ኤርትራ፡ ስለምንታይ እዩ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ምርጫ ዘይተገብረ?

2021-05-22 10:12:26 Written by  ቢቢሲ/BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1582 times

21 ጉንቦት 2021

ባንዴራ ኤርትራ

እቲ ነጻነቱ ኣረጋጊጹ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት መስሪቱ፡ ቆጽሊ ብዘውደቐሉ መራሒ ንክነባበር ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ቅዋሙ ከይተግበረ፡ ደሞክራሲያዊ ምርጫ ከይጀመረ፡ ጽምብል 30 ዓመቱ ንምብዓል ይቀራረብ ኣሎ።

ግን ስለምንታይ እዩ ከምኡ ኮይኑ? ስለምንታይ እዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሃገራዊ ምርጫ ክግበር ዘየፍቀደ? ስለምንታይ'ከ እዩ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዝምርሓሉ ዝነበረ መትከል 'ምምስራት ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት' ነጺጉዎ? ስለምንታይ'ከ ንደሞክራሲያዊ ምሕደራ ተሓሲሙ - ምልኪ ሰሪቱ?

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቤርቬክን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሆላንድን ዝምህር ንዝነበረ ናይ ሕጊ ምሁር፡ ንገዲም ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ ከምኡ እውን ንተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ ኣዘራሪቡ ኣሎ ርእይተኦም እነሆ።

መትከላት ቃልሲ

ሓርነታውያን ውድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን፡ መግዛእታዊ ስርዓት ኣሊኻ "ቅዋማዊት ደሞክራሲያዊት ነጻ ኤርትራ ምትካል" ዝብል መትከል ሒዘን ተቓሊሰን።

እቲ ኣብ ሳሕል ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ (1987)፡ ዝወጽአ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ፕሮግራም ይኹን፡ እቲ ኣብ 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር ፡ ቀንዲ ዕላምኡ "ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምፍጣር" ምንባሩ ገዲም ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣቶ ዳዊት፡ እቲ ፕሮግራም፡ ኣብቲ "ምምስራት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ" ዝብል ኣርእስቲ፡ "ቀንዲ ዕላማ እቲ ቓልሲ፡ ንጥቕሚ ሓፋሽ ህዝቢ ዚሕሉ መንግስቲ ምትካል ኮይኑ፡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ ካብ ዝተመርሐ ነጻ ናይ ህዝቢ ወኪላት፤ ቅዋም ዝሕንጽጽ ፡ ሓዲሽ ውዑላት ዘጽድቕ፡ ህዝባዊ፡ ፈጻምን ፍርዳውን ኣካላት ዝመርጽ፤ ኩሉ ዓይነት መሰላት ዜጋታትን ውዳበታትን ዘኽብርን ዘረጋግጽን፡ ንዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብዘይ ኣድልዎ ብማዕረ ዝርእን ዘገልግልን ህዝባዊ ባይቶ ምቛም" ከምዝነበረ ንሰነዳቱ ብምጥቃስ የረድእ።

እቲ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣብ 1994 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር እውን ነቲ ናይ 1987 ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ፕሮግራም ሓሳብ ከምዝደገመን ዝጠቅስ ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ፡ እቲ ዝትከል ስርዓት፡ 'ሕግን ስርዓትን ዘኽብር፡ ሓድነትን ሰላምን ዝሕሉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓራ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓልይሉ፡ ህይወቱ፡ ብቕሳነትን ሓጎስን ንምቕጻልን ንምምሕያሽን ዘኽእል፡ ናጽነትን ጸጥታን ሃገር ዝሕሉ ሃገራዊ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህናጽ" ከምዝነበረ ይሕብር።

ገለ ካብቲ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ዝተዛረቦ

ምንጪ ስእሊ,S.M

ከም ኣብነት ከኣ ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ 1990 ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ገበር እታ መጽሔት ካብ ቃለ መሕትቱ ዝተወስደ፡ " ኵሉ ከከም ዓቕሙ፡ ሃገር ኣብ ምህናጽ ይዅን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝትከል ስርዓት ተሳታፍነት ኪህሉዎ ፤ ….ሓደ ንዅሉ ዝውክል ስርዓት ክመጽእ እንተኾይኑ ከኣ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ኪኸውን ከምዘለዎ፡ ሓደ ሰልፊ ወይ ሓደ ውድብ ዝመርሖ ናይ ፖለቲካ ስርዓት ግን ውሕስነትን ምርግጋእን ከምዘይፈጥር ንዝገለጾ ከም ኣብነት ይጠቅስ።

ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "[ምናልባት እውን] ንህላወ ናይታ ሃገር ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከውድቕ ዝኽእል ሳዕቤናት ክኽተል ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ፕሮግራምና ኣእቲናዮ [ኣለና]" ዝበሎ ብምልዓል ሽዑኡ፡ እቲ ግንባር ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምትካል ከም ቀዳማይ ዕላማ ሒዙ ይቃለስ ከምዝነበረ ኣረዲኡ።

እሞ'ኸ ደኣ እቲ ኩነታት ብኸመይ ቀጺሉ?

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ1993 ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝተዓዘቦ ህዝባዊ ረፈረንዱም ብ99.8%፡ ብድምጹ ሕርያ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም ኮይኑ።

ብ19 ግንቦት 1993 ከኣ ብኣዋጅ 37/1993፦ ሕገ-መንግስትን ሕጊ ፕረስን ዘርቅቕን ዘጽድቕን ከምኡ እውን ፖለቲካውያን ውድባት ዝምርሓሉን ሃገራዊ ምርጫ ዝካየደሉን ሕጊ ዘዳሉ፡ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ ስልጣን ዘለዎ ግዝያዊ መንግስቲ ከምዘቖመ ኣባል ማሕበር ኤርትራውያን ምሁራት ሕጊ ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ ነቲ ሰነድ ብምጥቓስ ይዛረብ።

እቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሉ ከምዝፍለጥን፡ ሓጋጊ ፈጻምን ፈራድን ኣካላትን ከምዘጠቓልል እቲ ሽዑ ዝወጽአ ግዝያዊ ኣዋጅ የረድእ።

ክሳብ ኵናት ዶባት 1998-2000 ኣጋጢሙ እቲ መስርሕ ምትካል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝሰናኸል ከኣ፡ ሃገራዊ ቅዋም ዝነድፍ ኮሚሽን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኣሳቲፉ፡ ብንቡር መስርሕ ዘተን ክትዕን ቅዋም ኣርቂቑ፡ ኣብ ግንቦት 1997 ከኣ ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ጸዲቑ።

ኣብ 1996 ከኣ ሕጊ ፕረስ እውን ረቒቑን ጸዲቑን፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ተፈጢረን ዓምቢበን ነይረን።

ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት

ምንጪ ስእሊ,PEN ERITREA/ ABRHAM T.

መግለጺ ስእሊ,

ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት

ኣብ ህዝባዊ ረፈረንዱም 1993 ኮነ ኣብ ምርቃቕን ምጽዳቕን ሃገራዊ ቅዋም፡ " ኣባላት ተሓኤ ብምዃንና ጥራሕ ብስርዓት ህግደፍ ካብ ሃገራዊ ጉዳይና ብፍላጥ ተገሊልና" ዝብሉ፡ ኣብ ዝተፈለላየ ህዝባዊ ኣኼባታት ርእይተኦም ዘቕርቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ኣለው።

እቲ፡ "ነብሲ ወከፍ ሃገራዊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክሳተፍ ኣለዎ " ዝብል ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ክዋስኡ ንዝሓተቱ ኣባላት ተሓኤ ነበር ዝተፈላለዩ ውድባት፡ "ድሕሪ ሕጂ ናይ ፖለቲካ ሓሸውየ ኣይፍቀድን እዩ" ብምባል ከም ውልቀ ሰባት እምበር ከም ውድባት ክኣትው ከምዘይከእሉ ስለዝኸልከለ፡ " ባህሪያት ኢሳይያስ ብዕምቆት ንዘስተብሃለ፡ እቲ ድሌት ምምስራት ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ኣብቶም መሳርሕቱ እምበር ኣብ ኢሳይያስ ዝነበረ ኣይመስለንን" ይብል ኣቶ ኤልያስ።

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ምርጫ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,AFP

መግለጺ ስእሊ,

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ምርጫ ኤርትራ ነበር

ሓያሎ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን፡ ንኣተሓሕዛን ኣልያን እቲ ብዘተን ልዝብን ክውገድ ዝግበኦ ዝነበረ ኩናት ዶባት 1998-2000 ክግምገም ኣለዎ ብማለት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓያል ዘይምርድዳእ ፈጢሮም ነይሮም።

ኣብ ዕጹው ኣኼባታቶም ብቐጻሊ ክዘራረቡ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ ታሕሳስ 2001 ቀዳማይ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ፡ ብምውሳን ሕጊ ምርጫን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዘርቅቓ ክልተ ሽማግለታት ተመዚዘን ስርሐን ጀሚረን።

እንተኾነ እቲ ዝረቐቐ ንድፊ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ክትዕ ከይተገብረሉ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስተቛረጸ፡ እቲ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ዓሪጉ ናብ ማእሰርቲ ላዕለዎት መራሕትን ምእጋድ ጋዜጣታት ብሕትን ኣምሪሑ።

እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ከኣ ከም አርእስቲ እውን ከይተላዕለ ክሳብ ሕጂ ተናዊሑ ይርከብ።

ብርእይቶይ ይብል ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ "እቲ ብሕብእቲ ሰልፊ ሰውራ ዝመርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኸምስል ደኣ'ዩ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ክንምስርት ኢና ዝብለና ነይሩ እምበር፡ እታ ኣብ 1994 ስርሓ ኣብቂዓ ፈሪሳ እያ ዝበለና ሕብእቲ ሰልፊስ ሕጂ እውን ነብሳ ወዲባ ብምስጢር ትሰርሕ ዘላ እዩ ዝመስለኒ። ቫንጋርድ ሰልፊ ከኣ ባዕሉ ክመርሕ እምበር ምስ ካልኦት ስልጣን ክሻረኽ ስለዘይፍቅድ፡ ብኸምኡ እዩ ምርጫ ካብ ምክያድ ክሕንግድ ጸኒሑ" ዝብል እምነት እዩ ዘሎኒ ይብል።

ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ ግን ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ምምስራት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዕልዋ ከምዝተኻየደ እዩ ዝምጉት።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንሃገራዊ ባይቶ ኣፍሪሱ፡ ንፈጻሚ ሽማግለ ኣልሚሱ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ንኽትከል ዝሓተቱ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ፡ ብዘይ ወግዓዊ ክስን ንቡር መስርሕ ፍርድን ኣሲሩን ሰዊሩን ፖሊሳዊ መንግስቲ ዝመስረተ መታን ምርጫ ከይካየድ እዩ። ምኽንያቱ ምርጫ ምፍቃድ ማለት ተሓታትነትን ግሉጽነትን ምቕባል ማለት እዩ። ሓደ ሕጊ ጥሒሱ ብሓይልን ቅልጽምን ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፈጸመ ሰብ ከኣ ብጉድለታቱ ክሕተት ኣይደልን እዩ" ብማለት ኢሳይያስ ክሳብ መጨረሽታ ዕድመኡ ምርጫ ዝበሃል ከምዘየፍቅድ ይዛረብ።

ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ እውን ምስ ርእይቶ ኤልያስ ዝመሳሰል ሐሳብ እዩ ዘለዎ።

እቲ ቀደም ኣብ እዋን ቃልሲ እውን እንተኾነ፡ ቃናን ቋንቋን ኩሉ ተቓላሲ፡ "ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት" ምምስራት ዝብል ስለዝነበረ፡ ኢሳይያስ፡ ነቲ ሓፋሽ ክመስል እዩ ነቲ ሓሳብ ዝደጋግሞ ነይሩ እምበር፡ ከም ውልቀ ጠባይ መላኺ ስለዝኾነ፡ ብጽኑዕ ፖለቲዊ ትካላት ጥራሕ እዩ ክግታእ ዝኽእል - ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ከምኡ ዓይነት ትካላት ንኸይንፈጥር ብኹሉ ዝከኣሎ ተቓሊሱ ስዒሩና'ዩ" ይብል።

ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ግን " ቅድም ልዑላውነት ሃገር ክዕቀብን ክወሓስን ስለዘዎ፡ ሃገር ከየውሓስና ሰራዊት ከነጣይስ ይኹን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያትና ክንዛረብ ግዜኡ ኣይኮነን" እናበሉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ስለምንታይ ግን ኢሳይያስ ሓሳቡ ቀይሩ?

ኣብ ደሞክራሲያዊ ስርዓታት፡ መሪሕነት ማለት፡ ጾርን ሓላፍነትን ህዝብን ሃገርን ምስካም እዩ። ኣብ ምልካውያን መንግስታት ግን መሪሕነት ማለት፡ "ነብስኻ ዝኣዘዘካ ዊን ዝበለካ" ተግባራት ምፍጻም ዕድል ምርካብ እዩ። ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ " ኤርትራ ድሒራ ነጻነታ ትጎናጸፍ ስለዘላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝፈጸሙዎ ጌጋታት ብልሽውና ኣይክትደግምን እያ" ዝብል ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ይወሃብ ምንባሩ ዝዝክር መጎስ ብርሃነ፡ " ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣበራትና ዘለለየ ህዝቢ ካብቶም ብኹሉ ዓይነት ብልሽውና እንኸሶም ዝነበርና መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝተሓትና ምዃንና ቀልጢፊ እዩ መዚኑና" ይብል።

ክሳብ ኵናት ዶባት ተኸሲቱ እቲ ነገራት ዝበላሾ ከኣ፡ ዝበዝሕ ተጋዳላይን ህዝብን " ነገራት ሎሚ ጽባሕ ክመሓየሽ እዩ" ኢሉ ብተስፋ ክቃለስ ጸኒሑ። ግን ኩሉ ነገር ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይከደን።

ኣብ 1988 ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዓምበርበብ ሳሕል ብምኽንያት ስራሕ ብኣካል ረኺቡ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓት ኣብ ጉዳይ ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕለሎ ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ ይዝክር፡ "ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ካብ ቻይና እንታይ ተማሂርኩም ኢሉ ከምዝሓተቶን፡ ሽዑ ኢሳይያስ ብዙሕ ነገር ከምዝተማህሩ፡ ግን ቻይናውያን ነቲ ሰብኣዊ ኣምልኾ ማኦ ( ፐርሰናል ካልት) ክቃለሱዎ ከምዝነበሮም ነጊሩና። ሕጂ ግን ባዕሉ ሰብኣዊ ኣምልኾ ፈጢሩ ንሃገር ብምልኪ ሒዙዋ ኣሎ" ክብል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ኢሳይያስ

ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት ሰሙናዊ እትሕተም ጋዜጣ ጽጌናይ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ቁ-20 ሕታማ፡ " ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝደለዮ[እዋን] ስልጣነይ ክገድፍ እኽእል እየ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፦ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሓንቲ ኣብ ኣመሪካ እትሕተም ጋዜጣ "ስልጣን ክትገድፍ መደብ ኣለካ'ዶ ወይስ ከምቶም ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ክሳብ ትመውት ክትጸንሕ ኢኻ? ክትብል ንዝቐረበትሉ ሕቶ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ስልጣነይ ንክገድፍ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን፡ ዋላ እውን ጽባሕ እንተኾነ ስልጣን ንምግዳፍ ድለው እየ። እቲ ምርጫ ምሉእ ብምሉእ ናይ ህዝቢ እዩ" ክብል ንዝሃቦ መልሲ ሒዛ ወጺኣ ምንባራ የዘኻኽር ኣቶ መጎስ።

ኣስዒቡ፡ ነቲ ፕሪዘደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 17 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ምስ ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ኢንግሊሽ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ኤርትራ መዓስ እዩ ምርጫ ክግበር ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ " እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ምርጫ እንታይ ፍረ ከምዘምጽእን ሓቀኛ ምርጫ ክሳብ እንርእን ን30 ወይ 40 ዓመታት ክንጽበ ኢና … " ንዝበሎ ኣብ ግምት ብምእታው ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሃገራዊ ምርጫ ክገብር ድላይ ከምዘይብሉ ብቑዕ ኣብነት እዩ ይብል።

ኤርትራ ፍልጠትን ክእለትን ኣሻሓት ዜጋታታ ዝፈሰሶ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ዝተደኽሞ ሃገራዊ ባይቶ ዘጽደቖ ሕገ-መንግስቲ እናሃለዋ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፡ "… ንኩነታትና ዝሰማማዕ ሓዲሽ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር እዩ" ክብል ዝሃቦ መግለጺ ንባዕሉ፡ ንሱ ክሳብ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ምርጫ ዝበሃል ነገር ከምዘይሕሰብ ምስክር ምዃኑ ዝሕብር ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ - ኢሳይያስ ክሳብ ዘሎ ኤርትራ ሃገራዊ ምርጫ ትርኢ ኣይመስለንን ይብል።

Last modified on Saturday, 22 May 2021 12:18