ብኮሎነል ፍስሃየ ጸጉ ባህታ ብነሓሴ 2014 ተጻሒፋ ዝተዘርገሐት መጽሓፍያ። ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ኢና ነርና። ምስ ናይ ሎሚ ጥቡቕ መተዓልልተይ ድሕሪ ናይ ምሳሕ ግዜና ብዙሕ ግዜ እናተራኸብና ኢና ማሕበራዊ ርክብናን ፖለቲካዊ ርእይቶናን ነዕሙቕ ዘለና። ዕላልና ኩሉ ሓዘልዩ። ድሕሪ ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ ዘሎ ናይ ስደት ሂወትና እነልዕሎ ዕላልና ናይ ሽምግልና ዕድመና ዘንቀሎዩ መብዛሕትኡ። ኩነታትና፣ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናንውን ጎሲና ካብ ዘይንሓልፎ ጉዳይዩ። ልዕሊ ኹሉ ብምስቁርቋር ዘሕስብና: ኣብ በጺሕናዮ ዘለና ዕድመ ግዜ ጡሮታና ኣብ ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ቀልቢ ዘለዎ ምምሕዳርን ነይሩ እንተዝኸውን: ኣብ ዝዓበናሉ ገደናን ደምበን ኮንና ብኽቡር ዘዕበየና ባህሊ ምተዛኔና ኢና እንብል ብጋህድን ሕልምናን። ባህግና ግሁድ ከይከውን ካብ ዝገበረ ርኹስ ሓሳብን ግብርን ምልካውነት ምዃኑውን ከይዘከርናዮ ሓሊፍና ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብን ርእይቶን ስለእንሳምማዕ ከኣዩ ዝምድናና እናሰፍሐን እናዓሞቖን ዝኸይድ ዘሎ። ብኸምዚ ስለ ንዋሳእን ንራዳዳእን ከኣዩ: ነዛ ሕብእቲ መጽሓፍ ኮሎነል ጸጉ: ”እስከዛ መጽሓፍ ርኣያ ኣየንበብክዋን ግን ቅድም ንስኻ ኣንብባሞ ብድሕረኻ ከንብባየ” ኢሉ ዝሃበኒ። ክህበኒ ከሎ ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምሳና ስለዝነበርውን: ካባይ ተቐቢሉ ንምዕራፋት ጽሑፋት ”እታ ሕብእቲ ሰልፊ” ብምምልካት ሕብእቲ ሰልፊ ዝብል ክፋል ግን የለን ኣብዚ ኣርእስት ምዕራፋት ኢሉና። ሓቂዩ ነይሩ። ኣብ ገዛይ ምስ በጻሕኩ ከኣ ገለ ገጻት ኣንቢበላ። ጉዳይ ”እታ ሕብእት ሰልፊ” ጸጉ ኣብ መጽሓፉ ዳርጋ ኣብ መላእ ምዕራፋትን ትሕዝቶን ናይ መጽሓፍዩ ዘሎ። ንጽባሒቱውን ሰለስተና ስለ ዝተራኸብና: ከንብባ ከም ዝጅመርኩን ኣገዳሲ ትሕዝቶ ከምዘለዋን ሓቢረዮም። ካብ ትጽሓፍ ክልተ ዓመት ገይራስ ክሳብ ሎሚ ክንረኽባ ዘይምኽኣልናውን ጠቒሰሎም። መንግስ፣ ደጊጋ ከም ዘላቶን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ትሸየጥ ከም ዝነበረትን ከምዝሓበሮ ጠቒሱለይ። ንርእሰይ ኣብ ፈስቲቭል ምንባረይን ነቲ ዝዝርጋሕ መጻሕፍቲ ኣቓልቦይ ዘይምሃበይንውን ተማሂረሉ።
ኣብ ካልኣይ መዓልተይ ንመጽሓፍ ጸጉ ቀጺለ ከንብባ ምስ ጀመርኩ ኣዝያያ ስሒባትኒ። ነቲ ብማዕዶ ኮይነ ዝዕዘቦን ብተመክሮይ ዝረአኽዎን ዘራጋገጸትለይን ብዝያዳ ንኣፍልጦይ ዘበረኽትን መጽሓፍ ኰይና ረኺበያ። ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ንነጻ ኤርትራ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ሓፋሽ ውድባት ትብዓት ዝመልኦ ምንቅስቓስ ድሕሪ ምስታፉ ኣብ ሂወቱ ዘስግእ ኩነታት ምስ ተርኽበዩ ንሜዳ ኣብ 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ። ድሕሪ ታዕሊም ብዙሕ ከይጸንሐዩ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተወዚዑ። ብ1978 ከኣ ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ኮይኑ። ንጸጉ ብኣካል ኣይፈልጦንየ። ኣብ መጽሓፉ ዝጠቕሶም ሰባት ብዙሓት ካብኣቶም ስለዝፈልጦም ግን መጽሕፉ ፍሉይ ጦብላሕታ ሂባትኒያ። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ንሕብእቲ ሰልፍን መራሒኣ ዝነበረ ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝተጻወቶ ተራ ዕንወት ህዝብን ሃገርን ብንጹር ኣርእዩ: ምልካውነቱ ንምስፋን ዝተኸተሎ ጉዕዞ ብውዱዕዩ ዘቕርቦ። ” ኢሳያስ ከም ዝማእመኦ ሓንሳብ ተኸታሊ ማኦ ሓንሳብ ማርክስ ሓንሳብ ኣዳም ስሚዝ ኮይኑ ዘይተጋላበጦ ዓውዲ ፍልስፍና የልቦን። ከምቲ ውሩይ ኢጣልያዊ ፈላስፋ ማክያቨሊ ዝብሎ ድማ ”ንኹሉ ስልትታት ሓላል ዝገብሮ ዕላማዩ” ኢሉ ይኣምን። ናይ ሰብን ኣራዊትን ቆርበት ለቢሱ ንኹሉ ይምዝምዝ-ብጾቱን መቓልስቱን ከይተረፈ። ኣብ ዝኾነ ሰብ ይኹን ማሕበር እምነት ከየንበረ: ብጻዕሪ ካልኦት ጸብለል ክብል ወትሩ ዝህቅንን: ብሕታዊ ረብሕኡ ከደንፍዕ ጥራይ ክጓዓዝ ዝጸንሐን ዘሎን ጉሒላ ክኢላ´`ዩ።” ኢሉዩ ዝገልጾ ንኢስያስ! ኮሎነል ኣብ መጽሓፉ ”እታ ሕብእቲ ሰልፊ”።
ሕብእቲ ሰልፊ መሳርሒ ጉሒላ ” ፕረሲደንት” ኮይና: እታ መኪና ኣብ ጉዕዞኣ ክንደይ ንጹሃት ከም ዘጥፈአትያ ልብኻ ክሳብ ዝነብዕ ተርእየካ።
ኮሎነል ጸጉ፡ ግዝያውን መስጋገርን ” ቆዋሚ መንግስትን” ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ብዝለዓለ ደረጃ ተርኡ ዝተጻወተዩ። ነዚ መስርሕዚ ድማ ንዝነበሮን ዝተመከሮን ዝፈልጦን ጥራይ ከም ዝዛረብን ጽሑፉ ንደሚክራስን ፍትሕን ንዝቃልሱ ብሩህ ስእሊ ኩነታትናን ባህሪ ጨካንን ምልካውን ስርዓት ውልቀ ሰብ ፍልጠት ዝህብ: መጽሓፍ ብምቕራቡ ንምርዳእካ ዘሀብትምዩ። 280 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍዩ። ናይ 44 ዓመቱ ተመክሮ ቃልስዩ። ሓው ሰለሰተ ኣሕዋቱ ስውኣት ሰውራዩ። ናይ ደገን ውሽጥን ጸላእቲ ሓርነት መን ምዃኖም ኣነጺሩ፣ ጽሑፉ ጸላኢ መን ምዃኑን ብኸመይ ክንቃልሰ ከም ዘሎናን ዝዕድም መደምደምታውን ኣለዎ። ንጹር ኣጀንዳ ፍትሕን ሓርነትን ስለ ዘለዎ ኸኣ ጽሑፉ ናይ ግዜና ብሉጽ ኣስተዋጽኦ ንቓልስናዩ። ”እታ ሕብእቲ ሰልፊ” መጽሓፍ ጸጉ: ተፈታዊ ላዛ ዘለዎ ማሕበራውን ሰብኣውን ቃናውን ተንጻባርቕያ። ነቶም ንረብሓኦም ብምቕዳም ንተቓልስቲ ዝነጻጽል ኣጀንዳ ዘለዎም ባእታታት፡ ኣብ ሓቀኛ ሕልንኦም ክምለሱ እትዕድም ኮይና፣ ነቶም ብዙሕ እናፈለጡ ኣብ ምቅላዕ ምልካውነት ዘጽቀጡ ድማ ከተባራብሮም እትጽውዕ መጽሓፍያ ብርእይቶይ። ዘየንበብኩማ ረኺብኩም ከተብብዋ ድማ እምሕጸነኩም።
ረዘነ ተስፋጽዮን
7 ጥቅምቲ 2016