ወጥሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ይገድድ’ሎ

2024-04-05 08:09:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 274 times

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይን ዓለም ለኻዊ ዝምድናን ሶማሊያ ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡  ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያሙክታር መሓመድ ዋረ   ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ንክወጽእ ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ። ብዘይካዚ ሶማሊያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣንበሳድራ ናብ ሃገሩ ክምለስ ክትጽውዖ እንከላ፡ ኣብ ሶማሊያላንድ ሃርገሳን ኣብ ፑትላንድ ጋረወን ዘለዋ ኣብያተ-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክዕጸዋ ከም ዝተወሰነ እውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ መግልጺ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ስጉምቲ ንምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ዝተወስደ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ብምቕጻል ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኢትዮጵያ ስጉምቲ ዝተወስደ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓድነት ሶማሊያ ዝወሰደቶ ዝበሎ ስጉምቲ ተኸቲሉ ብዝተወኖ መሰረት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ንዝምድና ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ከምዚ ደረጃ ዘውደቖ፡ ቅድም እቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ከም ዝህብ ዝተገልጸ፡ መረዳድኢ ሰነድ እሞ ሶማሊያ መቃድሾ “ኣንጻር ልኡላውነተይ እዩ” ብዝብል ብትሪ  ዝተጻረረቶ ነይሩ። ነቲ ኩነታት ብኣቀራራብነት መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ጅቡትን ኬያን ናይ ምህዳኡ ጻዕሪ እናተኻየድ፡  ኢትዮጵያ እንደጋ ምስ መራሕቲ እታ ንሕገመግስታዊ ምምሕያሽ ሶማሊያ ኣፍልጦ ከምዘህቡ ዝኣወጁ ካልእ ግዝኣት ሶማሊያ ፑትላድ ብዘያፍልጦ መቃድሾ ካልእ ዝምድና ክትፈጥር ምጅማራ ከም ዘጋደዶ ተፈሊጡ።

እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝምዕብል ዘሎ ቅልውላው፡ ብድሕሪኡ ብዙሓት ሓይልታት የሰልፍ ስለ ዘሎ፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ፈጢሩ ናብ ዝኸፈአ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ከይብርኽ ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

Last modified on Friday, 05 April 2024 10:15