ኤርትራ ብጭውያ ሰባት ተኽሲሳ፡ ምስ ብሪጣንያ ምስሕሓባ ቀጺሉ

2024-02-06 10:22:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 484 times

ማዕከን ዜና ኣሶሸይት ፕረስ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ መሊኣ ከምዘይወጸት ብምጥቃስ፡ ሰራዊታ፡ ኣበ ዶባት ዝነሩ ተጋሩን እንስሳ ዘቤቶምን  ጨውዮም ከም ዝወስዱ፡ ከምኡ እውን ንገለ ወገናት ኣገዲዱ ናይ ኤርትራ  ወረቐት መንነትን ንክሕዙ ከም ዘገድድዎም ሓቢሩ። ብሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ መሻርኽቱ ትካላትን ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ው ነዚ ፍጻመ ከም ዘረጋገጽዎ ተሓቢሩ

ካብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘይሰፈሮ ዝተጠቕሰ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተጨውዩ 14 ሓረስቶትን ኣስታት 150 እንስሳ ዘቤትን ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብዚ ጭውያ ዝፈጸመሉ ወረዳታት ንክወጽእ  ብዝተፈላለዩ ወገናት ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ክቐርበሉ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ፈጻሚ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቀሪቡ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህቦ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ኣብቲ መጠንቀቕታ ነቲ ፈጻሚ ጉዳይ ብሪጣንያ መሬት ኤርትራ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንክጸንሕ ከም ዝደገፈትን ሎሚ እውን ነቲ ተግባር ትደግሞ ኣላ ዝብል ክሲ ከም ዝተነግሮ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ክሲ ካልእ ዝርዝርኳ እንተዘይቀረበ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኩነታት ተመዛበልቲ ንምዕዛብ ናብ ትግራይ ዝገሸ ሚንኒስተር ልምዓት ኣፍሪቃ ብሪታያ፡ ከምኡ እው ኣንበሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ”  ብዝብል ዘቕረዎ መጸዋዕታ ዝምልከት ምዃኑ ይግመት።

ኤርትራን ብሪጣንያን፡ ኣቐዲመን እውን ኣብ መንጎአን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክበን ካብ ኣንበሳደር ናብ ደረጃ ፈጻሚ ጉዳይ ስለ ዘውረደኦ፡ ኣንበሳደር እስጢፋኖስ ሃብብተማርያም ናብ ኣስመራ ከምዝተመልሰ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 06 February 2024 11:45