ስደተኛታት: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም

2022-01-22 17:14:11 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 873 times

ስደተኛታት: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም

20 ጥሪ 2022
ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO

መግለጺ ስእሊ,

ኣለም ተስፋይ (ጸጋም) ክብሮም ኣድሓኖምን (የማን)

ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ተሰጋጊሮም።

እዞም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተብሃሉ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2014 ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ካናዳ፡ ከተማ ቶሮንቶ ከምዝኣተዉ ንጉዳዮም ብቐረባ ክከታተሎ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ግሎባል ባይቶ ይኣከል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ግብጺ ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ሰብመዚ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትጥርዝዎም ምሉእ ምድላዋት'ኳ ወዲኦም እንተነበሩ፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጎስጓስ ካብ ምጥራዝ ከምዝድሓኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ እዋን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከይተረፈ ኣለምን ክብሮምን ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ንመንግስቲ ግብጺ ምምሕጻኑ ይዝከር።

ግሎባል ባይቶ ይኣክል ንምፍታሕ እዞም እሱራት ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ"ነቲ ህዝብና ዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕርታት፣ ብማሕበራዊ መዲያ፣ ብትዊተር፣ ብተፈላለዩ ጽሑፋት፣ ብሰላማዊ ሰልፊ፣ ብገንዘባዊ ልግሲ: ወዘተረፈ፣ ግዜኹም ከይቆጠብኩም ጂባኹም ከይበቐቕኩም ንዝገበርክሞ ኣስተዋጽኦ፣ ብሽም ኣለም ተስፋይን ኪብሮም ኣድሐኖምን፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም" ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO

መግለጺ ስእሊ,

እቶም ስደተኛታት ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ብመሰረት ሕጋጋት ካናዳ ንዝተወሰነ መዓልታት ተወሺቦም ከምዝጸንሑ ብምግላጽ "ምስጋና ንምሃብ ክሳብ ዝኽእሉ፣ ኩሉኹም መዓከናት ዜና ንኽትዕገሱና ብትሕትና ንሐትት" ይብል።

ኣለምን ክብሮምን ናብ ካናዳ ንኽሰጋገሩ፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዝርከቡ ኤሪትራውያን ማሕበረ ኮም፣ ከምኡውን 'ንሪሰትለመንት' ንዝምልከት ፍቓድ፣ ካናዳውያን ዩኒታሪያን ካውንሲል፡ ምስ ኤሪትራውያን ማሕበር ቶሮንቶ ልዑል ጻዕሪ ከምዝግበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣለም ተስፋይን ክብሮም፡ ክልቲኦም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም፡ ኣለም ኣብ 2012 ክብሮም ኸኣ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን እንተኾነ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘየለ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ

ምንጪ ስእሊ,AMNESTY INTERNATIONAL

ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቁን ግዳይ ሞት፡ ጾታዊ-ዓመጽን ጭውያን ከምዝኾኑ ይንገር።

Last modified on Saturday, 22 January 2022 18:17