መሪር ናይ ሓዘን መግለጺ

2015-01-04 16:03:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2915 times

ገዲም ተጋዳላይ ዓሊ ዓምር መሓመድ ሓሰበላ ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊ ዕለት 3 ጥሪ 2015 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስውእ ዓሊ ዓምር፡ ብ1958 ኣብ ቃርዑበል (ዓንሰባ) ተወሊዱ። ብ1974 ድማ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ተሓኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተመዲቡ ተቓሊሱ። ኣብ ብሪገድ 77 መራሕ ሓይሊ ነይሩ። ብድሕሪኡ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ወሲዱ ከም ሓኪም ኰይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ መደበር ሸገራብ ድሕሪ ምስግጋሩ ድማ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሸገራብን ከባቢኡን ኰይኑ ክሳብ መስዋእቱ ክቃለስ ጸኒሑ።

ኣብ ሰማንያታት ኣብ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ልሉይ ግደ ተጻዊቱ። ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ምስ ናይ ግዳም ናይ ረዲኤት ማሕበራት ከም ሓኪም፤ ከምኡ'ውን፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ተርጓማይ ኰይኑ ብምስራሕ ንስደተኛታት ንብዙሕ ዓመታት ከገልግል ጸኒሑ። ስውእ ዓሊ ዓምር ኣቦ 8 ቆልዑ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንስደራ ቤቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

Last modified on Monday, 05 January 2015 18:48