ናይ ሓዘን መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
2022-07-19 03:00:04 Written by Admin Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2488 timesብምኽንያት ሃንደበታዊ ዕርፍቲ ብጻይና ኢሳቕ ተስፋጋብር መዲን ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ። ብጻይና ኢሳቕ ምእንቲ ንጻነትን ሓርነትን ህዝብና ካብ ንእስነቱ ዝዓጠቐ ክሳብ ዕለት ዕርፍቱ ዘይሕለል ተቓላሳይ፡ ብጉልበቱ ይኹን ብገንዘቡ ውፉይ ኣባል ጨንፈር ስያትል ኮይኑ ንዓመታት ተቓሊሱ 18 ሓምለ 2022 ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፉ።
ኣብርእሲ ኣባል ሰዲህኤ ምዃኑ ኣባል ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትርውያን ስያትል ምንቅስቓሳት ንጡፍ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ዘፍቅር፡ ብቐሊሉ ዘይትካእ ብጻይ ብምስኣና ዝስማዓና ሓዘን ዓሚቝ’ዩ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንስድራቤት ብጻይና ኢሳቕ ጽንዓት ይሃብ እናበልና፡ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ። ከም ብጾቱ ድማ ኢሳቕ ዝተቓለሰሉ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ክሳብ ብዓወት ዝድምደም፡ ኣሰሩ ተኸቲልና ክንቃለስ ምዃና ነረጋግጸሉ።
ክንዕወት ኢና
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
18 ሓምለ 2022