ብኣመሪካ ዝተገብረ እገዳ ንኤርትራ ብኸመይ ክጸልዋ ይኽእል?

2021-12-13 18:52:22 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1116 times
13 ታሕሳስ 2021, 09:21 EAT
ዕዳጋ ሓምሊ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መንግስቲ ኤርትራ፡ ዓሚ ሕዳር ኣብ ቅልውላው ትግራይ ኢዱ ምስ ጸምበረ ክፍሊ ፋይናንስ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ዘኸተለ ግጭት ኢድ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ እዩ።

እዚ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብርሃ ካሳ ነማርያም፣ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ጄነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፣ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳን ከምኡ'ውን ንዝተፈላለያ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዝሓቁፍ ሕድሪ ትረስትን ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪን ይምልከት።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ እቲ ኣብ ትካላትን ሓለፍትን ህግደፍ ዝተገብረ እገዳ ክሰርሕ ይኽእል ድዩ? ንመን እዩ ዘርብሕን ዝጎድእን?

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እንታይ ጽልዋን ሳዕቤንን ክህልዎ ይኽእል ንዝብል ሕቶ ንናይ ሕሳብን ፋይናንስ ኪኢላ ክብሮም ዳፍላን ንኪኢላ ምሕደራ ህዝብን ትካላትን ኣቶ ዳዊት ፍሰሃየን ብምዝርራብ ዳህሲሱዎ ኣሎ።

_________________________________________________

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ትካላትን ህግደፍ ኣምቢራቶ ዘላ እገዳ ነቲ ስርዓት ማዕረ ክንደይ ክጸልዎ ይኽእል ንዝብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ንባህርን ኣካይዳን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግምት እንተእቲኻ ዋላ ሓደ ትርጉም የብሉን ይብል።

"መንግስቲ ኣመሪካ ንባህርን ኣካይዳን መንግስቲ ኤርትራ ብግቡእ ዝተረድኡዎ ኣይመስለንን። እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ውልቀ ሓለፍትን ህግደፍ ኣንቢሮሞ ዘለው እገዳ ካብ መፈራርሒ ዝሓልፍ ትርጉም የብሉን" እዩ ዝብል።

እቲ ብሓርነታዊ ኵናት ዝመጽአ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ን30 ዓመታት ምልካዊ ስርዓት ሰሪቱ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብቲ ሕጋዊ ሰብነት ሒዙ ክንቀሳቐስ ዘይክእለሉ ዝነበረ እዋን ቃልሲ፡ ንህላዌኡን ቀጻልነቱን ክብል ንዘካይዶ ዝነበረ ሕቡእ ንግዳዊ ንጥፈታት (ኮንትሮባንድ) ኣጸቢቑ ስለ ዝመለኾን ድሕሪ ናጻነት እውን ስለ ዝቐጸሎን እዚ ናይ ሕጂ እገዳ ጸቕጢ ከም ዘይፈጥረሉ ይዛረብ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ዳይረክተር ጀኔራል ዝነበረ ኣቶ ዳዊት ፍስሃየ ግን ኣመሪካ ነቲ ጽዒኖምዎ ዘለው እገዳ ብግቡእ እንተተቖጻጺሮምዎ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ ክብል ይካታዕ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ማዕቀብ፡ "ህዝቢ ኣሳቒኻን ኣጥሚኻን ናዕቢ ንምብግጋስ ዝዓለመ እዩ" ክብል ተቓዊሙ።

ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣመሪካ ዳይረክተር ምቁጽጻር ሃብቲ ወጻኢ ኣንድሪያ ጋኪ ግን "እቲ ስጉምቲ ነቶም ኲናት ዘጋድዱን ፍንፉን ተግባራት ዝፍጽሙን ኣካላት ዝዓለመ'ዩ" ኢላቶ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሶፊያ ተስፋማርያም እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳ: ኤርትራ ኣንጻር ኮቪድ ንእትገብሮ መኸተ ስለ ዝዕንቅፍ ንክለዓል ሕቶ ኣቕሪባ።

እንተኾነ ሓላፊ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ሲዲሲ፡ ዶ/ር ጆን ንከንጋሶንግ ኤርትራ፡ ካብ 55 ሃገራት (ሕብረት ኣፍሪቃ) እታ ንህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትህብ ዘይጀመረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ብሓሙስ ብማንዛ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ስለ ምንታይ ክታበት ኮቪድ ከይቅበል ከም ዝተሓሰመ ብንጹር ኣይገለጸን።

ዕላማ እቲ እገዳ እንታይ እዩ?

እቲ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ክፍሊ ግምጃ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ፡ እቶም ሰባትን ትካላትን ኣብ ኣመሪካ ንዘለዎም ገንዘብን ዝውንኑዎ ንብረትን ዝእግድ እዩ።

እንተኾነ ኣቶ ክብሮም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኣመሪካ ብህግደፍን ትካላቱን ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት ኮነ ዝዕደግ ንብረት ከም ዘየሎ፣ እቲ ኣብ ኣመሪካ ክህሉ ዝኽእል ገንዘብን ንብረትን ናይቶም ዝተኣገዱ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ፈጺሙ ከረኻኽበሎም ከም ዘይክእል ይዛረብ።

ወሲኹ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብከምዚ ዝኣመሰለ ማዕቀብን እገዳን ከይሰናኸል ካብ ቅድም ኣትሒዙ ንሃብቱን ንብረቱን ዓሚቝ መሽጎራጉር ፈጢሩሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።

ኣመሪካ ንከምዚ ዝኣመሰለ እገዳ ክጽዕኑ እንከለው ዝገበሩዎ መጽናዕትን ምክትታልን ክህሉ ከም ዝኽእልን እንተደኣ ነቲ ዝጸዓኑዎ እገዳ ብግቡእ ተኸታቲሎም ከተግብሩዎ ጽዒሮም ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ከም ዝኽእሉ ይኣምን።

ኣብ ርእሲኡ ኣቶ ዳዊት፡ ''እቲ ብ09 ዝጽዋዕ ናይ ህግደፍ ትካል ንግድ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዕደናታት ቁጠባ ዝውንን፤ ናብታ ሃገር ንብረት ዘእቱ፡ ምስ ሱዳንን ካልኦት ጎረባብትን ዝግበር ሕጋውን ዘይሕጋውን ንግድ ዝቆጻጸር፤ ኣብ ርእሲኡ ናይ ሸርፊ ንጥፈታትን ሓዋላ ኩሎም ብመገዲ ትካል ቀይሕ ባሕሪ እዮም ዝግበሩ። ንሸርፊ ወጻኢ ምቁጽጻር ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሸርፊ ብሕጊ ዕዳጋ ዘይኮነ መንግስቲ ብዝተመኖ መጠን ሸርፊ እዩ ዝፍጸም'' ይብል።

ኣብታ ሃገር ናይ ብሕቲ ወፍሪ ዝበሃል ስለ ዘየሎ፡ ብስም ርትዓዊ ዱካናት ዝጽውዓ ናይ መቑነን ዱኳናት ብምቁጽጻር ከም ሽኮርን ባንን እኽልን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ብመቑነን ዝዕድል እቲ ትካል ምዃኑ'ውን ኣቶ ዳዊት የረድእ።

ጎደና ናቕፋ
መግለጺ ስእሊ,

ጎደና ናቕፋ

ሕድሪ ትስት ህግደፍ እንታይ እዩ?

ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ሕድሪ ትራስት መማሓደሪ ሃብቲ ምዃኑ ይገልጽ።

ንኣብነት ከም በዓል ፊያት ንዝኣመሰሉ ትካላት ዝውንኑ ሃብታማት ስድራ ንብረቶም ብትራስት ከም ዘመሓድሩዎ፡ እተን ዝውንኑወን ዝተፈላለያ ኩባንያታት ከኣ ግብሪ ምስ ከፈላ እቶተን ናብ ትራስት ብምግዓዝ ዋናታተን ብዝደለዩዎ ኣገባብ ብሕጊ ብቦርድ ከም ዝመሓደርን የረድእ።

ብተወሳኺ ዋላ እውን እተን ትካላት ብዝተፈለላየ ምኽንያት እንተተዓጽዋ እቲ ሃብቲ ስድራ ናብ ደቆምን ደቂ ደቆምን ከም ዝመሓላለፍ'ውን ይገልጽ።

"ሕድሪ ትራስት ኣብ ፈለማ 1995 ኣቢሉ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝውንኖ ዝነበረ ዝርካቡ ንብረት ንስድራን ደቅን ስውኣት ንኽውዕል ብትራስት እንተተመሓደረ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ መጺኡ ዝተጀመረ እዩ" ኢሉ።

እዚ ንኹለን ናይ ህግደፍ ትካላት ብፋንድን ሕጋዊ ዘበናዊ ፋይናንሻል ኣሰራርሓ ስለዘይሓዘን እቲ ሐሳብ ብግብሪ ከም ዘይሰርሐ የረድእ።

"ስለዝኾነ ሕጂ እቲ ንብረት ብስም ኢሳይያስ ድዩ ዘሎ ብሓጎስ ወይ ብኻልእ ይሃሉ ትርጉም የብሉን። ብሓጺሩ ሕድሪ ትራስት ጉልባብ ስለ ዝኾነ ሽም ጥራሕ እዩ ክጽዋዕ ዝኽእል" ይብል።

ሕድሪ ትራስት ንልዕሊ 30 ቁጠባዊ ትካላት ዝሓቁፍ ዓቢ ትካል ከም ዝኾነን ብኸመይ ከም ዝካየድን ከም ዝመሓደርን ዝፈልጥ እንተልዩ ኣዝዩ ውሱን እዩ ይብል ኣቶ ዳዊት።

እቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝበሃል እንኮ ሰልፊ ናይታ ሃገር'ውን እንተኾነ ካብቲ ብወግዒ ዝቖመሉ 1994 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ጉባኤ ኣካይዱ ኣይፈልጥን።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ብዙሓት ካብ ላዕለዎት ኣባላቱ ብሕማምን ሞትን ተፈልዮም ከብቅዑ ዝኾነ ይኹን ምትኽኻእ ዘይገበረ ሰልፊ ብምዃኑ ትካል ክትብሎ ዘይከኣል እዩ ይብል ዳዊት።

ኤርትራ ንእስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ትተሓባበርን ነቲ ዞባ ተናዓዕብን ኣላ ብዝብል ክሲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብ2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ "ዘተኣማምን መርትዖ ኣይተረኽበን" ብማለት ኣብ 2018 ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ምስ ተፈጸመ እቲ እገዳ ከም ዝተላዕለ ይዝከር።

______________________________

ተሓላቒ መሰላት ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ካብ ሰማንያታት ኣትሑዙ ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነጥፍ ዝነበረ ሙሁር ስነ ቁጠባ እዩ።

ንሱ፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ሓደ ካብ መስራቲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝነበረ ኣካያዲ ትካል ሸርፍን ሓዋላን ሂምቦል ኣብ ኒስትሪ ፋይናንስ ኤርትራ ሓላፊ ክፍሊ ግምጃ ዝነበረን ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ ባንክን ኣይ ኤም ኤፍን ኮይኑ ዝሰርሐን እዩ።

ኣቶ ዳዊት ፍሰሃየ ከኣ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ቃልሲ ብዝለዓለ ጽፍሒ ዝመርሐ፡ ድሕሪ ነጻነት ንኣካይዳን ምሕደራን መንግስቲ ኤርትራ ብምቅዋም ንስደት ክሳብ ዘምርሕ ኣብ ኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ዳይረክተር ጀኔራል ኮይኑ ዘገልገለ ሙሁር እዩ።

Last modified on Monday, 13 December 2021 19:59