መግለጺ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ

2022-02-12 16:19:15 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 944 times

ማእከላይ ባይቶ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ በ29 ጥሪ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእን፣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፣ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዛዕባታት ብዝምልከት ሒዝዎ ዝጸንሐ መርገጻትን ዝምረሓሉ ፖሊሲታትን ተመስሪቱ  ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል እናተምርሐ ንሓያሎ ሰዓታት ዘካየዶ  ፍሉይ ኣኼባኡ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ እንተቐጺሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይን እቲ ውግእ ኣብ ዝበጸሖ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘውረዶን ሕጂውን ዘውርዶ ዘሎን ዕንወትን ህልቂትን ርኡይ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ደቃ ብዘይ ድሌቶም ኣብቲ ውግእ ተጠቢሶም ዝጠፍኡዋ ዘለዉ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባና እውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ባይቶ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪቲ ኣብቲ ክልተ እዋናዊ ዛዕባታት ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋምን ሰፊሕ ምይይጥን እዞም ዝስዕቡ መደምደምታታትን ውሳነታትን ኣስፊሩ፡

  • ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ውግእ ንምብላሕ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዓቦ ብርሰትን ዕንወትን ኩኑን እዩ። እዚ ብሽርክነት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ነቲ ንቡር ሕውነት ክልቲኡ ህዝብታት ኣዚዩ ዝሃሲ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ከኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ደጊሙ ኣውጊዝዎ። ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ሕጂውን ስርዓት ህግደፍ ብወያነ ኲናት ተኸፊቱና ብዝብል ጉልባብ ካብ ደገፍቱን እናኣፈራርሀ ካብ ዘገድዶም ንጹሃት ዜጋታትን ገንዘብ ይእክብ ምህላዉ ስለዝተገንዘበ ኩሎም እቶም ንመፈጸሚ ጸረ ህዝቢ ስርሒታት ገንዘብ ዝውፍዩ ወገናት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመዝጊቡ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሎም እቶም ኣብቲ ውግእ ግህሰት ዝፈጸሙን ብኣዕናዊ ተግባራት ዝሕተቱን ኣካላት ጉዳዮም ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ተጻርዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ህዝቢ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ከቕርብ ኣኼባ ባይቶ የዘኻኽር። ብዝተተሓሓዘ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት፤ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ገበናት ህግደፍ ድኣእምበር ብእኡ ዝሕተት ከመዘይኮነ ክርድእሉ ነማሕጽን።
  • እዚ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰፊሑ ዘሎ ውግእ መሰረታዊ ጠንቁ ፍልልይ ሕገመንግስታዊ ኣተረጓጉማን ፖለቲካዊ ኣረዳድኣን ስለ ዝኾነ፡ ማእከላይ ባይቶ ምቕጻል ውግኣት ክፈትሖ ከም ዘይክእል ይኣምን። ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ውግእ ጠጠው ብምባል እቲ ፍልልይ ብዘተ ንክፍታሕ ንዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒትን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣኼባ ባይቶ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ክልቲኦም ወገናት ንዘተን ፍታሕን ቅሩባት ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ።ንህዝቢ ትግራይን ንኩሎም ብውግእ ዝተሃስዩ ካልኦት ወገናትን በዂሩዎም ዘሎ ሕቶ መሰረታዊ ቀረባት ብህጹጽ ክምለሰሎምን፡ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦን ኣኼባ ተማሕጺኑ።
  • ብሰንኪ’ቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲኻ ኣደዳ ዓጸቦ ምግባር ዝብል ዕላማ ወረርቲ ሓይልታት ከም ዝቋረጹ ተጌሮም ዘለዉ ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፡ መስመር ተሌፎንን ኢንተርነትን፡ ማይ፡ ባንክ፡ መጓዓዝያታትን ዝኣመሰሉን ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱ ባይቶ ደጊሙ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ በቲ ሰኣን መግብን ሕክምናን ዝመውት ዘሎ ህዝቢ መሪር ሓዘን ከም ዝስምዖ ባይቶ ኣስፊሩ። ካብዚ ንምድሓን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዋ ረዲኤት ንኸይበጽሖ ካብ ምዕንቃፍ ክቑጠቡ ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተማዛበሉ ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ ተግባር ከይፍጸምን ረድኤት ኣብ ግዝይኡ ከምዝበጽሖም ክግበርን ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
  • እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ መደበራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቱ_(መነባብርኡ) ተመዛቢሉ ኣብ ፈቐዶ መዕቆቢ ቦታታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ደብዳባት ነፈርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰታትን ጠጠው ክብል፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግህሰታት ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ወገናት ብግቡእ ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣኼባ ባይቶ ይጽውዕ። ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ኣብዚ መዳይዚ ክጽዕቱ ከኣ ጸዊዑ።
  • ምሩኻት ውግእ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ክትሓዙ፡ ብገበን ዝጥርጠሩ እንተለዉ ከኣ ጉዳዮም ብነጻ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰሎም ከይጓደል ዝከኣሎም ክገብሩ።
  • ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምትእኽኻብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብቲ ዝተሓሰበሉ ሸቶ ክበጽሕ ይቀራረብ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ርእዩ። በዚ መሰረት ሰልፍና ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ሕቶ ምምስራት ሓቢርካ ዘቃልስ ጽላል ክሳብ ዝዕወት ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ባይቶ ወሲኑ። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕሮም ከዛይዱ ከኣ ከም ወትሩ ጸዊዑ።

ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ሱዳን ብዘውሕስ፡ መንገዲ ንክተሓዝ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

በዚ ኣጋጣሚ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝብድሎ ዘሎ ከይኣኽሎ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ወራራት ፈጢሩ ዘወድኦ ዘሎ ህግደፍ ከይተሓለለ ቃልሱ ከሐይል ደጊምና  ነዘኻኽሮ። ሎሚ እዚ ጉዳይ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ መኸተናን ሓድነትናን ኣንጻር ወጻዒ ንኽሕይል ተርኡ ንኽጻወት ንጽወዖ። መላእ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ከኣ ከም ወትሩ ፖሊሲታት ሰልፎምን ውሳነታት መሪሕነቶምን ኣብ ኩሉ መዳያት በቲ ልሙድ ጽንዓቶም ተወፋይነቶም ምዕዋት ክቕጽልዎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ይጽውዕ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

29 ጥሪ 2022

Last modified on Saturday, 12 February 2022 17:24