መሪሕነት ባይቶ “ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን”፡ ኣብ ኦክላንድ ኣኼባ ኣካይዱ

2020-03-07 15:41:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in Community Center Read 2895 times

ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ወይዘሮ ኢለን ተስፋጊዮርጊስን ኣቶ ፍቕረ ጋይምን

 

ፈጻሚ ኣካል ናይ ባይቶ “ምንቅስቓስ ይኣክል” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብ29 ለካቲት 2020 ኣብ ከተማ ኦክላንድ፣ ሰሜን ካሊፎርንያ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ብሓልዮት ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (በ.ኤ.ደ.ለ)” ዝተዳለወ ኣኼባ፣ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ፣ ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎምን፣ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝተሳተፍዎ እዩ ነይሩ። 

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ይከኣሎ ኣብርሃ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፣ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ነበርቲ በይ ኤርያ፡ ናብዚ ሎሚ መዓልቲ ብኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዝካየድ ኣኼባ ክትሳተፉ ምምጻእኩም ከምኡ’ውን ኣጋይሽና፣ ብስም ማሕበር (በ.ኤ.ደ.ለ) እንኳዕ ድሓን መጻእኩም ብምባል ሰናይን ምርድዳእ ዝዓሰሎን ኣኼባ ክዀነልና ድማ እምነ በለ።

ቀጺሉ ኣቶ ወልደየሱስ ዉበ፣ ካብ ወከልቲ ሽማግለ ምንቅስቓስ ይኣክል በይ-ኤርያ፣ ንፈጻሚ ኣካል ወኪሎም ኣብ መንጎና ዝርከቡ ወይዘሮ ኢለን ተስፋጊዮርጊስን ኣቶ ፍቕረ ጋይምን ኣላልዩ፣ ምዕብልናታት ምንቅስቓስ ይኣክል፣ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ንምግላጽ፣ ምሳና ክራኸቡ ኢሂን-ምሂን ክበሃሃሉን ርእይቶና ክሰምዑን ምምጽኦም ኣብሪሁ።

ወይዘሮ ኢለንን ኣቶ ፍቕረ ጋይምን ንብህዝቢ በይ-ኤርያ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ብምምስጋን፣ ንመስርሕ ኣበጋግሳን ቀጻልነትን ምንቅስቓስ ይኣክል፣ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብፖወር-ፖይንት ዝተሰነየ በብተራ ዝርዝርን ሰፊሕን መግለጺ ኣቕሪቦም። እዞም ክልተ በላሕቲ መንእሰያት፣ ብሰንኪ ጨኒ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ጉጅለኡን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ጭቆናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ድሕሪ ምግላጽ፣ ናብቲ መዋጽኦ ዝዀነ፣ ምልጋስ ምልክን ብፍትሓዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትክኡን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ምንቅስቓስ ይኣክል ብሓደ ድምጽን ብሓባርን ቃልስና ከነሕንን ጸዊዖም።

ምንቅስቓስ ይኣክል ዝምርሓሉ ዓንዲ ሕጊ ተነዲፉ ናብ ኣብ ኵለን ከተማታት ዝነጥፉ ምንቅስቓሳት ይኣክል ተዘርጊሑ ተኸሊሱን ተመሓይሹን ከምዝጸደቐ ሓቢሮም። ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ናይ ምንቅስቓስ ይኣክል ብተወከልቲ ናይ ኵለን ከተማታት ቆይሙ ኣብ ስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም። ኣብቲ ዝቕጽል ምርጫ ጽፉፍ ኣገባብ ክንክተል፣ ማለት ንብዙሕነትና ዘንጸባርቕ ኰይኑ ክቐውም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም። ናይ ምንቅስቓስ ይኣክል ስራሕ ኣብ ማእክላይ ባይቶ ዘይኰነስ፣ ኣብ ከከተማኡ ዕቱብ ስራሕ ምስ ዘካይድ’ዩ ሓያል ምንቅስቓስ ክንሃንጽ ንኽእል ብምባል ኣስሚሮምሉ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ምንቅስቓሳት ይኣክል፣ ተማእኪሉ ብሓባር ዝሰርሓሉ ጥርናፈ ክንሃንጽ ተሰማሚዕና መስርሑ ጀሚሩ ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም።

ወይዘሮ ኢለን ኣብ ርእሲ’ቲ ሓፈሻዊ ጭቆና ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ውርደትን ሓሳረ መከራን፣ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ብዝርዝር ገሊጻ። ስምዒታ ገንፊሉ ኣብ ገለ እዋን ክትዛረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኵነታት የጋጥማ ነይሩ። ንሳ ኣብ ኣመሪካ ምስ ስድራኣ ብሰላምን ራህዋን እናነበረት፣ ናይታ መዋእላ ዝተጋደለት ናብራ ዘይገበረት፣ ናይታ ደቃ ናብ ሜዳ ዘሰለፈት፣ ድሒሩ’ውን ብኣብ ደረት እዋን ዘይብሉ ኣገልግሎት ዘለዉ ደቃ እትሻቐል ኤርትራዊ ኣደ፣ ናይታ ብዘይ ሕጊ ኣብ ማእሰርቲ ትበሊ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ...ወዘተ ክሓስብ ድቃስ የብለይን። ስለዚ እየምበኣር ዝበዝሕ ግዜይ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓዳረይ ኣብ ስራሓት ምንቅስቓስ ይኣክል ተወፍየ ዘሕልፎ ብምባል ንሕልናን ስምዒትን ኣኼበኛ ዝተንከፈ መግለጺ ብምቕራብ ካብ ይኣክል ናብ እወ ይከኣል ሰጊርና ዕላማና ከነረጋግጽ ብሓባር ክንሰርሕ ተማሕጺና።

ወከልቲ ፈጻሚ ኣካል ብተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝቐረበሎም ሕቶታት እናተቐባበሉ ኣብሪሆምን ዝግብኦ መልስታት ሂቦምሉን። ካብ ኣኼበኛ ዝቐረበሎም ርእይቶታትን ለበዋታትን’ውን መዝጊቦም።

ማሕበር (በ.ኤ.ደ.ለ) ንኣጋይሽን ተሳተፍቲ ኣኼባን ዓዲሙ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዝለገሶ ድራር ድሕሪ ምምጋብ፣ ካልኣይ ኣኼባ ማለት ምንቅስቓስ ይኣክልን ማሕበር (በ.ኤ.ደ.ለ)ን ተወሃሂዱ ብምትሕግጋዝ ዝሰርሓሉ መንገድታት ንምርድዳእ ዕቱብ ምይይጥ ተኻይዱ።

ይኣክል ንውልቀ ምልኪ፣ ናብ ይከኣል ንሰጋገር !!!

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና !!!

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ / ኦክላንድ

 

Last modified on Saturday, 07 March 2020 17:01