ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራት ህግደፍ፡ ኣይሕተትን’ዩ

2021-06-13 16:23:49 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1098 times

ዝምድናን ርክብን ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ብዙሕ ግዜ መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ይለዓል እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን እውን ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብቲ ርክቦም ነናቶም ሚዛን ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ህግደፍ  ራህዋ፡ ቅሳነትን ፍትሕን ከም ዘይረኽበ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ጉጅለ ብዘይሕገመንግስቲ ይገዝኦን ኩሉ መሰላቱ ይገፎን ከምዘሎ ኣዳዕዲዑ ይርዳእ ኢዩ። ብገዛእ መስዋእቱ ካብ ዘመጸኣ ሃገሩ ምኽንያታት ፈጢሩ ናብ ስደት ንከምርሕ እንዳደፈአ፡ ኮነ ኢሉ ከብርሶ ከም ዝሰርሕ ስለ ዝርዳእ፡ ከም ብህዝቢ ዘይግደስ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ዝፈልጦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ሚዛን ኣብ ንዕቀት ዝተሞርኮሰ ኢዩ። ህዝቢ ክሓስብን ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ንክውስንን ዓቕሚ ዘይብሉ ገይሩ ይቖጽሮ።  ሓቢእካ ዝሕባእኳ እንተአይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጽሞ ዘሎ፡ ካብ ወጽዓ ጀሚርካ ክሳብ ምብራስ ከም ህዝቢ ዝምጠጥ ገበናቱ ሓቢኡ፡ ሓላይ ህዝቢ ኤርትራ መሲሉ ክቐርብዩ ዝፍትን። ናይዚ ወገን ህዝቢ ዘይኮነ ወገኑ ተመሲሉ  ንምርኣይ ዝገብሮ ፈተነ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ብህዝቢ ተኸዊሉ ካብ ተሓታትነት ናይቲ ዝፍጽሞ ገበናት ንምሕባእ እዩ። ካብዚ ነቒሉ  ምስ ህዝቢ ኤርትራ ንዘየብሉ ፍቕርን ምቅርራብን ኣጸባቢቑ ከቕርብ እንከሎ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ብማለት ከምቲ ፋሽስታውያን መራሕቲ ንምድህላል  ዝዝምርዎ ይዝምር።  ሎሚ ግና እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ኣብ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ስለ ዝተቓለዐ፡ ከዘውትሮ ሞራላዊ ብቕዓት ዝውንን ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ብኢሳያሳዊ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝጨከኑ ውሑዳት ኣካላት ዝኸበብዎ ኣዝዩ ጸቢብ ጉጅለ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ወይ ሰኣን ምርደኦም፡ ወይ ድማ ተረዲእዎስ ካብ ህዝብን ሃገርን ጸቢብ ረብሐኦም ስለ ዘቐደሙ፡ ኣብ ከባብዚ ጉጅለ ዘጣቕዑ ውሱናት ኤርትራውያን’ውን ኣለዉ። ካብዚ ወጻኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ጉጅለ ኣይውከልን፡ ብሕማቕ ተግባራት ናይዚ ጉጅለ ብርሑቕ ይኹን ብቐረባ ኣይሕተትን እዩ። ስለዚ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ካብቲ “ህዝብን መንግስትን በበይኖም እዮም፡ መንግስቲ ሓላፋይ እዩ ህዝቢ ግና ነባሪ እዩ” ዝብል ብሂል፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ወካልን ተወካልን ዝምድናን ቃል ኪዳንን ዘየብሎም ምዃኖም ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብሩህ ክነሱ፡ ኮነ ኢልካ ንኤርትራን ህዝባን ተሓታቲ ንምግባሮም፡ ዘይላገብ ንምልጋብ ዝግበር ፈተነ ጌጋ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ በቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ንሱ  ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ከኣ ዘይናቱ ምዃኑ ብተግባሩ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ኣብ ስልጣን ዝነብር ዘሎ እውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ፈቒድሉ ዘይኮነ፡ ኣገዲዱ ምዃኑ ኩሉ ዝተረደኦን ሓቂ እዩ። ዝምድናኦም ከኣ ከምቲ “ከብድን ሕቖን” ዝበሃል፡ ብንጹር ናይ ተወጻዕን ወጻዕን እዩ። እዚ እከይ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ኣብ ዝኸደ እንተኸደ ምስኡ ሓቢሩ ዝጐዓዝ እምበር  “ኣብ ኤርትራ ርኹስ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ግና ቅዱስ” ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ሒዝዎ ዘሎ መንግዲ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበን መሊኡ ናብ ትግራይ ዝፈስስ ዘሎ እምበር፡ ኣብ ትግራይ ዝጅምሮ ዘሎ ከምዘይኮነ ኩሉ ክርደኦ ዝግበእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ብዙሓት ወገናት  “ኣብቲ ህዝበይ ዝብሎ ዝጨከነ ኣብ ልዕሊ ካልእ ክልውህ እትጽበዮ ኣይኮነን” ዝብልዎ ዘለዉ።

እቲ ጉጅለ ብህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝውገዝ ምዃኑ  ብሩህ እንከሎ፡ ገለ ወገናት ንህዝቢ ኤርትራን እቲ ጉጅለን ከም ዝወኻኸሉን ዝመላልኡን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገናት ህግደፍ ከም ዝሕተት ኣምሲሎም ዝርድኡ ሓሓሊፎም ዝስምዑ ግጉያት ድምጽታት ኣለዉ። እዚ ኤርትራውያን ብዘይኮኑ ጥራይ ዝስማዕ ድምጺ ዘይኮነ፡ ነቲ ግጉይን ኣዕናውን ተግባራት እቲ ጉጅለ ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዓወት ክወስድዎ ዝደናደኑ ኤርትራውያን እውን የጋጥሙ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ትግራይ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ከይተወሰኑ ኣብ ክልል ኦሮሞ በጺሖም ዝብል ምርግጋጽ ዘድልዮ፡ እናሐደረ ዝወዓዋዕን ብልሳን ማዕከናት ዜና ዓለም  ዝዝረበሉን ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሰራዊት “ናበይን ስለምንታይን?” ከይበለ፡ ኣብ ዘዝበጸሖ ቦታታት፡ ብምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምቕታል ንጹሃት ሰባት፡ ምዝማት ንብረትን ረዲአት ናብ ጽጉማት ከይበጽሕን ብምዕንቃፍን ዝግለጹ ገበናት ይፍጽም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ጽዩፍ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ከም ዝሕተት ኣምሲልካ ዝቐርብ ክስታት ክስማዕ እንከሎ ከኣ የሕዝን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተሳብ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝውጸዖ ዘሎ ከይኣኽሎስ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘዝኸዶ ብዝፍጽሞ ገበን ክኽሰስ እንከሎ ቅቡል ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ግና “ጻጻሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ህዝቢ ካብ ትግራይ ዝተዘምተንብረት ከይገዝእ ገዚቶም” ንዝብልን ህዝቢ ኤርትራ ዘይነጽጎን ሓበሬታ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ህግደፍ ደሪቦም ክኸስዎ ዝፍትኑ ከስተብህልሉ ይግበኦም።

ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን በበይኖም እዮም ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ መንጐኦም መንደቕ ሓጺን ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓደ ጨቋኒ እቲ ካልእ ድማ ተጨቋኒ ኮይኖም ኮሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዘይከሓድ እዩ። ኣብ ጉዳይ ውካልን ተወካልን ግና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን፡ ኣይኮነንዶ ክወኻኸሉ ኣብ ሕድሕዶም ዝተሓታተቱ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ብእከይ ተግባራት እቲ ጉጅለ ክሕተት ዕድልን መድረኽን ኣብ ዝረኽበሉ ንጉጅለ ህግደፍ ዝሓቶ እዩ። ህዝብና ክሳብ ሽዑ ከይተጸበ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ መድረኽ’ውን ድምጹ ከስምዕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ሕበረተሰብ ዓለም’ውን ክንድቲ ዕግበቱ ደኣ ክሳብ ሎሚ ስጉምቲ ኣይወሰደን እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይውክልን ህዝቢ ኤርትራ ብገበናት ናይቲ ጉጅለ ከምዘይሕተትን ዕጉብ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ርክብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ገዛኢ ሰልፊ ብጽግናን ዘሎ ዝምድና ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን  ጉጅለ ህግደፍን ከኣ ዝያዳ ከም ዝርሕሓቕ ተረዲኦም ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ተሓታትነት ብገበናት ናይቲ ጉጅለ ናጻ ከውጽእዎ ንጽወዖም።

Last modified on Sunday, 13 June 2021 18:27