ኤርትራ እትርከበን 43 ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳን ገደብን የስገአን’ሎ
2025-03-16 18:41:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 221 timesፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ን11 ሃገራት ኣብ ቀይሕ ዝርዝር ኣስፊሩ፡ ዜጋታተን ምሉእ ብምሉእ ናብ ሃገሩ ከምዘይኣትዉ ዝእግድ ንድፊ ኣዳልዩ ከም ዘሎ ኤሮኒውስ (Euronews) ሓቢራ። ካብ 43 ሃገራት ነተን ዝተረፋ ከኣ ኣብቲ ንድፊ ኣብ ዝርዝር ሕብሪ “ብጫን ኣራንሽን” ሰፊረን ከም ዘለዋ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ምምሕዳር ትራንፕ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጉዕዞ ገደብ ዝምልከት ንድፊ ከውጽእ ዝወሰነ “ንሃገራዊ ጸጥታን ህዝባዊ ድሕነትን” ብዝብል ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
በቲ ካብ ዝተፈላለያ መድያታት ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ምሰረት፡ እዘ 43 ሃገራት ኣብ ሰለስተ ዝርዝር ተመዲበን ቀሪበን ኣለዋ። እተን ኣብ “ቀይሕ ዝርዝር” ሰፊረን ዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ዜጋታተን ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ዝእገዱ ኮይኖም፡ ኣፍጋኒስታን፡ ቡህታን፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ሰመኤን ኮርያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ሱሪያ፡ ቬንዝዋላን የመንን እየን።
ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ከኣ ኣብ ዝርዝር ሕብሪ “ኣራንሺ” ዝሰፈራ ኮይነን፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይኮነ፡ ንስደተኛታት፡ በጻሕቲ ሃገርን ተመሃሮን ብዝትንክፍ ፍሉይነት ዘለዎ ከፊላዊ እገዳ ክውሰነን ተሓሲበን ዘለዋ እየን። ኣብዚ ዝርዝርዚ ሰፊረን ዘለዋ ድማ፡ ኤርትራ፡ ቤላሩስ፡ ሃይቲ፡ ላኦስ፡ ሚያንማር፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ሲራልዮን፡ ደቡብ ሱዳንን ቱርኮሚስታንን እየን።
ኣብ ዝርዝር “ብጫ” ሰፊረን ዘለዋ እተን ዝበዝሓ ኮይነን፡ ኣብ 60 መዓልታት ብመንጽርቲ ኣሜሪካ ኣውጺኣቶ ዘላ መምዘኒ ዘርእየኦ ምምሕያሽ ኣብ ግምት ኣትዩ ናብ ዝርዝር ቀይሕ ወይ ኣራንሺ ተሓዊሰን፡ ብጠቕላላ ወይ ብኸፊል ዝእገዳ እየን። ኣብዚ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ከኣ፡ ኣንጎላ፡ ኣንቲጉዋን ባርቡዳን፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ቫናቱ፡ ጋምቢያ፡ ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ዙምባብወ፡ ኬፕቨርደ፡ ካምቦዲያ፡ ካሜሩን፡ ኮንጎ፡ ላይበሪያ፡ ማውሪታንያ፡ ማላዊ፡ ማሊ፡ ሳኦተመን ፕሪንችፐን፡ ጊኒ፡ ሰይንት ኪትስን ነቪስን ቻድን እየን።
እዚ ንድፊ ቅድሚ ምትግባሩ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክሓልፍ ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ንድፊ ዝወጻን ኣብቲ ንድፊ ዘየለዋ ዝውሰኻን ሃገራት ከም ዝህልዋ ይግመት።