኢዩ።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ካልኣይ ክፋል..ኣብ ዝቕጽል ክስዕብ ኢዩ……

 

Last modified on Saturday, 13 September 2014 07:54