ቓል ኣቦ ወንበር ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኣትላንታ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሰሚናር፡ ኣትላንታ

2015-04-20 17:11:09 Written by  ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኣትላንታ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ Published in Community Center Read 3796 times

“ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ብ ኣቦ ወንበር ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grass roots movement) ዝቐረበ ቓል።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡-

          ናብ’ዚ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ህዝባዊ ሰሚናር እንኳዕ ዳሓን መጻእኩም ክብል ይደሊ። ማእከል ዛዕባ ናይ ሰሚናርና ሓድነት ኮይኑ፡ ቴምኡ ድማ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ዝብል ኢዩ።

          ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህሉ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝቕጽልን ኢዩ። እቲ ዋና ነገር፡ ንፍልልያት ከመይ ተተኣናግን ተማሓድርን ኢዩ። ንፍልልያቶም ከም ጸጋ ተቐቢሎም፡ ተኸባቢሮምን ተኣማሚኖምን ዝነብሩ ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት፡ ማሕበራት፡ ሃገራት ይኹኑ ህዝብታት፡ ካብቶም ንፍልልያቶም ምምሕዳር ተሳኢንዎም ድሌታቶም ብዓመጽን ሸፈጥን ከርውዩ ዝህቅኑ ኣካላት ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወትን ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮን ክውኑ ንዕዘብ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምእማንን ብምርዳእን ኢና እምባኣር ነዚ ናይ ሎሚ ማዓልቲ ሰሚናር ክንውጥንን ከነዳሉን ዝወሰንና።

          ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ ከምዝርከብ እትረፍ ንዓና ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ብሰለስተ ውልቀነጻነቶም ዝተሓለወ ግን ድማ ተማላላእቲ ዝኾኑ ኣካላይ ናይ መንግስቲ፡ ማለት ብሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካል ዘይቆመ፥ ብኣቕዋም (constitution) ዘይምራሕ፥ ናብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ዘምርሕ ዝተነጸረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘይብሉ፥ ዳርጋ ምስ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝበተኸን ኣዝዩ ዝተጸልእን ዝተነጸለን፥ ባህላዊ ክብርታትና ዘበርዓነን ማሕበራዊ ምትእስሳራትና ዝበታተኸን ፍንፉን ስርዓት ምዃኑ፡ እንዳራኣየ ከምዘይ ራኣየ፡ እንዳ ሰምዐ ድማ ከስቅጥ ንዝደለየ እንተዘይ ኮይኑ፡ ብሩህ ከምጻሓይ ቀትሪ ኢዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩንም፡-

          ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶም ዝጸንሐን ዘሎን ደረት ኣልቦ ኩለ-መዳያዊ በደላትን ኣመልኪቱ ክዝረብ እንከሎ፡ ባህ ዘይብሎ ወይ’ውን ክሰምዕ ዘይደሊ ባእታ ክህሉ ከምዝኽእል ዝሳሓት ኣይኮነን። ልክዕ’ዩ፡ ሰባት ንዝኣመንሉ ክንእዱን ክውድሱን፡ ቅኑዕ ኮይኑ ንዘይተራእዮም ድማ ክነቕፉን ክእርሙን ውልቃዊ ነጻነቶም እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብሰንኪ ዝኽተሎ ዓማጺ ባህርን ኣካይዳን፡ እቲ ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ ምንቃፍን ምንኣድን ዘይኮስ፡ ኣብ መንጎ በዳልን ተበዳልን፥ ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ኢዩ። ስለዝኾነ ኻኣ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቀሺ ደስሞንድ ቱቱ ዝበሎ፡ በደል እንዳተፈጸመ ዕሽሽ ምባል ምስቲ በዳሊ ምውጋን ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ኣብ’ዚ እዋንዚ፡ እቲ ነፈርቲ ደርጊ ዓዱ ዘጋጸላሉ ህዝቢ፡ ኣባይቱ ብዶዘራት ህግደፍ ክፈርስ ይውዕል ኣሎ። ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ማያት መዲትራንያን ይጠፍእ ኣሎ። ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ተለዊጣ፡ እቶም ስቓይ ማርያም ግቢን ኣለም በቃኝን ንኸብቅዕ ንእስነቶም ኣብ ገድሊ ዝተወደአ ጀጋኑ፡ ኣብ ኣጻምእ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ይበልዩ ኣለው። እታ ንስለ ሓርነት ዝመኸነት ጅግና፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ክትልምን ትውዕል ኣላ። ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ማዓልታዊ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ሓደገኛ ስደት የምርሕ ኣሎ። እቲ ዝርዝር ማእለያ የብሉን። ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ፡ መጻኢ ዕድልና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኢዩ።

          እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ፡ ነታ ንህላዌኡ’ውን ፈታኒት ኣብ ዝኾነት መጻብቦ ተቐርቂሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣብ ደገ እንነብር ኤርትራውያን ናይ ዘይምትእምማንን ባህሊ ይዓኩኹ ምህላዉ እዩ። እዚ ኻኣ ሓደገኛ ኢዩ። ትርጉምን ኣድላይነትን ናይ ሓድነት ልዕሊ ሰብና እኳ እንተዘይበልና ከም ዓለምና ግን ንፈልጦ ኢና። ምፍላጥ በይኑ ግን እኹል ኣይኮነን፡ ብተግባር ምስናይ የድሊ። ንሓድሕድና ክንተኣማመን እንተዘይክኢልና ተጎዳእቲ ንሕና ኢና። ኣብ ሕድሕድ ምትእምማንን ምክብባርን ዝተሰረተ ድልዱል ሓድነት ከነረጋጽ እንተኺእና ድማ ፈለማ ተጠቀምቲ ንሕና ኢና። ስለዚ ንኻልእ ኢልና ዘይኮነስ፡ ፈለማ ንነብስና ንኽጥዐመና ምእንቲ፡ ሕድሕድና ንከባበር፡ እሂን ምሂን ንበሃሃል፡ ሓባራዊ ጸገማትና ሓቢርና ነለሊ፡ ሓቢርና ድማ መፍትሒ ሓሳብ ነናድን ጸገማትና ንፍታሕን። እዚ ናይ ሎሚ ሰሚናር ንኸምዚ ዝበለ ስጉምት፡ ጽቡቕ ጅማሮ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

          ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ሰሚናር’ዚ ንምድላው ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኩሉም ብልቢ የመስግን። ዶ/ር ርእሶም ኣብ መንጎና ተረኺቡ ምሁራዊ ማዕዳን ኣስተምህሮን ንደቅናን ናዓናን ንኽገብር ዘርኣዮ ድልዉነትን ተገዳስነትን ብስም ነብርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን የመስግን። ካብ ፍሎሪዳን ቻርለትን ናብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ንኽትሳተፋ ኣብ መንጎና ተረኺብኩም ዘለኹም የሕዋት ኣድናቖተይን እንዳገለጽኩ ብልቢ ከመስግነኩም ይደሊ። ዕውት ሰሚናር ይግበረልና።

          ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩሙኒ ብልቢ የመስግን።

         የቐንየለይ።

Last modified on Monday, 20 April 2015 19:16