ሃገራዊት ጋንታ ቦትስዋና ብሰንኪ ብኩራት ኤርትራ ሓሊፋ

2022-03-05 09:04:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 785 times

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኣይቨሪኮስት ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ “ሻምፒዮና ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2023 (AFCON 2023)’ ክትሳተፍ ብዘይምኽኣላ መጋጥምታ ሃገራዊ ጋንታ ቦትስዋና ብዘይጸወታ  ናብ ቀጻሊ ምጽራይ ከም ዝሓለፈት መርበብ ሓበሬታ ሰቲት፡ ስፖርታዊ ጸብጻብ ንእተቕርብ ጋዜጣ ቦትስዋና ብምጥቃስ ሓቢራ፡ እታ ናይ ስፖርት ጋዜጣ ቦትስዋና ኣተሓሒዛ እቲ መጻረይ ግጥም ኤርትራን ቦትስዋናን 21 መጋቢት 2022 ክካየድ ተመዲቡ ከም ዝነበረን እታ “ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ” ተባሂላ እትጽዋዕ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ከምዘይትሳተፍ ከም ዝተረጋገጸን ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ስፖርት ቦትስዋና ኣብ ናይ 4 መጋቢት 2022 ሕታማ፡  ከም ዝገለጸቶ ናይ ኤርትራ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ካብቲ ውድድር ምብኳር ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 17 ዓመት ኣብ 2ይ ዙርያ  ምስ ካሜሩን ካብ ዝተኻየደ ውድድር ምብኳራ ተመሳሳሊ ምዃኑ ጠቒሳ።

እቲ ጠንቂ ምብኳር ብዝርዝርኳ እንተዘይተፈለጠ ብዙሓት ወገና ጠንቁ ዘይቅኑዕ ምምሕዳር ስፖርት ኤርትራ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ብተደጋጋሚ ከጋጥም ዝጸንሐ ናይ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ካብ ሃገር ውጺእካ ዘይምምላስ እውን ልሙድ ምኽንያት እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ እንኮ ዜጋታታ ጸረ ኮቪድ-19 ክኽተቡ ዘየፍቀደት ሃገር ምዃና ከም ምኽንያት ዝውሰድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኻየደ ውድድር “ዙር ሩዋንዳ 2022” ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ብሰንኪ ኣባላታ ዘይምኽታቦም ካብ ተሳትፎ ከም ዝበኾረት ዝዝከር እዩ።

Last modified on Saturday, 05 March 2022 10:14