ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት ትግራይን ነባሪ ፍታሕን

2021-11-04 18:16:34 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1017 times

4 ሕዳር 2021, 07:16 EAT

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ,AFP

ዓሚ ሕዳር፡ ልክዕ ከምዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ግጭት ትግራይ - ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ድሕሪ ዓመት ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ሰጊሩ ኣብ ጎቦታት ወሎ ከቢድ ኵናት ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ኵናት እዚ ክልቲኦም ተቐናቐንትን፡ መሻርኽቲ መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ትግራይን ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ከምዝፈጸሙን ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ከምዘለዎምን ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ እዚ ዓመቱ ዝገበረ መንእሰያት ዘህልቕ፡ ንጹሃት ሲቪል ዝገፍዕ፡ ኣዴታትን ኣሓትን ብዓመጽ ዝደፍር፡ ሃብትን ንብረትን ዘባኽን ዘሎ አዕናዊ ኵናት፡ መወዳእትኡ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እንታይ ዝሓሸ ፍታሕን መጻእን'ከ ክህሉ ይኽእል'ዩ ንዝብል: ፖለቲካውያን ተንተንቲ እቲ ዞባ፡ ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ ኣርኣያ ምሁር ዓለም ለኸ መጽናዕትን ምርምርን፡ ኣብ ሲቲይ ዩኒቨርሲቲ ኒው ዮርክ ኣብ ኣፍሪካን ስታዲስ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሺም ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ምሁር ፈደራሊዝም ካብ ለንደን፡ ኣኽባር ሕግን ዳኛን ነበር ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደራስን ተኽለሓንስ ክፍለሓንስ ካብ ማንቸስተር ገምጋሞም ኣካፊሎምና ኣለው።

መንቀሊ እቲ ኵናት እንታይ እዩ?

ክሳብ ሚያዝያ 2018፡ ንኣስታት 27 ዓመታት ኢህወደግ ኣብ ዝተሰምየ ልፍንታዊ መንግስቲ ሓቢሮም ክሰርሑ ጸኒሖም ዳሕራይ ናብ ኵናት ዝኣተው መንግስቲ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዛዕባ እቲ ናብ ውግእ ዘብጸሐ ምኽንያት ነናይ ገዛእ ርእሶም መግለጺ ኣለዎም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ 'ዶር ኣቢይን ኣስፋሕፋሕቲ ወገናት ኣምሓራን ንህዝቢ ትግራይ ንምስኳንን ንምንብርካኽን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሻሪኾም ንከጥፍኡና ዝኣጎዱዎ ኵናት እዩ' ክብሉ እንከለው፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ህወሓት ነቲ ን20 ዓመታት ዶባት ክሕሉ ኣብ ትግራይ ዝሰፈረ ሰሜን እዝ ብለይቲ ሓደጋ ወዲቑ ብግፍዒ ስለዝቐተሎ "ሕጊ ንምኽባር" ዝኣተናዮ ግጭት'ዩ' እዩ ዝብል።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምሁር ፈደራሊዝም ዓብደሩሕማን ሰይድ ኣቡሃሺም፡ ነቲ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝህቡዎ ምኽንያት ብምንጻግ እቲ ኵናት ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዘንቀሎ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት "ግጉይ ቅማረ" ሒዞም ናብቲ ኵናት ከምዝኣተው ይሕብር።

መረዳእትኡ ብምስፋሕ ከኣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን 'ጸላእትና ምስ ጎረቤት ተሻሪኾም ከጥቅዑና ምድላዋት ወዲኦም ኣለው' ድሕሪ ምባል፡ ህወሓት፡ ነቲ ዘበናዊ እስትራቴጂካዊ ኣጽዋር ዓጢቑ ኣብ ትግራይ ዝነበረ "ሰሜን እዝ"፡ ብለይቲ ሓደጋ ወዲቑ ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምግባር፡ በቲ ዝተቖጻጸሮ ኣጽዋር ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ነቲ ኵናት ክዛዝሞ እኽእል እየ ዝብል ግምት ከምዝነበሮ ይሕብር።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕሮፌሰር "ልምዓትን ምዕባለን ኣፍሪቃ" ዶክተር ገላውዴዎስ ኣርኣያ ብወገኑ፡ "ኣብይ ኣሕመድን መሰልቱን ኣብ ውሽጢ ኢህኣወዴግ [ኮይኖም] ብሚስጥር ንሓርበኛታት/ ግንቦት ሰባት ሓበሬታ ክህቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣቢይ ብሚያዝያ 2018፡ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ሽዑ ንሽዑ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ርክብ ብምፍጣር፡ ንህወሓት ንምውጋድን ንህዝቢ ትግራይ ንምስኳንን ዝዓለመ ኵናት ኣዊጆም" ብማለት እቲ ኵናት ኣቐዲሙ ተሓሲቡሉ ዝተኻየደ እምበር፡ ህልኽ፡ ናይ ስልጣን ውድድር ዝበሃል ነገር ብኻልኣይ ደረጃ ከም መባልሒ ኵናት ዝረኣዩ ረቛሕቲ እዮም ይብል።

መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ 'ኣባላት ምክልኻል ተወለድቲ ትግራይ ንዓመታት ሓቢሮምዎም ዝተዋደቑ ብጾቶም ከዲዖም ብለይቲ ወቒዖምዎም' ብምባል "ሕጊ ንምኽባር" ብዝብል ወፍሪ፡ ኣሎ ዝበሃል ዓቕሚ ኣኽቲቱ፡

ብደቡብ ብሰራዊት ኤርትራ ተሓጊዙ፡ ናይ ድሮንን ነፈርትን ድጋፍ ረኺቡ፡ ኣብ ሰለስተ ሰሙን ንከተማ መቐለ ተቖጻጺሩ፡ "ደጊም ህወሓት ማለት ኣብ ሰማይ ከምዝተበተነ ሓርጭ ቁጸሩዎ" ከምዝበለ ግን ከኣ እቲ ንሸውዓተ ወርሒ ናብ ጎቦታት ኣንሳሒቡ ዝጸንሐ፡ ሓመድ ልሒሱ ዝተንሰአ ሓይሊ ተመሊሱ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸራን ኪንኡ ከምዝሰጎመን፡ ብምግላጽ፡ ኩሎም ወገናት ብግጉይ ቅማረ ኵናት ኣብ ውድድር ስልጣን ከምዝተጸምዱ የረድእ።

ኣብ ኤርትራ ኣኽባሪ ሕግን ዳኛን ነበር ደራስን ክፍለዮውሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)፡ " እዚ ኵናት በቲ "ገይም ኦቨር" ብምባል ንዕርቀ ሰላም 2018 ዝተቐበለን፡ ጸኒሑ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኽሰት ምዕባለ " ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን ኢና" ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እዩ ተሳዊሩን ተጓሃሂሩን ይብል።

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ,AFP

ኵናት ዘስዓቦ ሞትን ምምዝባል ሰላማዊ ህዝቢ

ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ዝተሳተፈን ብሓላፍነት ዝሰርሐን ክፍልሓንስ፡ ኵናት ብባህሪኡ አዕናዊ ምዃኑን፡ ኣብ ኵናት ሰብን ጥሪትን፡ ዘራእትን ንብረትን፡ ኣድባርን ገዳማትን ቁጠባን እቶትን ከምዝዓኑ፡ " ብፍላይ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ዝካየድ ኵናት ከኣ ዋላ እውን ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ ሓልዮት ሃልዩካ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክትሕሉ እንተሓለንካ ሻምብቆ መዳፍዓትን ቦምባታት ነፈርትን ክትቆጻጸሮ ከቢድ ስለዝኾነ ብፍላጥን ዘይፍላጥን ብዙሕ ሓደጋ እዩ ዘጋጥም" ይብል።

ስለዝኾነ መንግስቲ ፈደራልን ሰራዊት ኤርትራን ንህወሓት ንምህዳን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሑሉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ዓመጽን ዘረፋን ከምዝፈጸሙ ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ገሊጾም እዮም። እንተኾነ ኩሎም እቶም ብግህሰት ዝኽሰሱ ወገናት ነቲ ክስታት ኣይቕበሉዎን።

ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ መናእሰያት'ውን ኣብ ማይ ካድራ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ጸብጻብ ምቕራቡ ይዝከር። ኣብታ ከተማ ናይዚ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ መጥቃዕቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ሓለፍቲ ህወሓት ግን፡ ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ክጻረን ክረጋገጽን እዮም ዝጸውዑ።

ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም፡ ኣብ ኵናት ዝኣተው ተቐናቐንቲ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዘርብሖም ፕሮፖጋንዳ ስለዝጥቀሙ፡ " እቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ተፈጺሙ ዝበሃል ሰብኣዊ ግህሰትን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝወረደ ዕንወትን ብርሰትን ብጭቡጥ ንምርግጋጽ ብዘይሻራዊ ኣካል ክሳብ ዝጽናዕ፡ እቲ ግፍዒ ዘጋጠሞ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ካሕሳን ምጽንናዕን ክወሃቦ ይግባእ" ብማለት ኣብ ኵናት ኣብ ልዕሊ ማንም ወገን ንዝፍጸም ግህሰት ኣጥቢቑ ይኹንን።

እቲ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ወጺኡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ለሓመ እውን ህወሓት ኣብ ሲቪል ህዝቢ ሰብኣዊ ግህሰት ይፍጽም ከምዘሎ ክውቀስ ጸኒሑ ኣሎ። ህወሓት ግን ብተደጋጋሚ ነቲ ክሲ ከምዘይወዓሎ ብምጥቃስ ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ክጻረ እዩ ዝሓትት።

ኣብ ርእሲ'ዚ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከቢድ ጥሜት የጋጥም ከምዘሎ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብደረጃ ዓጸቦ ክግለጽ ዝከኣል ጥሜት ኣጋጢሙ ስለዘሎ ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት፡ ረድኤት ናብቶም ግዳያት ንክሓልፍ ክተሓባበሩ ይሕተቱ ኣለው።

ቅልውላው ትግራይ

ትግራይ ክሳብ መዓስ እያ ነዚ ኸበባ ክትጻወሮ?

ዝኾነት ኣብ ኵናት እተጸምደት ሃገር ኳነት ክልል እንተደኣ ዕጥቅን ስንቅን እተእትወሉ ምስ ጎረባብቲ እትራኸበሉ ነጻ መስመር ዘይብላ ሰብኣዊ ቅልውላው ከቢድ'ዩ ዝኸውን።

ኣብ ርእሲኡ ኵናት ቅድሚ ምጅማሩ እውን ኣስታት 1.6 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግዜ ሰላም እውን ከይተረፈ ብሓገዝን ረድኤትን (ሴፍቲይ ኔት) እዩ ክናበር ጸኒሑ።

ኣብ ርእሲኡ እዚ ኵናት ምስ ጀመረ እቲ ካብ ጎረባብቲ ክልላትን ሃገራትን ዝኣቱ ዝነበረ ንግድን ሸቐጥን ተዓጽዩዎ እዩ ዘሎ።

መንግስቲ ፈደራል ንበረራ ነፈርቲ፡ ንኣገልግሎት ባንክ ስልክን መራኸቢታትን ስለዝዓጸዎ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዞም ክኽፈሉ ስለዘይክእሉ ኣብ ትግራይ ንቡር ናብራ ክንበር ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣቶ ዓብደሩሕማን ሰይድ ይገልጽ።

ስለዝኾነ ከኣ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ትግራይ ጸኒዑ ዘሎ ዕጽዋ ከሳብ ዝለዓልን ዘቕረቡዎ ቅድመ ኵነትን ተቐባልነት ክሳብ ዝረክብን ኵናት ክቕጽሉ ምዃኖም ብቐጻሊ ክዛረቡ ዝስምዑ።

ኣባል ኮማንድ ፖስት ጀነራል ጻድቃን ምስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፈደራል ጸቕጢ ብምፍጣርን ናብ ጠረጴዛ ዘተ ንምቕራቡ ኵናት ይቕጽሉ ከምዘለው ሓቢሩ ነይሩ። ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽየን እውን እዚ ኵናት እዚ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል ምሉእ ሰላም ከይመጽአን ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ስምምዕ ከይተበጽሐን ነቲ ዕጽዋታት ክኸፍቶ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘየሎ፡ ብሰንኪ እዚ ከኣ ክሳብ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥሜት ስለዘሎ እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ንነዊሕ ክቕጽል ከምዘይክእል ዓብዱራሕማን ሰይድ ይገልጽ።

ኣቶ ክፍለዮውሃንስ ብወገኑ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ክሳብ ሕጂ እውን ነቲ ከበባ ብኸቢድ ሰብኣዊ ሃስያን ዋጋን ተጻዊሩዎ ምህላው ግዜ እንተነዊሑ ግን ኩሉ ነገር ክኸብዶ ከምዝኽእል ይሕብር። ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብጥሜት ተጠቒዑ ዘሎ ህዝቢ እቲ ዝግባእ ረድኤትን ሓገዝን ክበጽሖ ዝግባእ ጻዕሪ ክገብር ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ትግራይ እንታይ ክኸውን እዩ?

ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ወጥሪ ምስ በዝሐ፡ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ተጋሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታቶም፡ 'እንድሕር ዘይደልዩና ኮይኖም ንሕና እውን ብግዲ ኣይንደልዮምን - ብሰላማዊ ፍትሕ ክንፈላለ ንኽእል ኢና' ክብሉ ብግልጺ ይዛረቡ ምንባሮም ዝገለጽ ኣቶ ክፍለዮሃንስ፡ " ድሕሪ እዚ ናይ ኵናትን ሃየ-ሃየን እዋን፡ ብስምዒት ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ምስ ምሁራቶምን ፖለቲከኛታቶምን መኺሮም፡ ተላዚቦም፡ ይሕሸና እዩ ዝብሉዎ ነገር ክእምሙ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

"ኣብ ኵናት ዝተዳመየ ህዝቢ፡ በሰልኡ ብቐሊሉ ስለዘይሓዊ፡ ብኹሉ ኩርናዕ ምስ ዘለው ጎረባብቲ፡ ለባማት ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖት ዝሕወሱዎ መኣዲ ዕርቂ ክሰናዳእ የድሊ። ልዕሊ ኩሉ ግን ንዝበደለ ዝቐጽዕ ንዝተበደለ ዝኽሕስ ንኹሎም ወገናት ዝዳኒ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ከሰላሰል ይግባእ" ይብል።

ዓብደራሕማን ሰይድ ብወገኑ፡ ኣፍ ደገ ባሕርን ርኡይ ጸጋታትን ዘይብላ ክልል ከመይ ገይራ እያ ሃገር ክትከውን ትኽእል? ብምንታይ ጸጋታትን ሃብትን ክትነባበር እያ? ዝብሉ ሕቶታት ክለዓል ከምዝኽእል ብምጥቃስ፡ ምሁራታ ጽፉፍ ቁጠባዊ ስትራቴጂካዊ ፕሮግራም እንተስኢሎም ሃገር ዘይትኾነሉ ምኽንያት የሎን ይብል።

"ሃገር ንኽትከውንን ክትስልጥንን ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወካ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ንመስኮት ባሕሪ ክትብል ኣብ ካልእ ናይ ኵናት ዑደት ምእታው ኣየድልን እዩ። እትረፍ ሓንቲ ክልል፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ እውን ሃገር ክፍጠር ይከኣል እዩ" ብማለት ንሲንጋፖር ከም ኣብነት የቕርብ።

ዶክተር ገላውዴዎስ፡ መጻኢ ዕድል ትግራይ ብሰለስተ ምርጫታት ክረአ ከምዝኽእል ይኣምን። እቲ ቀዳማይ ተጋሩ ምስ ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ፈደራሊስት ሓይልታት ኮይኖም ነዚ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ኣልዮም ሓዳስ ፈደራሊስት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ምምስራት፣ እቲ ካልኣይ፡ እተን ክልላት ሰፊሕ ርእሰ ምምሕዳር (autonomy) ተዋሂቡወን ብኮንፈደረሽን ክተኣሳሰራ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ እተን ክልላት ሃገራት ኮይነን ምሉእ ነጻነተን ክጎናጸፋ ዝብል እዩ።

"ብውልቀይ ነታ ቀዳመይቲ ምርጫ እየ ዝድግፍ፡ ግን ከኣ ህዝቢ ትግራይ ብረፈረንደም ዝመረጾ ክቕበል ድልው እየ" ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ቓወምቲ ውድባት'ውን፡ ብፍላይ 'ውድብ ናጽነት ትግራይ' ዝኣመሰላ፡ "ትግራይ ሃገር ንምዃን ሙሉእ ታሪካውን መልካዓ ምድራውን ጸጋታት ከምዘለውዋ" እዮም ዝገልጹ።

ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኮነ ካልኦት ሰበስልጣን ትግራይ ከኣ ቀዳምነትና እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተስገዲዱ ዘሎ ከበባ ምልዓል እዩ። ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ግን ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ዝውስኖ ጉዳይ እዩ ክብሉ እዮም ዝስምዑ።

ጀነራል ጻድቃን ኣብዚ ሰሙን ምስ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ንመጻኢ ዕጫ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ ዕጫ እቲ ህዝቢ ብሓደ ውድብ ወይ ድማ ብውልቀ ሰባት ዝውሰን ስለዘይኮነ፡ ኩሉ ዜጋ እታ ክልል ዝሳተፎን ርእይትኡ ዘቐምጠሉን ብሓባራዊ ድምጺ ህዝቢ ብልቦና ብስለትን ክውሰን ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

እቲ ፍታሕ ደኣ እንታይ እዩ?

እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ መንግስታት ኣመሪካ ብሪጣንያን ብዙሓት ዓበይትን ተሰማዕትን ሰባት እቲ ውግእ ደው ክብልን ሰላማዊ መዓልቦ ክግበረሉ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።

ብፍላይ መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ሰብኣዊ ዕንወት ዘኸትል ዘሎ ኵናት እንተቐጸሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ከቢድ ማዕቀብ ክትገብር ምዃና ብተደጋጋሚ ክትሕብር ጸኒሓ ኣላ። እቲ ኵናት ግን ክሳብ ሕጂ ደው ኣይበለን እኳ ደኣ ካብ ትግራይ ወጺኡ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙስ ኣብ ደቡብ ወሎ ከቢድ ኵናት ይካየድ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ገላውዴዎስ ኣርኣያ " መፍትሒ ናይዚ ኵናት ሰላማዊ ልዝብ እንተ ዝኸውን ደስ ምበለኒ፣ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ግን ዝፈቅድ ኣይመስለንን፣ ብኵናት እዩ ክዛዘም።" ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለዎ። እቲ ኵናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስትን ንዝነበረ ወጥሪ ብዘተን ልዝብን እዩ ክፍታሕ ዘለዎ ዝብል ዝነበረ ክራይስስ ጉሩፕ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ብ26 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "እዚ እናሰፍሐን እናነውሐን ዝኸይድለ ዘሎ ኵናት ብእንካን ሃባን ብዘተ እዩ ክፍታሕ ዝግበኦ" ክብል ጽኑዕ ርእይትኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ዓብደሩሕማን ሰይድ ብወገኑ ህወሓት ኣብ ክንዲ ብኩናት ጥራሕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ እውን ብዝተዓጻጸፈ ክሰርሕን ክሓስብን ይግባእ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ይብል ዓብዱራሕማን " ዋላ እውን ህወሓት ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እንተኸኣለ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዘበነ ስልጣኑ ዝተዋህለለ ጌጋታት ስለዘሎ ከም ቀደም ሃገር ከመሓድር ኣይክእልን እዩ። ብመንእሰያት ኢትዮጵያ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ከኣ እዩ ካብ ኣራት ኪሎ ወጺኡ። ግን ከኣ ኣብ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብታሪኽን ባህልን ነገስታት ዝሰረጸ ንተቐናቓኒኻ ብሓይሊ ስዒርካ ስልጣን ናይ ምብሓት ዝንባለ ስለዘሎ ግን እቲ ኵናት ከይቅጽል ስግኣት ኣሎኒ" ይብል።

ኣቶ ክፍለዮውሃንስ ግን እቲ ኵናት እንተነዊሑ ውዒሉ ሓዲሩ ክልቲኦም ወገናት ናይ ግድን ክደኽሙ ስለዝኾኑ ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ተሓዊሱዎ እዚ ኩናት ብዘተን ልዝብን እዩ ክውዳእ ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎ።

" እቲ ሕማቕ ነገር ግን ካብ ነዊሕ እዋን ዝተወርሰ ዓሌታዊ ምትፍናን ስለዘሎ፡ እዚ ዓሌታዊ ምትፍናን እዚ ተጓሃሂሩ ዘየድሊ ሳዕቤናት ከየኸትል ስግኣት ኣለኒ" ክብል እቶም በብወገኖም ኮይኖም ነንጉጅልኦም ብምድጋፍን ነቲ ሓደ ብምንቃፍን ነቲ ኵናት ዘጓሃህሩ ዘለው ማሕበራዊ ሚድያታት ነቲ ኵናት ዘህድእን ናብ ፍታሕ ዝዓለመ መደባት ከቕርቡን እውን ተማሕጺኑ።

ክራይስስ ግሩፕ እውን፡ እቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ዘድሊ ሕድገታት እንተ ዘይገይሮም ኣሽሓት ሰባት ብግጭትን ጥሜትን ከምዝሞቱ፡ ውግእ እንተቐጺሉ ከኣ ንስልጣንን ርግኣትን ፌደራል መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ክእቱ ስለዝኽእል እቲ ውድቀት ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

Last modified on Thursday, 04 November 2021 19:22