ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ  ክልተ ስዉኣት የሕዋተይ

2021-06-17 19:36:42 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1221 times

ብመጀመርያ ከመይ ትኾኑ፡ ነኣሽቱ የሕዋተይ፡ ነቲ ንቲ እዛ ሃገር ኢልኩም ሂወትኩም ዝኸፈልኩም ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንዓኹም ይኹን። ሳላ ናትኩምን ከማኹም ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ተፈጢራስ እንሆ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 24 መበል 30 ዓመት ነጻነት ክኽበር ቀንዩ።

ኣነ ዓቢ ሓውኹም ንመወዳእታ ግዜ ዝተረኣኤናላ ግዜ መስለኒ ኣብ መፋርቕ 1977 ኣቢሉ ናብ ዓዲ ቢደል ንዓይ ኣብ ገድሊ ምስ ተሓኤ ስለዝነበርኩ ክትርእዩኒ መጺእኩም ምስ ረዘነ ሓውኹም።ንምልላይ ዝኣክል ምስ'ዞም ኤርትራውያን የሕዋትኩምን ኪዳነ ካሕሳይ፣ ዮሴፍ ካሕሳይ ዝተሰዋእኩም ረዘነ ካሕሳይ ድማ ብሂወት ዘሎን ካብቶም ምስ ህዝባዊ ግንባር
ኮይኖም ዓዲ ዝኣተዉ ምዃንኩም የላልየኩም ኣለኹ እሞ ፡ኣይፍለጥን ብዛዕባኹም ዝፈልጡ እንተሃለዉ ደሃይ እንተረኸብኩ እውን ንዓና ጽቡቅ ምኾነ ብማለት እዩ። እቲ ብድሕሬኹም ዝኸደ ምዕብልናታት እውን ኢንተርነት ተማሂዙ። ናይ መራኸኒ ብዙሓን ሰፊኑ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ወብሳይት፣ ፈይስ-ቡክ፣ ዋትስ-ኣፕ ወዘተ ኣብ ፈቐዶ ዓለምተዘርጊሖም  ዘለዉ ኤርትራውያን ዝከታተልዎ ስለዝኾኑ እዚ
መልእኽቲ ንእግረ-መንገደይ ኩሎም ከንብብዎ ንማለት ቅሉዕ ምዃኑ እዩ።

ድሕሪ ውሑድ ኣዋርሕ ምርእኣይና ኣብ ዓዲ ቢደል ኣይደንጎየን ሓወኣቦናል፡ ዝነበርኩዎ ቦታ ( ዓዲ ) ስለዝፈለጠ መጺኡ ናታትኩም ምውጻእ ንሜዳ ነጊሩኒ፡ ኣብ'ቲ ግዜ እቲ መንእሰይ ኤርትራ ንኤርትራ ኢሉ ንገድሊ ይውሕዝ ስለዝነበረ ብዙሕ ኣይሰንበድኩን፡ ተቀቢለዮ። ሎሚ ስለምንታይ ኢዩ እዚ ዓቢ ሓውና ደብዳቤ ዝጽሕፈልና ዘሎ፡ ዘይኣኽሎን እቲ ሽምዓ ምውላዕ ትብሉ ትኾኑ እሞ፡ገለ ክልተ ነጥብታት ከልዕል ብዛዕባ እዚ። ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ሰውራ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ክወስድ ከሎ፡ ሎሚ ድማ ኤርትራ  ኣብ ክንዲ ብርሃን ጸልማት ዝዘነባ ሃገር ኮይና ኣላ።

ቀዳማይ

ከም'ቲ በሽሓት መስዋእቲ ዝተኽፈላ ንሓንቲ ሃገር ንምፍጣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ቅዋምን ዘይብላ፣ ነቶም መቃልስትኹም ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር እትኣስርን እተደስክልን፣ ነቶም ነኣሽቱ ህጻናት ዝነበሩ ደቂ ስውኣት ኣብ ፍቀዶ ውግኣት ኣእትያ መንእሰያት ተጥፍእ ዘላን፡ ኣብ ግዜኹም ብዙሕ ዘይስማዕ ዝነበረ ብጀካ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደድ፡ ሕጂ እሞ ኣብ ምሉእ ዓለም ብኤርትራውያን ኣጥለቅሊቑ እዩ ዘሎ። ንእግረ መንገደይ ምስ እዚ ስደት፡ ካብ ገዛና ኣነ ኣብ ካናዳ ምስ ብጸይተይ በዓል ሓዳር ኮይነ ኣቦ ክልተ ኣወዳት ኮይና ኣለና። እተን ምንኣስኩም ዝኾና ሓሙሽተ ኣሓትኩም፡ እተን ክልተ ኣብ ጀርመን ኣደታት ሰለስተን ክልተን ኮይነን፡ እተን ክልተ  ድማ ኣብ ኖርወይ ኮይነን ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ኣለወን፡ እታ ሓንቲ ድማ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኮይና ኣብ ካናዳ ኣላ። ኣብ'ዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሽግርኩም፡ እቲ ሕሳስ ልደ ሓውና  ዮናስ ካሕሳይ ኣቦ ክልተ ዝኾነ ኣብ ጀርመን ብ2014 ኣብ ሸዊት ዕድሜኡ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ምህላዉ ክትፈልጡ ንማለት እዩ።

እቶም ዝተረፉ ኣብ ዓዲ ኣለዉ፡ እተን ሰልስተ’ኳ ደቂ ደቐን ክርእያ በቂዐን ኣለዋ። ኣብ ስፐይን፣ ኡጋንዳ፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ጃፓን፣ ኣመሪካ፣ ሱዳን፣ ዱባይ፣  ሆላንድ ውዘተ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ቤተ-ሰብ ምስ ስድራ-ቤቶም ሓዊስካ ብዓቢኡ ኣብ ግዳም ዘየለ ሰብ የለን። ወይ ድማ እታ ኤርትራ ጥርሓ ትተርፍ ኣላ ዘብል እዩ ዘለናዮ እዋን።

እታ ኤርትራ ቅዋምን ሕግን ዝሰኣነት ጥራሕ ዘይኮነትስ ዋላ ሕብራ ተደዊኑ  ጽርግያታታ ዝተበላሸወ፡ ወደባታ ጥርሑ ሰብ ዘይብሉ፡ ዝስራሕ ገዛውቲ ዝተኸልከለ፡ መናድቑ ዝዓሰወ ሕብሩ ዝቀየረ ኮታ ብጀካ እተን ዲጋ ሰሪሕና ዝብልወን፡ ማይ ዘይብሉ  ኮይኑ ነገሩ። ምናልባት ከይሰማዕኩም እንተጸንሓኹም እታ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳሕል ኣሕቂቖም ሓንቲ ግናይ ዝኾነት ህግደፍ መስሪቶም ካብቶም ዝተቃለሱ ዘውደኽድኹ ዝነበሩ ናይ ኣምሰሉ ኣብ በዓላት ባንደራ ኤርትራ ዘለዋ ክራቫታ ዝመልሱ፣ ቆቢዕ ገይሮም ዝስዕስዑ፣ ከምኡውን ተዘሪገን ዘለዋ ድማ ኣይ ከምቲ ናይ ቀደም ደቂ ኣንስትዮና ዙርያ እናተኸደንካ ተወሳኺ ጸጉሪ ወሲኸን ዝዓብዳ ደቀን፡ ኣሕዋተን ተኣሲሮመን እንከለዉ ብፍርሒ  ወይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብላ ክዳነን፣ ሽልማተን ከርእያ ዝዓበዳ፡ ገለ እውን ግቡእ ሓላፍነተን ዘንጊዐን ኣፍላሕቲ ቡን ኮይነን “ሃማደኤ እየ”  ዝብላ ድማ መሊኤን ኣለዋ። ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት እንበኣር ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ውግእ ተኻይዱ ብዙሕ መንእሰይ ጠፊኡ ኣሎ።

ካልኣይ

 ኣብ'ዚ ነቲ መስዋእቲ ዝኸፈልኩምሉ ዕላማ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስለ ንዓኹም ከም ኤርትራውያን ንምዝካር ብዘየገድስ  መን ወሲኑዎ፣ ብኸመይ እቲ ዕለት ተወሲኑ ኣብ'ዚ ወርሒ  20 ሰነ ንስውኣት እንዝክረላ፡ ሽምዓ እንውልዓላ መዓልቲ ምዃና እናሓበርክኹም፡ ንዓና ነቶም ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ከምዘለኹም ነረጋግጸልኩም። እቲ ሓቒ ድማ ንሱ እዩ። ሓደ / ሓንቲ፡ ከመይ ገይሮም ስውኣት ወለዶም ኣሕዋቶም ኣሓቶም ክርስዑ ይኽእሉ እንተ ኢልና፡ ኣይከኣልን።እቲ ሕቶ እንበኣር ነዚ መዓልቲ ብደረጃ መንግስቲ ኮይኑ ዘመሓድር ዘሎ ነዚ ዕለት 20 ሰነ ከዳልዉ ከለዉ ዓመት ዓመት ዝሕተቱ ንሶም እዮም እቲ ሕድሪ ስዉኣት ስለምንታይ ኣብ ተግባር ዘየውዓልዎ ተሓታታይ ንሱ እዩ።

ብኻልኣይ  ደረጃ እቶም ነዚ ህዝቢ ዝጠለም ስርዓት ዝድግፉ ሰባት ድሕሪ እታ ሽምዓ ምውላዕ ንምንታይ እዩ እዚ ንሃገር መስዋእቲ  ዝተከፍለሉ ፍረ ዘይተረኽቦ ዝብል ፈጺሙ ሕቶ ኣብ ኣእምርኦም ዘሎ ኣይመስልን። እቲ ካልእ ደረጃ ካብቶም ነዚ ስርዓት ዝቓወሙ ድማ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ፡ ዝተበደለ ብምዃኑ፡ ነቲ ዝበደሎ ስርዓትን ነቲ ዝኸፈልኩሞ ዋጋ ሂወትኩምን ፈላልዮም ክርእይዎ ስለ ዘይከኣሉ ነዚ መዓልቲ ስውኣት፣ መዓልቲ ነጻነት ኣብ ምኽሓድ ተጸሚዶም ነቲ ግቡእ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ዝዘንገዑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ'ዚ ናይ ሰላሳ ዓመት ድሕሪ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ እንበኣር ዘይድለ ዕንደራ ሎሚ ድማ እንደገና ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ የእትዩ መዓት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ውግእ ኮይኑ ኣሎ። ተስፋ ዝህብ ግን ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን እናተረደኦ ብጀካ እቶም ናይ ኣምሰሉ ፡እሱራት ናይ ሕልንኦም ኣብ ውሽጢ ገዘኦም፡ ካልእ ይብሉ ኣብ ግዳም ግን መልሓሶም ዝቅይሩ እቲ መከራ ህዝቢ ክሓጽር እዩ።
ብዝተረፈ ሎሚ ነዛ  መልእኽቲ ብቕሉዕ ምስዞም ኤርትራውያን ከላልየኩም ከለኹ እቲ መስዋእቲ ንሓንቲ ኤርትራን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምምስራት ዝተኸፍለ ቁጽሪ ዘይኮነስ ንስኹምን ካልኦት ኤርትራውያን ዝገልጽ ምዃኑ ንምብራህን ዋላ ካልእ ኩነታት እንተተፈጥረ ኣብ መንገድና ወትሩ ካብ ኣእምሮና ከምዘይትፍለዩ፡ ብተወሳኺ እዚ መዓልቲ 20 ሰነ ስለ ሓደ ሰብ፣ ስለ ሓደ ውድብ ወይ መንግስቲ ኢልና ኣይኮናን ንገብሮ’ሞ፡ ናትኩም ለበዋ ይመስለኒ ንዓና ነቲ ዕላማ ዘወደቕናሉ ተግባራዊ ግበርዎ ትብሉና ዘለኹምይመስለኒ፡ኣሎ’ሞ፡ የሕዋተይን ቤተ-ሰበየይንን ድማ ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንዓኹም ይኹን።

ሓውኹም

ተስፋይ ካሕሳይ

20 ሰነ 

Last modified on Thursday, 17 June 2021 21:42